እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵዕሶ እግሪ፡ ጸወታ ሱፐር ካፕ ኣፈሪቃ ኣብ ቐጠር ክካየድ ተወሲኑ
ኮንፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ( ካፍ)፡ ጸወታ ሱፐር ካፕ ኣፈሪቃ ኣብ ቐጠር ክኻየድ ወሲኑ።
ዋንጫ ሱፐር ካፕ ኣፈሪቃ ካብ ኣፈሪቃ ወጻኢ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርታ ክኸውን'ዩ።
እዚ ጸወታ ኣብ ሞንጎ እታ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፈሪቃ ዝተዓወተት ቱኒዝያዊት ጋንታ ኢስፔራንስን፡ ዕውትቲ ኮንፈደረሽን ኣፈሪቃ ዝኾነት ሞሮካዊት ጋንታ ራጃ ካሳብላንካ'ዩ ክካየድ።
ኮንፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝኽተሎ ዝነበረ ኣገባብ፡ እቲ ጸወታ ኣብ ሜዳ ናይታ ዕውትቲ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዝኾነት ጋንታ'ዩ ክካየድ ነይርዎ።
ዕውትቲ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዝኾነት ጋንታ ኢስፔራንስን፡ ነዚ ጸወታ ኣብ ከተማ ራድረስ ከተካይዶ'ኳ መዲባ እንተነበረት፡ ክሳብ ሕጂ ነዚ ብካፍ ዝተወሰነ ውሳነ ኣመልኪታ ርኢቶ ኣይሃበትን ዘላ።
እንተኾነ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ጋንታ ኢስፔራንስን ቁጠዕ ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ጋንታ ኢስፔራንስን ዝነበረ ኦልትራስ "እዚ መበል 100 ዓመትና ንጽንብለሉ ጸወታ እዩ ነይሩ፡ እቲ ጸወታ ክኣ ኣብዚ ኢና ከነካይዶ ንደሊ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፈጻሚ ኣካል ኮንፈደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ እቲ ጸወታ ሱፐር ካፕ ኣፍሪቃ ኣብ ቐጠር ክኻየድ ከም ዝወሰነ ብምሕባር እቲ ጸወታ ኣብ ዝተመደበሉ ሰዓትን ዕለትን ክካየድ ምኳኑ ሓቢሩ'ሎ።