ናይዚ ቅነ ብሉጻት ስእልታት ኣፍሪቃ፡ በዓል ኣክሱም ጽዮን

Published

ናይዚ ቅነ ብሉጻት ስእልታት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን

ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያውያን፡ 21 ሕዳር፡ ኣብ ዝጽምበል በዓል ማርያም ጽዮን (ሕዳር ፍዮን) ካህናት ኣብ እግሪ ሓወልቲ ኣክሱም ያሬዳዊ ዝማሬ እንተቕርቡ
መግለጺ ስእሊ, ከም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያውያን፡ 21 ሕዳር፡ ኣብ ዝጽምበል በዓል ማርያም ጽዮን (ሕዳር ጽዮን) ካህናት ኣብ እግሪ ሓወልቲ ኣክሱም ያሬዳዊ ዝማሬ እንተቕርቡ
ኣብ ጽምበል በዓል ማርያም ጽዮን (ሕዳር ጽዮን) ካህናት ኣብ እግሪ ሓወልቲ ኣክሱም ያሬዳዊ ዝማሬ እንተቕርቡ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ይዕዘብ ነይሩ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጽምበል በዓል ማርያም ጽዮን (ሕዳር ጽዮን) ካህናት ኣብ እግሪ ሓወልቲ ኣክሱም ያሬዳዊ ዝማሬ እንተቕርቡ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ይዕዘብ ነይሩ።
ኣብ አክራ፡ ዋና ከተማ ናይ ጋና፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ እግሪ፡ ስእሊ ኣፍሪቃውያን ሰብ-ታሪኽ ኮይና መግቢ ትሸይጥ። ኣብቲ ስእሊ ፈላማይ መራሒ ናይታ ሃገር ኩዋሜ ኑኩሩማህን ሃጸይ ሃይለስላሴን ይርከብዎም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ አክራ፡ ዋና ከተማ ናይ ጋና፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ እግሪ፡ ስእሊ ኣፍሪቃውያን ሰብ-ታሪኽ ኮይና፡ መግቢ ትሸይጥ። ኣብቲ ስእሊ ኩዋሜ ኑኩሩማህን ሃጸይ ሃይለስላሴን ይርከብዎም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ እስራኤል ሩባ ዮርዳኖስ እንትጥመቑ።
መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ኣብ እስራኤል ሩባ ዮርዳኖስ እንትጥመቑ።
ሱዳናውያን ሰራዊት ዝሓለፈ ሰንበት ንሚኒስተር ምክልኻል ግብጺ ብጽምብል እንትቕበሉ። ሱዳን ካብ ግብጺ ዝኣቱ ምህርቲ ሕርሻ ኣጊዳ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እያ ነቲ እገዳ ኣልዒላቶ።
መግለጺ ስእሊ, ሱዳናውያን ሰራዊት ዝሓለፈ ሰንበት ንሚኒስተር ምክልኻል ግብጺ ብጽምብል እንትቕበሉ። ሱዳን ካብ ግብጺ ዝኣቱ ምህርቲ ሕርሻ ኣጊዳ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እያ ነቲ እገዳ ኣልዒላቶ።
እዞም መናእሰይ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምርኢት ባህላዊ ሙዚቃን ድራማን ዝነጥፉ መናእሰይ እዮም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ኣብ ዓዲቀይሕ ስኢልዎም።
መግለጺ ስእሊ, እዞም መናእሰይ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምርኢት ባህላዊ ሙዚቃን ድራማን ዝነጥፉ መናእሰይ እዮም። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ኣብ ወጀራት ዓዲቀይሕ ስኢልዎም።
ዝሓለፈ ሰሉስ ሚኒስትሪ ሓድግታት ግብጺ ኣብ ዘመነ-ፈርኦን ዝነበረ ብመንቀጺ ዝጸንሐ ሬሳ ኣብ ጊዛ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ሰሉስ ሚኒስትሪ ሓድግታት ግብጺ ኣብ ዘመነ-ፈርኦን ዝነበረ ብመንቀጺ ዝጸንሐ ሬሳ ኣብ ጊዛ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።
ኣባላት ሰራዊት ሞውሪታንያ፡ ኣብ ድሮ በዓል ናጽነት እታ ሃገር።
መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሰራዊት ሞውሪታንያ፡ ኣብ ድሮ በዓል ናጽነት እታ ሃገር።

ስእልታት ካብ AFP፣ EPA፣ Reuters፣ Getty Images ከምኡ ድማ Anadolu Agency