ፍሎሪዳ፡ ናብ ሰበ ስልጣናት ዝተላእኸ ቦምባታት መበግሲኡ ንምፍላጥ ተፍቲሽ ተጀሚሩ

ሓላፊ ፖሊስ ኦ ኔይል፤ ከንቲባ ኒው ዮርክ ቢልን ምኽትል ኤፍ ቢ ኣይ ዊልያምን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ [ኤፍቢኣይ] ነቲ ናብ ዝተፈላለዩ ሰባት ክልኣኽ ዝጸንሐ ተፈንጃሪ ቦምባ ክኸውን ይኽእል ተባሂሉ ዝጥርጠር ዕሹግ ጥቕላል፡ መን ይሰዶ ከምዘሎ ንምፍላጥ፡ኣካላት ጸጥታ ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከባ ቤት ቡስጣታት ተፍቲሽ ኣካይዶም።

እቲ ተፈንጃሪ ጥቕላል፡ ናብ ሸሞንተ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት፡ እንተላይ ናብ ፕሬዚደንት-ነበር ባራክ ኦባማን ተዋሳኢ ፊልም ሮቤርቶ ዲ ኔሮ ተላኢኹ'ዩ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘደለየ ብዓል ንማዕኸናት ዜና ኣሜሪካ ከምዝሓበሮም፡ ብውሕዱ ሓንቲ ካብተን ዕሹጋት ጥቕላል ካብ ፍሎሪዳ ከምዝተሰደት ገሊጹ።

ስጋብ ሕጂ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝርዝር ናይቲ ዘካየዶ መርመራ ኣይገለጸን ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዕሹግ ጥቕላላት ናብ ምክትል-ፕረኢዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደንን ናብ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ተሰዲዱ'ዩ።

ብሓሙስ ምሸት፡ ኣብ ኒው ዮርክ ዋርነር ሴንተር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ሓደ ዝጥርጠር ዕሹግ ጥቕላል ኣብቲ ህንጻ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኩሎም ኣብቲ ህንጻ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝወጹ ተገይሩ።

ኣብቲ ህንጻ ዝርከብ መደበር ቴሌቪዥን ሲኤኔኤን`ውን ተመሳሳሊ ዕሹግ ጥቕላል በጺሕዎ ኢዩ።

ብዝኾነ፡ እቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ሲኤኔኤን ዝተላእከ ጻዕዳ ሓርጭ ዝርከቦ ዕሹግ ጥቕላል ``ዝኾነ ዘፍርሕ ባዮሎጂካዊ ትሕዝቶ ከምዘይብሉ`` ምክትል ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ፡ ዊልያም ስዊነይ ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ ኮምሽነር ኒው ዮርክ ጀምስ ኦኔይል፡ ኩሉ`ቲ ዝተላእከ ዕሹግ ጥቕላል ናይ ምፍንጃር ተኽእሎ ከምዘለዎም ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣባላት ጸጥታ ``ነቲ ዕሹግ ጥቕላላት ክፍንጀር ዝኽእል መሳርሒ ኢዮም ወሲዶም ዘለው`` ኢሉ።

እቲ ዝጥርጠር ዕሹግ ጥቕላላት፡ መንን ካበይን ይስደድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ኣብ ከተማ ሚያሚ ዝርከባ ቤት ጽሕፈት ቡስጣታት ተፍቲሽ ከምዝጀምሩ ድማ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ፍተሻ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ቦምባ ክኸውን ዝጥርጥር ዕሹግ ጥቅላል፡ ኣሜሪካ ከም ሃገር ንናይ ባይቶ ምርጫ ኣብትዳለወሉ ዘላ ኣዋን ምክያዱ፡ እቲ ናይ ቦምባ ጉዳይ ዓቢ ፖለቲካዊ ኣቓልቦ ትዋሂብዎ ይርከብ።

ብሮቡዕ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ቲ ዝጥርጠር ዕሹግ ጥቕላል ኣመልኪቱ ክምልስ ከሎ፡ እዞም ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝወዳደሩ ሰባት ነቶም መወዳድርቶም ከም ``ገበነኛታትን ከም ናይ ስነ ምግባር ኣበር ዘለዎም ሰባት ክሪኢይዎም የብሎምን`` ኢሉ።

እንተኾነ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ቶም እቲ ዕሹግ ጥቕላል ዝበጸሖም ሰባት ግና ዝኾነ ነገር ኣይበለን።