ኡሁሩ ኬንያታ፡ ወላ ኣባላት ስድራቤተይ'ዉን ብልሽዉና ዝምልከት መርመራ ክካየደሎም ዝከኣል ኢዩ

Published
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ኣንጻር ብልሽዉና ዘለዎ መትከል ንምርግጋጽ፤ እቲ ናይ ጸረ-ብልሽዉና ተበግሶ ወላ ንኣባላት ስድርኡ ከካትት ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
"መንነትካ ብዘየገድስ፡ ንብልሽዉና ክንቃለሶ ጀሚርና ኣሎና . . . ወላ ኣባል ስድራቤተይ እዉን እንተኾንካ" ፕረዚደንት ኬንያታ ንመደብ ሃርድ ቶክ ቢቢሲ ተዛሪቡ።
ስድራ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ብዘለዎም ረብሓታት፡ ኣብታ ሃገር፡ ካብቶም ዝሃብተሙ ኢዮም።
ፕረዚደንት ኬንያታ ህዝባዊ መርመራ ናይ ሃብቱ ክካየድ ጸገም ከም ዘይብሉ'ውን ገሊጹ።
"ከምቲ ደጋጊመ ዝብሎ፡ እቲ ንዉንኖ ኩሉ ንህዝቢ ቅሉዕ ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ሕጋዊ ዘይኮነ ዝገበርናዮ ነገር ጭብጢ ዘለዎ እንተሎ፡ ናብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከቕርበና ይኽእል ኢዩ። ክንገጥሞ ድልዋት ኢና።"
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ንህዝቢ ዘገልግል ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ነቲ ዘለዎም ሃብቲ ዕላዊ ከም ዝገብሩ ዝሓትት ናይ ኣገባብ ናብራ ጽብጽብ ክገብር ጀሚሩ ኢዩ።
ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብቲ መስርሕ ክካተት ከም ዝደሊ ድማ ተዛሪቡ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
