ቅነ ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ 20-26 ሓምለ 2018

Published

ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍላተ ዓለማትን ዝተሓዩ ኣፍሪቃዉያን ስእሊታት እዚ ሰሙን እነሆ።

ጀሪካናት ማይ ዝተጸዓነ ኣድጊ ትገንሕ ዘላ ሰበይቲ 24 ሓምለ 2018
መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ፡ ቱኒዝ 15 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከባቢ ጀሪካናት ማይ ኣብ ዝተጽዓነ ኣድጊ ዝተሰቐለት ሰበይቲ
ኣብ ማሊ ከተማ ባማኮ ኣብ መገዲ ዝሸጣ ደቂ ኣንስትዮ 25 ሓምለ 2018.
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሊ ከተማ ባማኮ ኣብ መገዲ ዕዳጋ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ
ደገፍቲ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቦዉባካር ኪታ፡ ጸሎት እንተብጽሑ 23 ሓምለ 2018
መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ፕረዚደንት ማሊ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ ማላዉያን ኣብ መረጻ ክሳተፉ ጸሎት ኣብጺሖም
ዓርቢ፡ በዓል ሞኣያ ስነ ልቦና ኣቤል ካፖዶጎ፡ ኣብ ዙምባብዌ ጎደና ሮበርት ሙጋበ፡ ነዓእ መመረቂ ክዳን ተኸዲኑ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሰፊሕ ጸገም ስእነት ስራሕ ሙዝ ብምሻት ተቃዉምኡ ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፡ በዓል ሞኣያ ስነ ልቦና ኣቤል ካፖዶጎ፡ ኣብ ዙምባብዌ ጎደና ሮበርት ሙጋበ፡ ናይ መመረቂ ክዳን ተኸዲኑ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሰፊሕ ጸገም ስእነት ስራሕ በነና ብምሻጥ ተቃዉምኡ ገሊጹ
መናሰይ ኢንተርኔት ንምጥቃም እናፈተኑ
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ጎግል ናይ ህዝቢ ናጻ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ኸፊቱ
ኣብዲሻኩር መሃመድ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ብኹርዓት መጽሓፉ ሒዙ ናብቲ ዓርሳ ሃገር ኢላ ኣብ ዝኣወጀት ሪፐብሊክ ሶማሊ ላንድ ዝተዳለወ መሸጣ ፍሓፍ መጺኡ
መግለጺ ስእሊ, ደራሲ መጽሓፍ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ብኹርዓት መጽሓፉ ሒዙ ናብቲ ዓርሳ ሃገር ኢላ ኣብ ዝኣወጀት ሪፐብሊክ ሶማሊ ላንድ ዝተዳለወ መሸጣ መጽሓፍ መጺኡ
ኣብ ገምገም ባሕሪ ማሳዋ፡ ዝጻወቱ ህጻናት፤ ኤርትራ 22 ሓምለ 2018.
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገምገም ባሕሪ ባጽዕ፡ ዝጻወቱ ህጻናት
ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓደ ሰብኣይ ኣረጊት ግን ድማ ግቡእ ጽገና ዝተገበረላ መኪና እናዘወረ ሓምለ 20, 2018
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓደ ሰብኣይ ኣረጊት ግን ድማ ግቡእ ጽገና ዝተገበረላ መኪና እናዘወረ
ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኔልሰን ማንዴላ ንምዝኻር ኣብ ዝተሰርሐሓወልቲ "ሰልፊ" ዝሰኣሉ መናእሰይ
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት፡ ኣፓርታይድ ብምቅላስ ዝፍለጥ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ቤት መእሰርቲ ወጺኡ ፈላማይ መደረ እንከስምዕ ኣብ ዝተቐረጸ ሓወልቲ ስእሊ ይሰኣሉ ነይሮም

ስእሊ ካብ፡ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤ፣ ጌቲ ኢሜጅን ሮይተርስን