"ካብ ገገዛውትና እንትንፈናቐል ጎረባብትና ይበኽዩ ነይሮም" ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት

ምንጪ ስእሊ, ወንድማገኝ አሰፋ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቡኖ በደሌ ብዝተወለዐ ግጭት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ እዩ። ተወለድቲ ኣምሓራን ትግራይን ድማ ንብረቶምን ገዝኦምን ገዲፎም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ምፅብፃብና ይዝከር።
ካብ ገዝኦም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት ብዛዕባ ነቲ መጥቃዕትን ምስ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝነበሮም ርክብን ብስልኪ ኣዘራሪብናዮም።
ኣይተ ኣቢ ኣዝመራው ብምኽንያት ኣብ 1977 ዓመተ ምሕረት ኣጋጢሙ ዝነበረ ደርቂ፡ መንግስቲ ደርጊ ኣብ ወረዳ ዴጋ ከምዘስፈሮም ይዛረቡ።
ኣይተ ኣቢ "ኣብቲ እዋን ዓፀባ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣእዳው ዘርጊሑ ተቐቢሉና ነይሩ። ሕዚ ትሽዓተ ኣባላት ስድራ ኣለውኒ፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ከተማን ገጠርን ዘፍረኽዎ ንብረት ኣለኒ።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ምስ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ጽቡቕ ርክብ ነይሩና" ይብሉ።
ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንደሓር ግን፡ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ከም ፀለኢ ከምዝተራእዩን ዓበይቲ ዓዲ ይሽምግሉ ምህላዎምን ሓቢሮም።
"ብዕድመ ድፍእ ንዘበሉ ክንወቅስ ኣይንደልን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገገዛውትና እንትንፈናቐል ይበኽዩ ነይሮም። ግን እንታይ ይዓብስ ንደቆም ክቆፃፀሩ ኣይከኣሉን። ጥፍኣት እንትፍፅሙ ናብ ሕጊ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይከኣሉን" ክብሉ ይዛረቡ ኣይተ ኣቢ።

ምንጪ ስእሊ, ወንድማገኝ ኣሰፋ
እቶም ዓበይቲ ዓዲ ''ምስ ኦሮሞ ብሓዳር ተጣሚርኩም ንበሩ፤ ገዛ ወንኑ" እናበሉ ይሽምግልዎም ምንባሮም ተዛሪቦም። "ሕዚ'ውን ኣዕቚብና ኣብ ዘለናሉ ቦታ ዝምግቡና ዘለው፡ ተወለድቲ ኦሮሞ እዮም" ኢሎም።
ካልእ ብስልኪ ዘዘራረብናዮ ውልቀ-ሰብ ሙሉ ከላይ ይበሃል። ወዲ 28 ዓመት ሙሉ፡ ወለዱ ዓዲ-ጉደም ካብ ዝተብሃለ ዞባ ትግራይ እዮም መፂኦም፡ ኣብቲ ቦታ ከምዝወለዱዎ ይገልፅ።
ሙሉ "ተወሊደ፣ ሓዳር ገይረ፣ ክልተ ቆልዑ ዝወለድኩ ኣብዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እዩ። ወለደይ ብ1996 ናብ ትግራይ እንትምለሱ እውን እዚ'ዩ ዓደይ ኢለ ኣብዚ እየ ተሪፈ" ይብል።
እዋን ቁልዕነቱ ምስ ተወለድቲ ኦሮሞ ከምዘሕለፈን፡ ሕዚ'ውን ምስ መሓዙቱ ፅቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ዝዛረብ ሙሉ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ግን ምቅሕሓርን መንፈስ ምጥርጣርን እናተፈጠረ ምምፅኡ ገሊፁልና።
"ምሳና ብፍቕሪ ተሳንዮም ክነብሩ ዝደልዩ ኣለው። ብካልእ ገፅ ድማ ካብቲ ከባቢ ክንወፅእ ዝሓቱ መናእሰይ ኣለው። ንዓና ክረድኡ ዝፍትኑ መናእሰይ ድማ ግዳይ መጥቃዕቲ ይኾኑ ኣለዉ" ኢሉ።
ንተፈናቐልቲ ብስልኪ ኣብ ዘዘራረብናሉ እዋን፡ ተወላዲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ሹሚ ኢታና ዝበሃል መንእሰይ ሓቢርዎም ነይሩ። ምስ ሹሚ ብስልኪ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት፡ ልክዕ ከምቲ ናቱ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ኦሮሞ ምስ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ሓዳር መስሪቶም ከምዝተዋለዱ ሓቢሩና።
"ምስኦም ተዋሊድና ምዝማድና ዘየስተብሃሉ ገለ መናእሰይ ግና ከባቢና ለቒቖም ይውፅኡ ይብሉ። ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ጥቕዓት ክከላኸለሎም እንከለኹ ፈኸራን ምፍርራሕን እንተጋጠመኒ፡ ሕዚ እውን ዓቕመይ ብዝፈቐዶ መግቢ ሒዘሎም እየ መፂኤ ዘለኹ" ይብል ሹሚ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
