እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

እስራኤል ኣብ ቓዛ "ናይ ትሕቲ መሬት ዒላማታት" ከምዘጥቀዐት ኣፍሊጣ

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ክልተ ናይ ትሕቲ-መሬት ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ። ሓላፊ ብርጌድ ሮኬት ሓማስን ብርጌድ ሰሜናዊ ቓዛን ከምዝርከብዎም ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፍልስጤማዊ ጋዜጠኛ ምስ 42 ኣዝማዱ ብደብዳብ ተቐቲሉ

    ሓደ ፍልስጤማዊ ጋዜጠኛ ምስ 42 ኣባላት ስድራቤቱ ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ከምዝተቐትለ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ዜና ሓቢሩ።

    ኣገልግሎት ዜና ፍልስጤም ‘ዋፋ’ ከምዝበሎ፡ መሓመድ ኣቡ ሓሲራ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት ከተማ ቓዛ እዩ ተቐቲሉ።

    እቲ ብ7 ጥቅምቲ ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 37 ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ማሕበር ሲ-ፒ-ጀይ የመልክት።

    ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ደብዳባት እስራኤል ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ይሕብሩ።

    ብወገን እስራኤል ድማ፡ ኣብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዘካየዶ መጥቃዕቲ 1400 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 240 ካልኦት ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።

    ኣብቲ መጥቃዕትን ኣብ ዝቐጸለ ውግእን ሓያለ ወተሃደራት እስራኤል’ውን ተቐቲሎም ኣለዉ።

    ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተቐትሉ’ውን ይፍለጥ።

  2. እስራኤላውያን ዝኽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ጥቅምቲ 7 ኣካዪዶም

    እስራኤላውያን ነቶም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከምዛ ሎሚ ብሓማስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝሞቱ ልዕሊ 1,400 ሰባት ንምዝካር ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ንሓደ ደቒቕ ብህድኣት ኣሕሊፎም።

    እቲ ተበግሶ ብስድራ እቶም ግዳያት ዝነቐለ ኮይኑ፡ ሰባት ጸሊም ማልያ ለቢሶም ሃገራዊ መዝሙር ክዝምሩ ጸዊዖም ኔሮም።

    እቲ ዝኽሪ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲን ዩኒቨርስቲታት'ውን ይካየድ ምንባሩ ተገሊጹ።

    ብኻልእ ወገን ስድራ እቶም ኣብ ቓዛ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው 240 ሰባት፡ መቕርቦም ንኽፍትሑን ብሰላም ናብ ቤቶም ክምለሱን ተወሳኺ ጻዕርታት ክግበር ድምጾም ኣስሚዖም።

  3. ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወታሃደራዊ ማእከላት ኣመሪካ 38 ግዘ ተሃሪሞም- ፔንታጎን

    ኣብ ሃገራት ኢራቕን ሶርያን ዝርከቡ ወታሃደራዊ ማእከላት ኣመሪካ፡ ካብ 17 ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 38 ግዘ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣፍሊጡ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብርጋዴር ጀነራል ፓት ረይደር፡ መብዛሕተኦም መጥቃዕቲታት ብሮኬትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝተፈጸሙ ብምግላጽ ብኢራን ንዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ተሓተትቲ ገይሩ።

    ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 24 ኣእምሮኣዊ በሰላ ዘጋጠሞም ሓዊሱ 45 ወተሃደራት ኣመሪካ ጉድኣት ከምዝበጸሖም ተገሊጹ።

    ጀነራል ረይደር ከምዝሓበሮ፡ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣርባዕተ ዕላማታት ኣለዋ።

    ንሳቶም ድማ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሓይልታትን ዜጋታትን ኣመሪካ ምክልኻል፣ ምስ ሓማስ ንዝዋግኡ ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል “ተደላዪ ሓገዝ ጸጥታ” ምቕራብ፣ እስራኤል ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክተፍትሕ ምሕጋዝን ቅልውላው ቓዛ ናብቲ ዞባ ከይሰፍሕ ንምክልኻል ቁመና ሰራዊታ ምጥንኻርን እዮም።

  4. እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ጽኑዕ ዕርዲ ሓማስ ከምዝሓዘት ገሊጻ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ ነዚ ዝስዕብ ጉዳያት ኣልዒሉ ኣሎ፡

    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ንዝርከብ ጽኑዕ ዕርዲ ሓማስ ከምዝተቘጻጸረን፡ ጸረ ታንክ ሚሳይላትን መወንጨፍን፣ ኣጽዋር፣ ከምኡ'ውን ናይ መጸናጸኒ ንዋት ምርካቡ
    • ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል "ቴክኖሎጂካዊ መሳርሒታት ዝርከበሉ ስፍራ ዝርከቦም ዒላማታት ሓማስ ምህራሙ
    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ጥቓ ህንጻ ሆስፒታል ኣል-ቁድስ ወተሃደራት ሓማስ ክርእዩ እንከለው፡ ብኣየር ዝተገበረ መጥቃዕቲ "ዓቢይ ካልኣይ ነትጒ" ምስዓቡ፡ "መኽዘን ኣጽዋር ሓማስ ኣብ ሲቪላዊ ስፍራ" ዘመልከተ ምንባሩ እስራኤል ገሊጻ።

    ወላ'ኳ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እንተዘይጠቐሶ፡ ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ከሃን ዩኒስ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ዝነበረ ኵነታት ዘርኢ ስእሊ ይወጽእ ኣሎ፤ ክነቕርበልኩም ምዃንና ከኣ ንሕብር።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ንዝተፈጸማ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 10,000 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይገልጽ።

  5. እስራኤል ሓፈሻዊ ጸጥታ ቓዛ ክትቆጻጸሮ እያ - ናታንያሁ

    ንግጭት እስራኤል-ሓማስ ኣመልኪቱ ቀጥታዊ ጸብጻብ ናብ እነቕርበሉ ገጽ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም።

    ዘሎ ምዕባለታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡

    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ እቲ ኲናት ምስ ተዛዘመ፡ እስራኤል “ንዘይተወሰነ ግዜ” ሓፈሻዊ ጸጥታ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ክጸንሕ ምዃኑ፡ ምስ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ።
    • እቶም ልዕሊ 200 ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ከይተፈትሑ ንምቍራጽ ተዅሲ ዝግበር ጻውዒት’ውን ነጺጉ።
    • እንተኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ክኣቱ ወይ’ውን እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ክወጹ ምእንቲ “ስልታዊ ሓጺር ምቍራጽ” ክግበር ከምዝኽእል ገሊጹ።
    • እቲ ግጭት ሓደ ወርሒ ከቍጽር እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት “ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ መካነ-መቓብር ህጻናትን” ኮይኑ ምህላው ኣጠንቂቑ።
    • ብሓፈሻ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ድሕሪ ምጅማራ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 4,100 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 10,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። ሓማስ በቲ ፈለማ ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ 200 ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።
  6. መራሒ ሓማስ ኣብ እስራኤል ሰላማውያን ኣይቀተልናን ኢሉ

  7. ባኒ ንምርካብ ሰዓታት ሪጋ እትጽበየላ ቓዛ

  8. እስራኤላዊ ወተሃደር ኣብ የሩሳሌም ብካራ ተወጊኡ፡ እቲ ጥርጡር ተቐቲሉ

    ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ብካራ ተወጊኡ ብኸቢድ ከቈስል እነከሎ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝተጠርጠረ ወዲ 16 ዓመት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሉ።

    እቲ ጥርጡር፡ ቅድሚ ምቕታሉ ክልተ ሰባት ብካራ ከምዝወግአ ፖሊስ እስራኤል ገሊጹ።

    ካልእ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፡ መርመራ ይካየደሉ ምህላው ተፈሊጡ።

    ህጹጽ ኣገልግሎት እስራኤል፡ ሓንቲ ብኸቢድ ዝቘሰለት ጓል 20 ዓመት ሰበይቲ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደት ኣረጋጊጹ።

    ካልእ ሰብኣይ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ቀሊል መቍሰልቲ ከም ዝበጽሖ ሰብኣይ ህጹጽ ኣገልግሎት እስራኤል ሓቢሩ።

  9. ሃገራት ኣፍሪቃ ተቓውሞአን ንምግላጽ ዲፕሎማሰኛታተን ካብ እስራኤል ይጽውዓ ኣለዋ

    ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ ኩሎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዛ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “በቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅትለት ህጻናትን ንጹሃት ፍልስጤማውያንን ኣዚና ተሻቒልና ኣለና” ብምባል፡ ደብዳብ እሰራኤል ‘ናይ ኣልማማ መቕጻዕቲ’ዩ’ ክትብል ነቒፋ።

    እቲ ስጉምቲ ድሕሪ’ቲ እስራኤል ብሰንበት ዘካየደቶ ካብ ዝጻዕጸዐ ደብዳብ’ዩ ተወሲዱ። ሰብመዚ እስራኤል ብወገኖም፡ ሲቪላውያን ንዘይምህራም ዝክኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ’ዮም ዝምጉቱ።

    “ሻቕሎት ደቡብ ኣፍሪቃ ንምግላጽ ምልክት ክንህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ተሰሚዑና’ሎ፡ ሓፈሻዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ንጽውዕ ኣለና” ትብል ሚኒስተር ፓንዶር።

    ገረ ጫድ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ እሰራኤል ንዝርከብ ላዕለዋይ ወኪላ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከምእትጽውዕ ኣፍሊጣ’ላ።

    ዲፕሎማሰኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምጽዋዕ፡ ዝምድና ምብታኽ ዘይኮነ መግለጺ ዲፕሎማስያዊ ተቓውሞ ምዃኑ ይፍለጥ።

  10. ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ህጹጽ ምቍራጽ ተኵሲ ክግበር ጸዊዐን

    ሓለፍቲ ኵለን ቀንዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሳሕቲ ዝርአ ሓባራዊ መግለጺ ከውጽኡ እንከለው "ህጹጽ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተኵሲ" ክግበር ጸዊዖም።

    "ዳርጋ ንሓደ ወርሒ፡ ዓለም ነቲ ኣብ እስራኤልን ዝተቈጻጸረቶ ግዝኣት ፍልስጤምን ዝኽሰት ዘሎ ነገራትን ብተዓጻጻፊ ዝውስኽ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ብስንባደን ራዕድን ክትርእዮ ጸኒሓ ኣላ፡" ይብል መግለጺ እቶም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት።

    እቲ ዪኒሴፍ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦትን ሓለፍቲ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ ዘጋጥም ዘሎ ሞት "ዘሰንብድ" ክብልዎ እንከለው፡ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባት ብዘይቅድመ ኵነት ክፍትሑ ጠሊቦም።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ዘሰንብድ ቅትለት ሲቪላውያን፡ ን2.2 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ካብ መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒት፡ ሓይሊ ኤለክትሪክን ነዳድን ዝሕርም ብምዃኑ ዘቘጥዕ እዩ፤" ይብል።

    እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብቲ ግዝኣት ንዝነጥፍ ትካል ሕቡራት ሃገራት [ዩ ኤን ኣር ዳብሊው ኤ] ዝሰርሑ 88 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝጠቅስ እቲ መግለጺ፡ "እዚ ኣብ ሓደ ግጭት ዘጋጠመ ዝበዝሐ ሞት" ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ሓቢሩ።

  11. ዮርዳኖስ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ቓዛ ካብ ኣየር ከም ዝሰንደወት ኣፍሊጣ

    መራሒ ዮርዳኖስ፡ ንጉስ ዓብዱላ ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ሕክምናዊን ቀረባትን ኣፋውስን ናብቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ዮርዳኖስ ካብ ኣየር ከም ዝሰንደወ ገሊጹ።

    ንጉስ ዓብዱላ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ዘለው ጉዱኣት ምሕጋዝ ናይ ወተሃደራቱ ሓላፍነት ምዃኑ ሓቢሩ።

    እስራኤል ድሒራ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ እቲ ዮርዳኖስ ብኣየር ዝሰንደወቶ ሓገዝ ምስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብምትሕብባር ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጣ።

    ንጉስ ዓብዱላ፡ ዮርዳኖስ ቀንዲ ሓጋዚት ናይቶም "ፍልስጤማውያን ኣሕዋት" ዝበሎም ኮይና ክትቅጽል ምዃና ገሊጹ።

  12. ኣሜሪካ ሰብኣዊ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዂሲ ክግበር ጸቕጢ ትገብር

    ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዂሲ ክግበር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከካይዶ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣሐዪልዎ ኣሎ።

    ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ዳይረክተር ሲኣይኤ፡ ዊልያም በርነስ፡ ምስ ሰብ መዚ እስራኤል ንምዝርራብ ኣብ እስራኤል ይርከብ።

    ዝያዳ ምልውዋጥ ሓበሬታ ክህሉን ኣብ ሲቪላውያን ዝወረደ ጉድኣት ንምንካይ ዝያዳ ጻዕርታት ክግበር ጸዊዑ።

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ከካይዶ ዝቐነየ ርክባት ኣብ ቱርኪ ዝርርብ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ መንነቶም ምስ ዘይተገለጸ መራሕቲ ሃገራት ብዛዕባ እቲ ግጭት ክትዝቲ ምዃና ኣፍሊጡ።

  13. እስራኤል፡ ሓይልታታ ንቓዛ ኣብ ክልተ ከምዝመቐሉ ገሊጻ

    እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ ሓያል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ክትገልጽ እንከላ ብሰንበት ዓቢይ ነትጕን ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርትን ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡

    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ንቓዛ “ከቢቦም” ምህላዎም
    • ወተሃደራቱ ንወሽመጥ ቓዛ ናብ ክልተ ማለት “ሰሜን ቓዛን ደቡብ ቓዛን” ብምምቃል ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ምብጽሖም
    • ነበርቲ ሰሜን ቓዛን ናብ ደቡብ ክኸዱሉ ዝኽእሉ መገዲ እስራኤል ሕጂ’ውን ከፊታቶ ምህላዋን
    • እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛን ኣብ ከተማ ቓዛን ከባቢኣን መጥቃዕትታታ ከምእትቕጽልን ናይ ኣጋር ስርሒታ ከተጽዕቘ ምዃናን ሓቢሩ።

    ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ከም ግብረመልሲ እቲ ብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ኣብ ቓዛ ወፍሪ ካብ እትጅምር ንደሓር ከባቢ 10,000 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።