እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

እስራኤል ኣብ ቓዛ "ናይ ትሕቲ መሬት ዒላማታት" ከምዘጥቀዐት ኣፍሊጣ

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ክልተ ናይ ትሕቲ-መሬት ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ። ሓላፊ ብርጌድ ሮኬት ሓማስን ብርጌድ ሰሜናዊ ቓዛን ከምዝርከብዎም ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፕረዚደንት ባይደን ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ውሕስነት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ውሕስነት ክትህብ ተማህጺኑ።

    ንሱ ብሰኑይ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣሜሪካ ምስ እስራኤል ክትዘራረብ ምጽንሓን “ምስቲ ሆስፒታል ብዝዛመድ ዝወሓደ ረባሺ ተግባራት ክህሉ” ከምዝትስፎን ዝጽበይን ሓቢሩ።

    ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ “እቲ ሆስፒታል ክሕሎ ይግባእ፡” ኢሉ።

    ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እስራኤል ብኣጋር ኣብ ልዕሊ ሓማስ እትገብሮ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐጸለትሉ ኩነታት ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ከተማ ቓዛ ኲናት በርቲዑ ኣሎ።

    ብዙሓት ሃገራት ረድኤት ኮነ ሰባት ናብ ቓዛ ክኣትውን ክወጹን ምእንቲ ክኽእሉ ንሰብኣዊ ደውታ ተዅሲ ክጽውዓ እንከለዋ ካልኦት ከኣ ምሉእ ምቁራጽ ተዅሲ ይጠልባ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ኣብ ገለ ክፋላት ሰሜናዊ ቓዛ መጥቃዕታ ክትቅጽል እንከላ፡ መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ደውታ ክትገብር ክትጅምር ምዃና ኣሜሪካ ገሊጻ ኔራ።

    ብሰኑይ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ደውታ ተኵሲ ዝግበረለን ምዃኑ ዝገለጸን ሸሞንተ ቦታታት ኣፍሊጡ።

    መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ቓዛ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ናይ ሰኑይ ግና ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ኮይኑ ንኣርባዕተ ሰዓታት ጸኒሑ።

  2. እስራኤል-ሓማስ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

    ኣብ ኲናት እስራኤል-ሓማስ ካብ ዘለው እዋናዊ ምዕባለታት ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

    • ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ከተማ ቓዛ ኣል-ሺፋ፡ "ዳርጋ ናይ መቓብር ቦታ" ምዃኑን ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ሆስፒታል ሬሳታት ይእከቡን ይምሽምሹን ከምዘለዉ ይገልጽ
    • ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ብታንክታት ከምዝተኸበበን ሓደ ምንጪ ኣብ ቓዛ ንዘሎ ሪፖርተርና ሓቢሩ
    • ሰራዊት እስራኤል ንሓማስ ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ 'ማእከል እዚ' ኣለዎ ክብል ብተደጋጋሚ ይኸስስ - ሓማስ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
    • ብፍላይ ጉዳይ ጥዕና ናይቶም ኣብ ዘይእዋኖም ዝተወልዱን ሓደስቲ ኣብ መዓልቶም ዝተወልዱን ህጻናት ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኸም ኢንኩቤተር (ኣብ ዘይመዓልቶም ዝውለዱ ህፃናት ዝጸንሑሉ ሙቐት ወሃቢ ማሽን) ዝኣመሰሉ መሳርሒታት ሕክምና ኣገልግሎት ከይህቡ ይገብር ኣሎ
    • ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኢንኩቤተራት ናብ ቓዛ ንምእታው ኣብ ምውህሃድ ከምዘሎ ይገልጽ፤ ናብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ክበጽሑ እንተኾይኖም ግን ኣየነጸረን።
    • ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምና ዳያሊሲስ ዘድልዮም 45 ሕሙማት ኩሊት ብሰንኪ ሕጽረት ኤለክትሪክ ብግቡእ ክሕከሙ ከምዘይክእሉ ይገልጽ።
    • ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን "እቲ ሆስፒታል ክሕሎ ኣለዎ" ብምባል፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን እስራኤል ይራኸብ ከምዝነበረ ሓቢሩ
  3. ሆስፒታል ቓዛ ምዉታት ክቐብር ኣይከኣለን - ሕቡራት ሃገራት

  4. ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ብኢራን ዝድገፉ መደበራት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ቀፂላ

  5. ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ናብ መቓብር ተቐይሩ - ውድብ ጥዕና ዓለም

    እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ኣል-ሺፋ "ዳርጋ ናብ መቓብር" ከምዝተቐየረ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ። ኣብ ውሽጥን ብደገን ሬሳታት ይእከቡ ከምዘለዉ ድማ ተገሊጹ።

    ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ቅድሚ ግዜኦም ዝተወለዱ ህጻናትን ሕክምና ዳያሊሲስ ዘድልዮም 45 ሕሙማት ኩሊትን ብሰንኪ ሕጽረት ኤለክትሪክ ብግቡእ ክሕከሙ ከምዘይክኣሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

    ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ውግእ ይካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ንኣገልግሎት ሕክምና ከምዝጸለዎ ይግለጽ።

    እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሆስፒታል ማእከል ትእዛዝን ቁጽጽርን ከምዘለዎትኸስስ፤ ሓማስግን ነዚክሲ ይነጽግዎ።

  6. ቱርኪ ኣብ ጥቓ ራፋሕ ግዝያዊ ሆስፒታላት ክትሃንፅ እያ

    ንግዝያዊ ሆስፒታላት ዝኸውን መሳርሒ ዝፀዓነት መርከብ ቱርኪ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ወደብ ግብፂ በፂሓ።

    እታ መርከብ፡ ጀነሬተራት፣ ኣምቡላንሳትን ናውቲ ሕክምናን ከም ዝፀዓነትን፡ ሸሞንተ ግዝያዊ ሆስፒታላት ከም ዝህነፁን ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።

    ኵናት እስራኤል-ጋዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ናብ ግብፂ እንትበፅሕ፡ እዚ ፈላማይ’ዩ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ጋዛ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ’ዩ።

    ካልኦት ማእኸላት ጥዕና እውን ብሰንኪ ምቁራፅ ፀዓት፣ ስእነት ነዳዲ ከምኡ’ውን በቲ ዝቕፅል ዘሎ ውግእ ብምስጋእ ኣገልግሎት ከም ዘቋረፃ እቲ ውድብ ገሊፁ።

    በዓልመዚ ጥዕና ቱርኪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣንካራ ግዝያዊ ሆስፒታላት ክትሃንፅ ካብ ሰብመዚ ግብፂ ፍቓድ ከም ዝረኸበት ሓቢሩ።

    እዞም ሆስፒታላት ካብ ዶብ ራፋሕ 40 ኪሎሜትር ርሕቐት እዩ ክህነፁ።

  7. እስራኤል 44 ወተሃደራታ ከም ዝሞቱ ኣፍሊጣ

    እስራኤል ናብ ጋዛ እግረኛ ሰራዊታ ካብ ተዋፍር ንነዘ ቁፅሪ ዝሞቱ ወተሃደራታ 44 ከም ዝበፅሐ ኣፍሊጣ።

    ሚኒስትር ምክልኻል እስራኤል ብሰኑይ’ውን ካልኦት ክልተ ወተሃደራት ኣብ ሰሜን ጋዛ ከም ዝሞትዎ ገሊፁ።

    ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ምዕራብ ጋዛ ኣብ ጥቓ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣል-ሻቲ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ከም ዝቐፀለሉ ሓቢሩ።

    ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 1200 ሰባት ምቕታሉ ስዒቡ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ።

    ሚኒስትር ጥዕና ጋዛ፡ ዛጊድ ልዕሊ 11 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐተሉን ካብዚኦም 4500 ህፃናት ምኻኖምን ኣፍሊጡ እዩ።

  8. "መጥቃዕቲ ሆስፒታል ጋዛ ብሓማስ ዝተፈጸመ’ዩ "፡ ፕረዚደንት እስራኤል

  9. ኣብ ቓዛ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተቐቲሎም

    ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

    እቲ ትካል ነቶም ንዝተቐተሉ ሰራሕተኛታቱ ንምዝካርን ክብሪ ንምግላፅን ሎሚ መዓልቲ ባንዴርኡ ትሒቱ ከም ዝውልብለብ ሓቢሩ።

    ኤጀንሲ ረድኤት ስደተኛታት ፍልስጤም እቲ ትካል፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቃዕቲ ቦንቧ ካብ ትጅምር ንነዘ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተቐተሉን ገሊፁ።

    ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵናት ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተቐቲሎም ኣይፈልጡን። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣሃዝ ዝለዓለ’ዩ።

    ኣብ ቓዛ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 100 ግዳያት፡ ምስ ስድርኦም እንከለዉ ከም ዝተቐተሉ'ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።

    ካብ መንጐ እዞም ግዳያት፡ መምህራን፣ ሰብሞያ ጥዕና፣ ሓካእም ማህፀን፣ መሃንዲሳት፣ ሰብሞያ ስነ-ልቦናን ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ድጋፍን ይርከብዎም።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዘለውዎ ልዕሊ 150 ማእኸላት፡ ንልዕሊ 750 ሽሕ ህዝቢ የተኣናግድ ኣሎ።

    ካብዞም ማእኸላት እቶም 60 መጥቃዕቲ ተፈፂምዎም እዩ።

  10. ሰራዊት እስራኤል፡ ካብ ሊባኖስ ናብ ግዝኣት እስራኤል ሞርታራት ከምዝተተኮሰ ገሊጹ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (ኣይዲኤፍ) ካብ ወገን ሊባኖስ ክልተ ደብዳባት ሞርታር ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ከባቢታት ጋሊለ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ እቶም ሞርታራት ኣብ ሜዳ ብምዕራፎም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘጋጠመ ጉድኣት የለን።

    ኣይዲኤፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘዘርገሖ ሓበሬታ ሓይልታቱ ትማሊ ለይቲ ኣብ ግዝኣት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ “ዋህዮ ዕጡቕ ግብረ ሽበራዊ” መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ።

    ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣብ ዶባት እስራኤልን ሊባኖስን ዳርጋ መዓልታዊ ጎንጺ ይካየድ ኣሎ። መብዛሕተኦም እቶም ጎንጺታት ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ጉጅለ ሒዝቦላሕ ዝተሳተፈሎም እዮም።

    ብካልእ ዜና እስራኤል ንቓዛ ተቖጻጺራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሓላፊ ትካል ስለያ እስራኤል ሞሳድ ዝነበረ ዳኒ የቶም፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ነዊሕ ክትጸንሕ ከምዘይብላ ገሊጹ።

    ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት “ኩሎም ዝተጨወዩ ሰባት ናብ ኢድና ክሳብ ዝምለሱን ኣንጻር ሓማስ ዝግበር ኲናት ክሳብ እንዕወትን” እስራኤል ካብ ቓዛ ክትለቅቕ ኣይትኽእልን ኢሉ።

    ዓወት ማለት ድማ “ ውድቀት ሓማስ ከም ትካል ከምኡ ድማ ናይ እዚ ሰንሰለቱ ምብትታኽ” ምዃኑ ገሊጹ።

  11. ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ንዝርከቡ ወታሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ደብዲባ

    ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ወታሃደራዊ ማእከላት ኢራን ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

    ኣመሪካ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ትማሊ ምሸት ኣፍሊጣ ዘላ።

    ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን እቶም መጥቃዕቲታት “ኣባላት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራንን (ኣይኣርጂሲ) ደገፍቲ ኢራን ጉጅለታትን” ኣብ ዝርከቡሎም ከባቢታት ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

    ንሱ ኣብ መግለጺኡ “እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ መሰልጠኒ ማእከላት ኣቡ ካማልን ኣብ ጥቓ ከተማ ማየዲን ዝርከብ መዕቆብን እዮም ተኻይዶም" ክብል ሓቢሩ።

    “እቲ ፕረዚደንት ካብ ድሕነት ወታሃደራት ኣመሪካ ንላዕሊ ቀዳምነት ዝህቦ ነገር የለን፤ እቲ ናይ ሎምመዓልቲ ስጉምቲ ድማ ኣመሪካ ንባዕላ፣ ሰራዊታን ድልየታታትን ከምእተኽብር ግልጺ ንምግባር ዝሃቦ ትእዛዝ እዩ” ኢሉ።

    ኣመሪካ ብረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ኢራን ዞባ ማይሱሉን ኣብ ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ደገፍቶምን ከምዝኾነ ኣብ ዝገለጸቶ ከባቢ “ናይ ዓርሰ ምክልኻል መጥቃዕቲ” ከምዝፈጸመት ኣፍሊጣ እያ።

  12. 83 ኣይሁዳውያን ህጻናት ዘድሓነት ደፋር ፈላሲት

  13. ሓሙሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ልምምድ ነፋሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞይቶም

  14. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሽፋ ሰለስተ ነርስታት ተቐቲሎም ኢሉ

    ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ኣል-ሽፋ “ደብዳብን ብዕጥቂ ዝተሰነየ ጎንጽን” ኣብ ዝተጓሃሃረሉ፡ ሰለስተ ነርስታት እቲ ሆስፒታል ከምዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    እቲ ትካል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኦክስጅን መፍረዪ ክፍሊ፣ መጠራቐሚ ማይን ዒላን፣ ማእከል ሕክምና ልብን መዋልዳንን ሓዊሱ ወሰንቲ ክፍልቲታት እቲ ሆስፒታል ጉድኣት በጺሕዎም ኢሉ።

    እስራኤል፡ ቅድም ክብል ሓማስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ መአዘዚ ማእከል ከምዘለዎ ከሲሳ ነይራ፤ ሓማስ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

    ሓላፊ ክፍሊ መጥባሕቲ እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ማርዋን ኣቡ ሰዓዳ፡ ሓማስ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ይንቀሳቐስ እንተኾይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ “ዓብዪ ሕሶት” ክብል መሊሱ።

    “ሲቪላት ኢና። ኣነ ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ዶ/ር እየ። ኣባላት ሰብሞያ ሕክምና ኣለዉና፤ ተሓከምትን ተፈናቐልትን ኣለዉና። ካልእ ምንም ነገር የለን” ኢሉ።

    ካብ ቀረባ መዓልቲታት ጀሚሩ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ከቢድ ውግእ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ እስራኤል ነቲ ሆስፒታል ብቀጥታ ኣጥቂዓ ዝብል ክሲ ይቐርበላ ኣሎ።

    እስራኤል ኣብ ዙርያ እቲ ሆስፒታል ስርሒት ተካይድ ከምዘላ ዝገለጸት ኮይና፡ ነቲ ትካል ኣጥቂዓ ዝብል ክሲ ግን ነጺጋቶ።

  15. ዓብዪ ሆስፒታል ቓዛ ስርሑ ደው ከምዘበለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ "ከም ሆስፒታል ከገልግል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በፂሑ" ክብልገሊጹ።።

    "ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቀጻሊ ተኹሲን ቦምባታትን ነቲ ቐደሙ’ውን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበፅሐ ኩነታት ኣጋዲድዎ" ይብልእቲ ዓለማዊ ትካል።

    ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ብውሕዱ 2300 ሰባት ገና ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ከምዘለዉይሕብር።

  16. ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሰልፊ

    ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ኒው ዮርክ ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ።

    እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጠሊቦም።

    ካብዚ ብተወሳኺ፡ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታየምስ መደባቱ ንእስራኤል ዝወገኑ እዮም ብምባል፡ ኣብ በሪ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚድያ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

  17. ብሰራዊት እስራኤል ዝተኸበበ ሆስፒታል ስራሕ ደው ኣቢሉ

    ብሰንኪ ክባ ሰራዊት እስራኤል ነዳዲ ዝወድአ ሆስፒታል፡ ኣገልግሎት ምሃብ ደው ከም ዘበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።

    ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝኸበብዎ ተገሊፁ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ “ኣብ መውዓይ ክፍሊ ዝነበረ ህፃን ሞይቱ። ካልኦት 45 ዕሸላት’ውን ኣብዚ ሆስፒታል ኣለዉ” ክብል ነቲ ኵነታት ኣረዲኡ።

    ኣባል ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝኾነ ዶክተር መሓመድ ኣቡ፡ ተዅሲ ደው እንተዘይሉ ወይ ረድኤት ሕክምና ክኣቱ እንተ ዘይተገይሩ “ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ ተሓከምቲ ኩሎም ሞይቶም፡ እቲ ሆስፒታል ናብ መቓብር ክቕየር’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

    ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ክፍሊ ህፃናት ይሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ንሕሙማት ገዲፎም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ ድማ ሓቢሩ።

    ከቢድ ሕጽረት ቀረብ ናውቲ ሕክምና ስለ ዘጋጠመ፡ ሕክምናታት መጥባሕቲ ብዘይ መደንዘዚ መድሓኒት ይካየድ ከም ዘሎ ገሊፁ።

  18. ኣብ ለንደን ንፍልስጤም ዝድግፍ ዓብይ ሰልፊ ክካየድ እዩ

    ፖሊስ ለንደን፡ ኣብታ ከተማ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፊ ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሰልፊ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ገዚፍ ሕዛእቲ ‘ሃይድ ፓርክ’ ከም ዝካየድ ተገሊፁ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሹ ሱናክ፡ ንፍልስጤማውያን ድጋፍ ንምሃብ ዝወፅኡ ሰባት፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ሙስሊምን ዘሎ ስግኣትን ሻቕሎትን ከይርስዑ ሓቲቱ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣብ ለንደን ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።

  19. ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ኣውስትራልያ ተጓኒፆም

    ኣብ ኣውስትራሊያ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ሜልበርን፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እስራኤልን ፍልስጤምን ጐንፂ ከም ዝተፈጠረ ተገሊፁ።

    ተሌቬዥን እታ ሃገር ኤቢሲ፡ እቶም ተራፀምቲ ማይ ብዝመልአ ፕላስቲክ ከም ዝተደራበዩን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፀርፊ ከም ዝተፃረፉን ፀብፂቡ።

    ደገፍቲ ክልቲኡ ወገን ዝኾኑ ካብ 400 ዘይውሕዱ ሰባት ናብ ኣደባባይ ከም ዝወፅኡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።

    ነቲ ጐንፂ ስዒቡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ድማ ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ እቲ ጐንፂ ኣብ ሰባት ዝበፅሐ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ግና ዝተብሃለ ነገር የለን።

  20. መራሒ ሕዝቦላህ ሎሚ መደረ ክገብር’ዩ

    መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላሕ፡ ሎሚ መዓልቲ ንደገፍቱ መደረ ከም ዘስምዕ ተገሊፁ።

    መራሒ ናይቲ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ሕዝቦላህ፡ ኵናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝገብሮ መደረ ንካልኣይ ግዘ ይኸውን።

    ሓሰን ነስራላሕ፡ ኣብ ኵናት እስራኤል-ቓዛ ግደ ሕዝቦላህ እንታይ ከም ዝኸውን ከአንፍት ትፅቢት ይግበር።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ “ኩሉ ኣማራፂ ኣብ ጠረጴዛ እዩ” ኢሉ ነይሩ።

    ብዛዕባ እቲ ሊባኖስ ዝመደበሩ ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ ኣብዚ ክተንብቡ ንዕድመኩም።