እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

እስራኤል ኣብ ቓዛ "ናይ ትሕቲ መሬት ዒላማታት" ከምዘጥቀዐት ኣፍሊጣ

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ክልተ ናይ ትሕቲ-መሬት ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ። ሓላፊ ብርጌድ ሮኬት ሓማስን ብርጌድ ሰሜናዊ ቓዛን ከምዝርከብዎም ድማ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ሆስፒታላት ቓዛ ነትጕ

    ኣብ ትካላት ጥዕና ቓዛን ከባቢኡን ነትጕ ከም ዝነበረ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊፆም።

    ብዓርቢ ታንክታት እስራኤል ኣብ ጥቓ ሆስፒታላት ቓዛ፡ ማለት ኣብ ኣል-ሺፋ፣ ኣል-ቁዱስ፣ ኣል-ራንቲሲን ጥቓ ሆስፒታል ኢንዶኖዥያን ተራእየን እየን።

    እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ መሰረት ልምዓት ድፋዕ ከም ዝኾዓተ ትገልፅ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ እቲ ካብ ሆስፒታል ኣል-ናስር ዝሃድሙ ሰባት ከይውቅዑ፡ ፃዕዳ ጨርቂ እንተንበልብሉ ዘርእይ ምስሊ ኣረጋጊፁ እዩ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ ኵናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንነዘ 11,078 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

    ካብዞም ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐተሉ ነበርቲ ቓዛ፡ ዝበዝሑ ህፃናት ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝኾኑ እቲ ሚኒስትሪ ገሊፁ።

  2. ፕረዝደንት ማክሮን፡ እስራኤል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጋዛ ምድብዳብ ደው ክተብል ፀዊዑ

  3. እቲ ኲናት ‘ሓድሽ ወለዶ ጐነጽ’ ይፈጥር ኣሎ - ሕቡራት ሃገራት

    ሓላፊ ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት(UNRWA)እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት “ሓድሽ ወለዶ” ጐነጽ ክፈጥር ከምዝኽእል ብምግላጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

    ፊሊፕ ላዛሪኒ: “ሰብ መዚ እስራኤል መሪጾምዎ ዘለው መገዲ ነቲ እስራኤላውያን ኮነ ፍልስጤማውያን ዝደልይዎን ዝግብኦምን ሰላምን ምርግጋእን ኣየምጽእን እዩ፡” ኢሉ።

    “በንጻሩ፡ ነቲ ዓንኬል ጐነጽ ናይ ምቕጻል ዝንባለ ዘለዎ ሓድሽ ዝቐሓረ ወለዶ ፍልስጤማውያን እዩ ዝፈጥር ዘሎ።”

    ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1,400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ልዕሊ 240 ሰባት ጨውዩ ጅሆ ምሓዙን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ10,800 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

    ላዛሪኒ፡ “እቲ ህልቂት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ”።

  4. ቁጽሪ ብደብዳባት እስራኤል ዝሞቱ ነበርቲ ቓዛ ልዕሊ 11 ሽሕ በጺሑ

    ሰራዊት እስራኤል ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብዘካየዶ ደብዳባት ብውሕዱ 11,078 ሞይቶም ኣለዉ።

    ካብዚኦም እቶም 4,506 ህጻናትን ቆልዑን ክኾኑ እንከለዉ፡ 3000 ድማ ደቂኣንስትዮ ምዃነን ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።

    ካልኦት ልዕሊ 27,000 ሰባት ከምዝቖሰሉ’ውን እቶም ሰብመዚ ጥዕና ጠቒሶም።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ግጭት ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዝበረ ረጽሚታት ክልቲኦም ወገናት ኣስታት 5,400 ሰባት’ዮም ሞይቶም።

    ኣመረካን እስራኤልን ነቲ ብሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ዝወሃብ ሓበሬታ ከምዘይኣምንዎ’ኳ እንተገለጹ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ ግን ቅድሚ ሕጂ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣሃዛት ዝእመን’ዩ።

    ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣስታት 1400 ሰባት ከምዝቐተለን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ይፍለጥ። ኣስታት 240 ዝኾኑ’ውን ጨውዩ ኣብ ቓዛ ጅሆ ሒዝዎም ይርከብ።

    በቲ መጥቃዕቲ ዝተቖጥዐት እስራኤል ብኡንብኡ ሓያል ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ብምሃብ ንቓዛ ክትድብድ ጸኒሓ’ላ።

  5. እዋናዊ ምዕባለታት እስራኤል-ቓዛ, ኣብ ኵነታት እስራኤል-ቓዛ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት

    • እቲ ኣመሪካ እስራኤል ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ቓዛ ከተተግብሮ ክትጅምር እያ ዝበለቶ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ ደውታ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ሰላማውያን ሰባት ንኽወጽኡ ፍቓድ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን መዓስ ክትግበር ምዃኑ ፍሉይ ግዜ ኣይተዋህበን።

    • ፍልስጤማውያን ሎሚ ንግሆ ኣብ ጐደናታት ከተማ ቓዛ፡ ገሊኦም ጻዕዳ ባንዴራታት ሒዞም ንሸነኽ ደቡብ ገጾም ክሃድሙ ተራእዮም።

    • ሆስፒታል ኢንዶነዥያ ኣብ ቓዛ፡ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ሮኬት ከፊል ከምዝተሃርመን፡ ነዳዲ ዳርጋ ስለዝወድአ ሎሚ ዓርቢ ስርሑ ከቋርጽ ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ።

    • ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ብሓሙስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ኢላት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንዘሎ ቤት ትምህርቲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝሃረመ ንዝገለጸ ጕጅለ ሶርያ ኣጥቂዑ።

    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ሃገሩ ምስ ሓማስ እተካይዶ ዘላ ኲናት ምስተዛዘመ ኣብ ንወሽመጥ ቓዛ፡ ክትወርር፡ ክትሕዝ ወይ ከተመሓድር ከምዘይትደሊ ገሊጹ።

    • ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ መጥቃዕቲ ኣየር ካብ እትጅምር ንደሓር ዛጊት 4,412 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 10,812 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

  6. እስራኤል ፍልስጤም - ወጥሪን ዘይምትእምማንን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም

    ድሕሪ’ቲ ብሓማስ ዝተወስደ ፍጻመ 7 ጥቅምቲን ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤልን፡ ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ምዕራባዊ ገማግምን ጐረባብቶም ዓዕራብን ዝነበረ ዝምድና እናሓርፈፈ ይመጽእ ኣሎ።

    ሓደ ኣብ ከባቢ ቤተልሃም ዝርከብ ፍልስጤማዊ ሰብኣይ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ዝሰርሓሉ ቦታ ከይኣቱ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ናብራኡ ከምዝተበላሸወ ይዛረብ።

    "መንገዲ ዓጽዮም ኣለዉ፤ ሕጂ ኣብ ከባቢ ገዛይ ጥራይ እየ ዘወር ዝብል። እዞም መፈተሺ ነቝጣታት ይሓንቍና ኣለዉ" ይብል ኣሕመድ።

    ኣሕመድ በቲ ዝኸውን ዘሎ ጸጥታዊ ጭፍጨፋ ከማርር እንከሎ፡ ከም በዓል ዳኒ ቸስተርማን ዝኣመሰሉ፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ለንደን ሰፈራታት ኤፍራት - እስራኤል ዝገዓዙ ሰባት ግን ሕጕሳት እዮም።

    "ኣብዚ ኣብ ገለ ዓድታት ዓረብ ምስ ዘለዉ ከባቢታት ዘሎ ርክብ ብጽቡቕ ክቕጽል ተስፋ እገብርን እኣምንን" ይብል ኣሕመድ። "እዚ ኰይኑ ግን፡ ስክፍታታት ጸጥታ ክህሉ ምዃኑ ርዱእ'ዩ።"

    ዕጡቓት ሓማስ ብመገዲ እቶም ምስ እስራኤላውያን ዝሰርሑ ዝነበሩ ደቂ-ቓዛ ሓበሬታ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ስለዝእመን፡ ዳኒ፡ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ እስራኤል ብዛዕባ ኣዕራብ ጐረባብቶም ዝነበሮም ኣረኣእያ ብመሰረቱ ቀይርዎ ኣሎ፡ ይብል።

    ምስተን ኣብ ስግር ጐላጕል ዝርከባ ዓድታት ዓረብ፡ ንዝተፈጥረ ዘይምትእምማን ዝተፈላለዩ መበገሲ ምኽንያታት ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ልዕሊ 1400 ፍልስጤማውያን ከም ዝኣሰሩ ይፍለጥ።

    ልክዕ ኣብታ እዚ ዜና ዝተሰርሓሉ መዓልቲ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም 18 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ድማ ልዕሊ 170 ከም ዝበጽሑን ሰበስልጣን ምምሕዳር ፍልስጤም ይገልጹ።

  7. እስራኤል መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ ደውታ ተዅሲ ከተተግብር ምዃና ተገሊጹ

    እስራኤል ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ቓዛ መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ ደውታ ተዅሲ ከተተግብር ክትጅምር ምዃና ኣመሪካ ኣፍሊጣ።

    እቲ ደውታ ተዅሲ ሰላማውያን ሰባት ክሃድሙ ንምፍቃድ ዝዓለመ ኰይኑ ኣብ መዓልቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሕ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    እዚ ዕረፍቲ "ስጕምቲ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት" ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ቓዛ ሰባት ካብቲ ተጻብኦታት ዝሃድሙሎም ክልተ ሰብኣዊ ኮሪደራት ክህልዉ ምዃኖም ሓቢሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ብወገኑ ሃገሩ ምስ ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስተዛዘመ ንወሽመጥ ቓዛ ብሓይሊ ክትጐብጦ፡ ክትቈጻጸሮ ወይ ከተመሓድሮ ከምዘይትደሊ ኣፍሊጡ'ሎ።

  8. እስራኤል ድሕሪ ናይ 10 ሰዓታት ውግእ ጽኑዕ ትሕዝቶ ሓማስ ከምዝተቘጻጸረት ኣፍሊጣ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ወተሃደራቱ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ጃባልያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ነቝጣ ሓማስ ከምዝተቘጻጸሩ ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኤክስ (ነበር ትዊተር) ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ “10 ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ውግእ፡ ግብረ ሽበራውያን ቀቲሎም፣ብዙሕ ኣጽዋር ማሪኾም፣ ናይ ገለርያታት ዘንጊ (ሻፍት) ረኺቦም ከምኡ እውን ኣብ ጥቓ መውዐሊ ህጻናት ናብ ሰፊሕ ውሽጣ ውሽጢ መንገዲ ዝወስድ መእተዊ ረኺቦም” ኢሉ።

    እቲ ሓበሬታ ማዕከን ዜና ፍልስጤም (ዋፋ) ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ጥቓ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ዝርከብ ገዛ ብደብዳብ ከምዘዕነዋን ሰባት ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ መውጽኢ ከምዝሰኣኑን ኣብ ዝጸብጸበትሉ እዋን እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

    ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝቘሰሉ እውን ዋፋ ሓቢራ።

    ቢቢሲ ነቶም ጸብጻባት ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ቅድም ክብል ሓማስ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝነበሮ ቍጽጽር ከምዝተመንዘዐን ወተሃደራቶም ናብ ከተማ ቓዛ ይግስግዙ ከምዘለዉን ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ነይሩ።

    ብኻልእ ዜና ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣጋር ካብ ዝጅምር ንደሓር 130 ዘንጊ ጋለርያታት ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ።

    ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ልዕሊ 200 ሰባት ጨውዩ ጅሆ ምሓዙን፡ እስራኤል ዝጀመረቶ ደብዳብ ቓዛ ቀጺሉ ኣሎ።

    ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ሓደ ወታሃደር ከምዝተቐተሎ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ እስራኤል ስርሒት ኣጋር ካብ እትጅምር ብዝሒ ዝሞቱ ወተሃደራታ 31 በጺሑ ኣሎ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ብግደኡ እስራኤል መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ካብ እትጅምር ብዝሒ ዝተቐተሉ ነበርቲ ቓዛ 10,569 በጺሑ ኢሉ።

  9. እስራኤል: ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ ገለ 'ምልክት ህይወት' ርእየ ኢላ

  10. ሕዝቦላህ ደብዳብ ቓዛ እንተቐጺሉ ዞባዊ ኲናት ክለዓል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

    ካልኣይ ላዕለዋይ በዓልመዚ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሓይሊ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትፍጽሞ ቅትለት ሰላማውያን እንተቐጺሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዞባዊ ኲናት ክለዓል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    እቲ ብ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሊግ ዓረብን ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ እስላማዊ ጕጅለ ሺዓ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝዓበየ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ እዩ።

    በዓል መዚ እቲ ጕጅለ ሸኽ ናይም ቓስም ኣብ በይሩት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት “ኣብቲ ዞባ ከቢድን ሓደገኛን ምዕባለን ከጋጥም ይኽእል እዩ፤ ነቲ መዘዝ ድማ ደው ከብሎ ኣይክእልን” ኢሉ።

    “እቲ ሓደጋ ግሁድ እዩ” ዝብል ሸኽ ናይም “ምኽንያቱ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን እትፍጽሞ ግፍዒ ትቕጽልን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ትቐትልን እያ ዘላ። እዚ ናብቲ ዞባ ግሁድ ሓደጋ ከየምጽአ ዝቕጽልን ዝዓብን ዶ ይመስለኩም? ኣነ ኣይመስለንን” ኢሉ።

    ንሱ ዝዀነ ምጕህሃር ምስ ተግባራት እስራኤል ዝተኣሳሰር ከምዝኸውን እውን ተዛሪቡ።

    “ንዝዀነ ተኽእሎ ምላሽ ኣለዎ።”

  11. እስራኤል ድሕሪ እቲ ኲናት ንቓዛ ክትቈጻጸር ከምዘይብላ ኣመሪካ ኣጠንቂቓ

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ክትቅጽል ከምዘይብላ ኣጠንቂቑ።

    ሓማስ ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ክደግሞ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት ንቓዛ ምቍጽጻር ክቕጽል ከምዘይብሉ እቲ በዓል ስልጣን ኣስሚሩሉ።

    እንተዀነ፡ እስራኤል ዘይኰነትስ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ በዓል መዚ ፍልስጤም ንቓዛ ከመሓድር ኣለዎ ኢሉ።

    እስራኤል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቓዛ ብግዴታ ናይ ምውጻእ፡ ከበባ ወይ ምዕጋት ክትገብር የብላን፡ መሬት ቓዛ እውን ክትመቓቕል የብላን ኢሉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ እስራኤል ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ቓዛ ሓፈሻዊ ሓለፍነት ጸጥታ ክትቈጻጸር እያ ኢሉ ነይሩ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መገለጺኡ ኣየብርሀን፤ እንተዀነ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ንቓዛ ዳግማይ ክትሕዛ ወይ "ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ክትጸንሕ" ድሌት ከምዘይብላ ገሊጹ።

    እስራኤል ንሓማስ ከጥፍእ እየ ብምባል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘይሕለል መጥቃዕቲ ነፈርቲ ካብ እትፍጽም ወርሒ ኣቝጺራ ኣላ።

    ኣብታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ከበባ ዘእተወታ ቓዛ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ማይን ነዳድን ቈሪጻ፡ ኣጋር ሰራዊት ብምውፋር ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ በዚ መጥቃዕትታት ልዕሊ 10,500 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ህጻናት ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቓዛ ናብ መቓብር ህጻናት ትቕየር ከምዘላ ብምግላጽ፡ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብምጥቃስ፡ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ጸዊዑ።

    ኣብቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 240 ሰባት ድማ ጅሆ ከምዝተትሓዙ ይንገር።

  12. ድሮን ኣመሪካ ብኢራን ብዝድገፉ ዕጡቓት የመን ተሃሪማ ወዲቓ

  13. እስራኤል-ሓማስ፡ ንስፖርታውያን ኣብነት ዝዀነ ግብረመልሲ መሓመድ ሳላሕ

  14. ቀንዲ እዋናዊ ምዕባለታት ኩነታት ግጭት እስራኤልን-ሓማስን

    • ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ሰራዊት እስራኤል ብዝኸፈተሎም መሕለፊ ንደቡባዊ ክፋል እታ ወሽመጥ ክሃድሙ ውዒሎም። እቲ መሕለፊ ንሓሙሻይ መዓልቲ’ዩ ተኸፊቱ ውዒሉ።
    • ቁጽሪ ናይቶም ሎሚ ካብ ሰሜን ንደቡብ ቓዛ ዝገዓዙ ሰባት ክንደይ ምዃኑ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ትማሊ ግን በቲ ጸቢብ መሕለፊ 15 ሽሕ ምውጽኦም ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። እስራኤል ነበርቲ ካብቲ ድሮ ሰራዊታ ቀሪብዎ ዘሎ ሰሜን ቓዛ ናብ ደቡብ ክግዕዙ’ያ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ።
    • ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከምዝበሎ፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ልዕሊ 10500 ዝበጽሑ ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐትኡ ደብዳባት ኣብቲ ተዛማዲ ውሕስነት ኣለዎ ዝብሃል ደቡብ እታ ዞባ ዝሞቱ እዮም።
    • ፍርቆም ኣመሪካውያን ምዃኖም ዝተገልጹ 12 ግዳያት ጅሆ ሓማስ ንምውጸእ ልዝባት ይካየዱ ከምዘለዉ ሓደ ምስቲ ኩነታት ርክብ ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሓማስ ነቶም ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝሓዞም ሰባት ንክፈትሖም ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር’ዩ ዝጠልብ።
    • ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ከምዝበሎ፡ ቁጽሪ ብደብዳብ ዝሞቱ ሲቪላውያን ስርሒታት ሰራዊት እስራኤል “ጸገም ከምዘለዎ ዘነጽር’ዩ” ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ። ነቐፌታ ጉተረዝ ባህ ዘይበላ እስራኤል እቲ ዋና ጸሓፊ ካብ መዝነቱ ክወርድ ምጽውዓ ይዝከር። ሰብመዚ እስራኤል ሰራዊቶም ሞት ሲቪላውያን ንምውጋድ ዝከኣሎ ከምዝገብር’ዮም ዝምጉቱ።
    • ቁጽሪ ብደብዳባት እስራኤል ዝተቐትሉ ነበርቲ ቓዛ 10,569 ከምዝበጽሐን፡ ካብኦም 4,324 ቆልዑ ምዃኖም ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም።
  15. ፍልስጤማውያን ንደቡብ ይጓዓዙ ምህላዎም ስእልታት ሳተላይት የርእዩ

    ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ንደቡብ ገጾም ምግዓዝ ቀጺሎም ኣለው።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ እቶም ተጓዓዝቲ ዝጥቀሙሉ ጽርጊያ ሳላሕ ኣል-ዲን ኣብ መዓልቲ ንዝተወሰነ ሰዓታት (10፡00 - 14፡00) ውሑስ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ እቲ ሰዓታት ሎሚ ብሓደ ሰዓት ተናዊሑ ኣሎ።

    ቢቢሲ ቬሪፋይ፡ እቲ ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ካብ ዋዲ ቓዛ ንሰሜን ከባቢ 3 ኪሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ስፍራ ዝተወስደ ምዃኑ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

    ኣብቲ ቪድዮ፡ ሲቪላውያን በቲ ጽርጊያ ንደቡብ ክጓዓዙ ይረኣዩ።

    ካብ ሳተላይት ኣብ ዝተረኽቡ ስእልታት'ውን ሰባት በቲ ጽርጊያ ብእግሪ ክጓዓዙ የርእዩ።

    ብዘይካ'ዚ እቲ ስእሊ፡ ኣብቲ ጽርጊያ ዝበጽሐ ጉድኣት፡ ፍርስራስ ህንጻታትን ሓንቲ ታንኪ እስራኤልን የርኢ።

    ኣብ ካልእ፡ ካብ ዋዲ ቓዛ ንሰሜን ኣስታት 1ኪሜ ዝተወስደ ስእሊ ከኣ ብዙሓት ሲቪላውያን ናብቲ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል 'ውሑስ' ዝብሎ ንደቡብ ቓዛ ብእግሪ ክጓዓዙ የርኢ።

  16. ሃገራት ጉጅለ-7 ረድኤት ናባ ቓዛ ክኣቱ ተኵሲ ደው ክብል ጸዊዖም

    ኣብ ቶክዮ፡ ጃፓን ዝተኣከቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ-7፡ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ንምእታው ተኵሲ ደው ክብልን መሕለፊ መገዲ ክዳሎን ጸዊዖም።

    ብሪጣንያን ኣሜሪካ ዝርከብኦ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ቓዛ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምግታእ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ" ከምዘድሊ ሓቢሩ።

    "ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲን ህጹጽ ሓገዝ ንምብጻሕ፡ ንምንቅስቓስ ሲቪላውያንን ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሰባትን ዘገልግል መስመራት ክኽፈትን ንድግፍ።"

    እንተኾነ ግና እቲ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ምቍራጽ ተዅሲ ክግብር ኣይጸውዐን። ንሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ምቍራጽ ተዅሲ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ዝጸንሕ ክኸውን እንከሎ፡ ምቍራጽ ተዅሲ ዝነውሐን ኣካል ፖለቲካዊ መስርሕን እዩ።

    መግለጺ ኣብ ጃፓን ዝተኣከቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ "ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ እስራኤል ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል" ከምዘለዋ'ውን ሓቢሩ።

  17. እስራኤል ወተሃደራታ ኣብ ‘ሕምብርቲ ከተማ ቓዛ’ ምብጽሖም ገሊጻ

    ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ወተሃደራት እስራኤል “ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ቓዛ” እዮም ዘለው ኢሉ።

    እቲ ሚኒስተር ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ብሰሜንን ብደቡብን እዮም መጺኦም። ሓይልታት ምድሪ፡ ኣየርን ባሕርን ተዋሃሂዶም'ዮም ብሃንደበት ጐቢጦምዋ፡” ምባሉ ማእከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    “ብወተሃደራዊ መሃንድሳት ተሰንዮም ብኹሉ ሸነኽ፡ ብእግሪ፡ ብድሩዓት መካይንን ብታንክታትን ብጥንቃቐ ይንቀሳቐሱ ኣለው። ዕላምኦም - ኣሸበርቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ፡ ትሕተ ቅርጾም፡ ኣዘዝቶም፡ መኽዘናትን መራኸቢ ክፍልታትን እዩ፡” ኢሉ።

  18. ዕንቋዕ ብደሓን መጻኹም

    ኣብ ግጭት እስራኤል-ሓማስ ናብ እነቕርቦ ቀጥታዊ ሸፈነ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ዝነበረ ምዕባለታት ክንነግረኩም፡

    • ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ንከተማ ቓዛ የካብቡን "ኣብ ውሽጢ" ቓዛ ይንቀሳቐሱን ምህላዎም ሓቢሩ
    • ኣሜሪካ፡ እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ሰራዊት እስራኤል ዳግማይ ንቓዛ ምቍጽጻሩ ከምትቃወም ኣፍሊጣ
    • ኣፈኛ ሃገራዊ ድሕነት ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እስራኤልን ኣሜሪካን መሓዙት እኳ እንተኾና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ክሰማምዓ የብለንን ኢሉ
    • ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ እቲ ኲናት ምስተዛዘመ እስራኤል ንሓፈሻዊ ጸጥታ ቓዛ ክትቈጻጸሮ እያ ዝበሎ ከብርህ ከሎ፡ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ከባቢ ከምዝኸውን ንምርግጋጽ ዝበሎ ምዃኑ ሓቢሩ
    • እስራኤል ነቲ ከባቢ ዳግማይ ክትቈጻጸሮ ከምዘይኮነት እውን ገሊጹ
    • ኣሜሪካ፡ ልዕሊ 400 ዜጋታታ ብመስመር ራፋ ካብ ቓዛ ናብ ግብጺ ከምዝሰገሩ ገሊጻ
    • ኣብ ቓዛ 4,100 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 10,300 ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻባት እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ የርኢ

    ቀጻሊ ምዕባለታት ኣብ እዋኑ ንምርካብ ነዚ ቀጥታዊ ሸፈነ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

  19. ኣብ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብዋይት ሃውስ ንዝቐረበላ ዕድመ ዝነጸገት ገጣሚት

  20. ሆስፒታላት ቓዛ ካብ ስራሕ ወጻኢ ይኾና ኣለዋ- ውድብ ጥዕና ዓለም

    ብሰንኪ ደብዳብ እስራኤል ሆስፒታላት ቓዛ ይዕጸዋ ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

    ዳይረክተር እቲ ውድብ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝበሎ፡ ካብተን ኣብታ ዞባ ዘለዋ 35፡ እተን 15 ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ኣለዋ።

    ዶ/ር ኣሕመድ ኣል-ማንድሃሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እተን ትካላት ጥዕና ብሰንኪ “ቀጥታዊ ደብዳብ” ከምኡ’ውን “ስእነት ነዳዲን” እየን ዓዲ-ውዒል ክኾና ተገዲደን።

    “እተን ዝተረፋ ሆስፒታላት’ውን. . .ብኸፊል’የን ዝሰርሓ ዘለዋ” ዝበለ እቲ ብዓልመዚ ውድብ ጥዕና ዓለም “ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ ብዙሓት ካብአን ኣገልግሎታት ምሃብ ደው ኣቢለን ኣለዋ” ክብል ተዛሪቡ