እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሩስያ ናብ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ኣትዮም
ሰብ መዚ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ክሃርኪቭ መካይን ሩስያ ንመከላኸሊ ሓጹር ጥሒሰን ከም ዝኣተዋ ተዛሪቦም። ሓይልታት ሩሲያ ንቑልፊ ከተማ ካርኪቭ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ዘለው ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ሩሲያ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ የርእዩ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ወጥሪ ዩክሬይን: ጎንጺ ዩክሬይን ጠጠው ዘብሉ ሓሙሽተ መገዲታት
ሩሲያ ንዩክሬይን ብምውራራ ብኣሽሓት ክሞቱ ካልኦት ብዙሓት ድማ ክስደዱ ይኽእሉ'ዮም።
እዚ ዘስዕቦ ቁጠባውን ሰብኣዊን ክሳራ ክኣ ከቢድን ኣዕናውን እዩ።
ሩሲያ ኣብ ከባቢ ከባቢ ዩክሬይን ወተሃዳራት ክተጸግዕ እንከላ ሃገራት ምዕራብ ድማ እዞም ወተሃደራት እግሮም ሓደ ስጉሚ ናብቲ ዶብ እንተልዒሎም ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር እዩ እናበላ ከጠንቅቓ ጸኒሐን እየን።
ስለዚ ካብዚ ኣውጺኡ ሰላማውን ዘላቕን መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ኣሎ ድዩ? ዲፕሎማሰኛታት ኩሎም ወገናት ካብ ናይ ኲናት መገዲ ክወጽኡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ናይ መዋጽኦ ኣማራጺ'ዮም ዘቕርቡ።
ተንታኒ ዲፕሎማሲ ጄምስ ላንዳል ግን እቲ ሕጂ ዝስግኣት ዘሎ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ንምህዳእ ዘኽእሉ ካልኦት ኣማራጺታት ኣለው ይብል።
ሩሲያ ኲናት ድሕሪ ምእዋጃ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ
ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክቴይን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዳ ዋጋ ነዳዲ ብልዑል መጠን ወሲኹ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር ኮይኑ።
እቲ ጎንጽን ወጥርን እንተቀጺሉ ድማ ዋጋ ነዳዲ ልዕሊኡ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት።
ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ከይትፍጽም ካብ ዝስግኣሉ ግዜ ኣትሒዙ መዓልታዊ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ ዋጋ ወርቂ'ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተራእየ ንላዕሊ ወሲኹ።
ካብ ስዑዲ ዓረብ ቐጺላ ኣብ ዓለም ነዳዲ ዘይቲ ብምፍራይ ካልኣይቲ ዝኾነት ሩሲያ ኣንጻር ዩክሬይን ብዝኸፈተቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሃገራት ምዕራብ ተቓወምአን ይገልጻ ኣለዋ።
ሃገራት ኣውሮጳ ንስጉምቲ ሩስያ ኮኒነን
ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ኮኒነን፡፡
ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ዝተዘራረበ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ጀርመን ኣብ ጎኒ ዩክረይን ደው ምባሉ ከምዘረጋገጸሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጀርመን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት ግቡእ ከምይኮነ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ቁጠባ ጀመርን ሮበርት ሃቤክ እውን ‘‘ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጠሓሰ’’ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ በቲ ‘‘ዘይምኽንያታዊ’’ ክብል ዝገለጾ ኲናት ‘‘ከምዝሰንበደ’’ ዝሓበረ ኮይኑ ብሪጣንያ ወሳናይ ምላሽ ከምእትህብ ተዛሪቡ፡፡
ተግባር ሩስያ ግቡእ ምኽንያት ዘለዎ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ማርያ ድራጊ ብተመሳሳሊ ‘‘ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንምሃብ ምስ ኔቶን ኣውሮጳውያን መሓዙትናን ንሰርሕ ኣለና’’ ኢሉ፡፡
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ፖላንድ ድማ ምብራቓዊ ክንፊ ኔቶ ዘጠናኽር ውሳነ ክወሃብ ትጽቢት ከምዝገብር ሓቢሩ፡፡
ሰራዊት ዩክሬን፡ ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ኣውዲቝ
ሓይልታት ሰራዊት ዩክሬን፡ ሓሙሽተ ነፈርቲ ኲናትን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ሃሪሞም ከም ዘውደቝ ገሊጾም።
ኣፈኛ ሓይልታት ዩክሬን፡ “ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ዩክሬን እምነት ይሃልኹም፣ ተረጋግኡ፡” ክብል ንህዝቢ መግለጺ ሂቡ’ሎ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ንምውዳቕ እተን ነፈርቲ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ሓበሬታ ነጺግዎ’ሎ።
ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኬይቭ ኣብዚ ሰዓት እንታይ ትመስል?
ቅድሚ ክልተ ሰዓት ፕረዚደንት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወተሃደራዊ ስርሒት ክውሰድ ኣዚዙ።
ስዒቡ ናብታ ከተማ ሚሳይላትን ከበድቲ ብረትን ክትኮስ ስለ ዝጀመረ ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ክሃድሙ ጀሚሮም።
ገሊኦም ናብ መደብር ባቡር ክኸዱ እንከለው ገሊኦም ድማ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ይጓየዩ ኣለው።
ብዙሓት መካይን'ውን ካብታ ከተማ ክወጽኣ ይፍትና ኣለዋ።
ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ከፊታ
ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮላድሚር ዜለንስኪ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተት ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ መጥቃዕቲ ሚሳይል ተፈጺሙ ከም ዝበለ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሩሲያ ትሕተ ቕርጽን ናይ ዶብ ሓለዋታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕታት ከም ዝኸፈተት እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ ሰራዊቱ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ እቶም ዒላማታት ከተማታት ዘይኮኑ ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጺ፣ ትካላት ሓይሊ ኣየርን ናይ ኣየር መከላኸልን እዮም ኢሉ።
ነበርቲ ከተማ ኪይቭ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ጀሚሮም
ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣበ ልዕሊ ዩክሬን ወተሃደራዊ ስርሒት ክውሰድ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ዘለው ሒደት ደቓይቕ ናብ ዩክሬይን ከቢድ ብረትን ሚሳይልን ከም ዝተተኮሰ ጸብጻባት ሓቢሮም።
በዚ ምኽንያት ነበርቲ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ብህጹጽ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከም ዝተርኣዩን መካይን ተጨናኒቐን ከም ዘለዋን ይግለጽ።
ኣብታ ከተማ ስንባደ ተፈጢሩ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብ መጥቃዕቲ ቦንባ ንምድሓን ናብ ዝሕብኡሎም ትሕቲ መሬት ክኣትው ከም ዝተራእዩን መሰኻኽር ዓይኒ ብማሕበራዊ ሚዲያ ይገልጹ ኣለው።
ብቴሌቪዥን ዝተመሓላለፉ ምስሊታት ድማ በዙሓት ሰባት ኣብ ጎደናታት ኮይኖም ክጽልዩ የርእዩ።
ኣብታ ከተማ ዝርከብ ጋዜጠኛ ጋርዲያን ሉክ ሃርዲንግ ኣብ ጎደናታት ውሑዳት ሰባት ከም ዘለውን ብዙሓት ገንዘብ ከውጽኡ ሰልፊ ሒዞም ከም ዝርኣዩን ብትዊተር ሓቢሩ።
ሰራዊት ሩስያ ናብ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ኣትዮም