ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ
ኔቶ ድሕነት ኣባል ሃገራቱ ከረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ እቲ ወተሃደራዊ
ኪዳን የንስ ስቶለተንበርግ ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ንኣባል ሃገራቱ ምክልኻል እዩ ኢሉ።
እቲ ዋና ኣካያዲ
ስራሕ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝግበር መጥቃዕቲ ኣብ ኩለን ኣባላት ከምእተገበረ
መጥቃዕቲ እዩ ዝውሰድ” ኢሉ።
ኔቶ፡ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣
ፈረንሳ፣ ጀርመን ቱርክን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከብወን ብሓፈሻ 30 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ወተሃደራዊ ኪዳን እዩ።
ዩክረይን ኣባል ኔቶ
ኣይኮነትን። እንተኾነ ግና ዩክረይን ናብ ኔቶ ናይ ምጽንባር ድልየት ከምዘለዋ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ገሊጹ ነይሩ።
ሞስኮ፡ ዩክረይን
ብዝኾነ መገዲ ናይ ኔቶ ኣባል ክትኸውን የብላን ብምባል ክትቃወም ጸኒሓ ኣላ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ
ዩክረይን ኲናት ምውልዓ ኣብ ልዕሊ ዝተረፉ ኣባል ሃገራት ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃኑ ኔቶ ይገልጽ።
ምስ ሩስያ ዝዋሰና
ላቲቭያን ኤስቶንያን ኣባላት ኔቶ እየን።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ
ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ ክንዲ ሓይሊ ዲፕሎማሲ ክትመርጽ ኣለዋ ኢሉ።