እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ሩስያ ናብ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ኣትዮም
ሰብ መዚ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ክሃርኪቭ መካይን ሩስያ ንመከላኸሊ ሓጹር ጥሒሰን ከም ዝኣተዋ ተዛሪቦም። ሓይልታት ሩሲያ ንቑልፊ ከተማ ካርኪቭ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ዘለው ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ሩሲያ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ የርእዩ።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ሰራዊት ሩስያ ናብ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ኣትዮም
ሓይልታት ሩሲያ ናብታ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ካርኪቭ ከም ዝኣተው ሰብ መዚ ተዛሪቦም።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካርኪቭ ኦሌግ ሲኑጉቦቭ ቀለልቲ ወተሃደራዊ መካይን ናብታ “ከተማ ኣትዮም” ኢሉ።
ቅድሚኡ ገለ መካይን ወተሃደራት ሩሲያ ብጎደናታት ከተማ ሰሜናዊ ምብራቕ ክንቀሳቐሳ ዘርእዩ ምስልታት ተራእዮም ነይሮም።
እቲ ኣመሓዳሪ ወተሃደራት ሩሲያ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ከም ዘለው ብምግላጽ ነበርቲ ካብታ ከተማ ከይወጽኡ ኣተሓሳሲቡ።
“ካብ መዕቖቢኹም ኣይትውጽኡ። ሰራዊት ዩክሬይን ንጸላኢ ይኣልዮ’ዩ ዘሎ። ሲቪላውያን ናብ ጎደና ከይትወጽኡ ንሓትት” ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ኣጠቓቕማ ፌስቡክ እገዳ ኣንቢራ
ፈረንሳ ናይ ጽዕነት መርከብ ሩስያ ሒዛ
ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብመትረብ እንግሊዝ ትሓልፍን ናብ ሩስያዊት ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ተምርሕን ንዝነበረትን ናይ ሩስያ ናይ ጽዕነት መርከብ ከም ዝሓዘ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሰብ መዚ ፈረንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እታ መርከብ ብመሰረት ሓድሽ እገዳ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምዝተትሓዘትን ናብ ወደብ ቦሎኝ-ሱር-መር ከምእተወሰደትን ሓቢሮም።
ሓደ ፈረንሳዊ በዓል ስልጣን “127 ሜተር ንውሓት ዘለዋ ‘ባልቲክ ሊደር’ ዝተሰመየት መካይን እትጽዕን ናይ ሩስያ ናይ ጽዕነት መርከብ ሎሚ ለይቲ ብሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ተዓጊታ ናብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ወደብ ቦሎኝ-ሱር-መር ተወሲዳ ኣላ” ኢሉ።
“እታ መርከብ ብሓደ ካብቶም ብኣውሮጳዊ ሕብረት እገዳ ዝተገበረሎም ኩባንያታት ከምእትውነን ስለዝተጠርጠረ መንግስቲ ፈረንሳ ብዝገበሮ ጠለብ እዩ ናብቲ ወደብ ተወሲዳ። ሓይልታት ዶብ ፈረንሳ ነታ መርከብ ይምርምሩ ኣለው። ሰራሕተኛታት መርከብ ‘ባልቲክ ሊደር’ እውን ምስ ሰብ መዚ ፈረንሳ ይተሓባበሩ ኣለው” ኢሉ።
ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ምትሓዝ እታ መርከብ ካብ ሰብ መዚ ፈረንሳ መብርሂ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ማእከን ዜና ሩስያ ሪያ ጸብጺቡ።
ዓልም ንነዳዲ ሩስያ ምጥቃም ክተወግድ ኪዪቭ ጸዊዓ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዓለም ካብ ሩስያ ነዳዲ ምዕዳግ ክተቋርጽ ጸዊዑ።
ዲሚትሮ ኩሌባ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጻውዒት “ዓለም ንሩስያ ምሉእ ብምሉእ ክትንጽላ፣ ኣምሳደራታ ክተባርር፣ ናይ ነዳዲ እገዳ ክትገብረለን ቁጠብኣ ክተዕኑን እጠልብ። ንሩስያውያን ገበነኛታት ኲናት ደው ኣብልዎም!” ኢሉ።
ሃገራት ምዕራብ ዛጊት ዘንበርኦ እገዳታት ንጽላት ጸዓት ሩስያ ዕላማ ዝገብር ኣይኮነን።
ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እገዳ ኣንቢሮም
ኣብ መስመር ኪዪቭ ዝተቓጸለ ጸረ ነፈርቲ ዩክረይን
እዚ ካብ መሬት ናብ ኣየር ሚሳይላት ዝውንጭፍ መሳርሒ ምስቲ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዞባ ዶንባስ ዝለኣኸቶ ዝመሳሰል ኮይኑ ትማሊ ምሸት እዩ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ተቓጺሉ።
ምስ’ቲ ብሩስያ ዝፈርይ ንነፈርቲ፣ ክሩዝ ሚሳይልን ድሮናትን ናይ ምውዳቕ ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ማእከላይ ርሕቐት ሚሳይል ‘ባክ’ ዝመሳሰል ከኣ እዩ።
እቲ መሳርሒ ኣብ ኪዪቭ ንዘሎ ምክልኻል ንምድራዕ እናተመለሰ እንከሎ ተወቒዑ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
መራሒ ዩክሬን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ መን'ዩ?
ኣብ ኪየቭ 35 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ
ብሰንኪ እቲ ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ዝተኻየደ ኵናት፡ 35 ሰባት ከምዝቖሰሉ ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ቪታሊ ኪሊስችኮ ገሊጹ።
ካብቶም ግዳያት እቶም ክልተ ቆልዑ ከምዝኾኑ ጠቒሱ። እንተኾነ እቶም ዝቖሰሉ ሰባት ሰለማውያን ድዮም ኣይኮኑን ኣየነጸረን።
እቲ ከንቲባ ኣስዒቡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ኪየቭ ዳርጋ የለዉን ድሕሪ ምባል ኣለምቲ ሽርሒ ሩስያ ከምዘለዉ ግን ኣይከሓደን።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኪዪቭ ብሚሳይል ናይ ዝተወቕዐ ህንጻ ስእሊ
ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ዙሊያኒ ኪዪቭ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ኣባይቲ ሎሚ ንጉሆ ብሚሳይል ዝተወቕዐ ኮይኑ ናይቲ ዝተወቕዐ ህንጻ ስእልታት በጺሑና’ሎ።
እቲ ስእልታት ብውሑዱ ሓሙሽተ ደብርታት ናይቲ ህንጻ ብኸቢድ ከምዝዓነወ የርእይ።
ሰብ መዚ ዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝቖሰሉ ሰባት ቁጽሪ "ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን" ንነበርቲ እቲ ህንጻ ናይ ምግዓዝ ስራሕ ይሳለጥ ምህላውን ሓቢሮም።
ሓይልታት ሩስያ ኣዝያ ኣገዳሲት ከተማ ተቖጻጺሮም
ወተሃደራት ሩስያ ስትራጂካዊት ከተማ መሊቶፖል ከምዝተቖጻጸሩ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ኣረጋጊጹ።
ሮይተርስ ከምዝሓበሮ እንተኾይኑ ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ጀሚራ እታ ዝተቖጻጸርዋ ከተማ ፈለማይቲ ኣገዳሲት ቦታ ከምዝኾነት ተፈሊጡ።
መሊቶፖል ኣብ ማእከላይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ኮይና ኣብ ዞባ ደቡብ ዩክረይን ጥቓ ወደባዊት ከተማ ማርዩፖል እተደኮነት እያ።
ኣብታ ከተማ ኣስታት 150 ሽሕ ዩክረናውያን ከምዝቕመጡ ተገሊጹ።
ፈረንሳ ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ኵናት ትልእኽ ከምዘላ ተገሊጹ
ፈረንሳ ናብ ዩክረይን ዝለኣኸቶ መሳርሒ ኵናት ኣብ መገዲ ከምዝርከብ ተፈሊጡ። ምዕራባውያን ሃገራት ከኣ ነቶም ኣንጻር ወተሃደራት ሩስያ ዝዋግኡ ዘለዉ ዩክረይናውያን ሓገዛት የቕርባ ኣለዋ።
ፕረዚደንት ዘለንሰኪ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሎሚ ቀዳም ንጉሆ ከምዝተዘራረበ ክገልጽ እንከሎ ኣብ ወግዓዊ ትዊተር ገጹ “ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውደ ኲናት ሓድሽ መዓልቲ ተጀሚሩ” ክብል ጽሒፉ።
እቲ ፕረዚደንት “ኪዳን ኣንጻር ኵናት ክሰርሕ ጀሚሩ’ሎ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝጠቅዖ ቪድዮ “እቲ ኵናት ከብቅዕ’ዩ፣ ነዚ ድማ ኩላትና ክንዳሎ ኣሎና” ኢሉ።
ናብ ሩስያ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ምብራቕ ዩክረይን ዘጋጠመና ‘ኣይ ከም ትጽቢትናን’ ይብሉ
ፕረዚደንት ዩክረይን ‘ክነውጽአካ’ ንዝብል ሕቶ ኣመሪካ ውድቂ ገይርዎ፡ ጸብጻባት
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንሰኪ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ዩክረይን ክነውጽአካ ኢሉ ንዘቕረበሉ ሕቶ ውድቂ ከምዝገበሮ ተሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት “እቲ ውግእ ኣብዚ እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ኣነ ተተኳሲ እምበር ዝሕንግረኒ ኣይደልን” ኢሉ ከምዝመለሰ ኣሶሽየትድ ፕረስ ንሓደ ላዕለዋይ ናይ ድሕነት ሓላፊ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ዋሽንግተን ፖስት’ውን መንግስቲ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ዘለንሰኪ ንምሕጋዝ ቅሩብ ከምዝኾነ ንሰበ ስልጣን ኣመሪካን ዩክረይንን ጠቒሱ ጸብጺቡ’ሎ።
ዘለንሰኪ ንወራር ሩስያ ብዝሃቦ ግብረ መልሲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክሙገስ ቀንዩ። እቲ በዓል ሞያ ኮሜድን ተዋሳኣይን ዝኾነ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መደረ “ክተጥቅዑና እንተለኹም ገጽና እምበር ዝባንና ኣይኮንኩሙን ክተርእዩ” ኢሉ ተሓንዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ኪየቭ ወጺኡ እዩ ዝብል ወረ ሓሶት ከምዝኾነ ንምርኣይ ትማሊ ናይ ባዕሉ ቪድዮ ስኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑ።
“ኩላትና ኣብዚ ኣሎና” ዝበለ ፕረዚደንት ዘለንሰኪ “ብኸምዚ እዩ ክቕጽል” ድማ ኢሉ።
ዩክረይን ዛጊድ 3,500 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ
ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ብዛዕባ ኣብ ሰራዊት ሩስያ በጺሑ ዝበሎ ክሳራ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ከምዝሓበሮ ኣብ ወራር ዩክረይን ካብ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ሩስያ እቶም ኣስታት 3,500 ከምዝተቐተሉን ክልተ ምኢቲ ድማ ከምዝተማረኹን ሓቢሩ።
ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ሩስያ ብሰንኪ እቲ ሳልሳይ መዓልቱ ዝሓዘ ኵናት 14 ነፈርቲ ውግእ፣ 8 ሄሊኮፕተርን 102 ታንክታትን ከምዝስኣነት ኣፍሊጡ። ቢቢሲ እቶም በቲ ትካል ዝተገለጹ ክሳራታት ብናይ ባዕሉ መገዲ ከጻርዮም ኣይከኣለን።
ሩስያ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ በጺሕዋ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ክሳራ ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።
ወራር ሩስያ ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ፤ ህልው ምዕባለታት እንታይ ይመስል?
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ከቢድ ውግእን ሓያሎ ድምጺ ነትጕታትን ክስማዕ ሓዲሩ’ሎ።
ብዛዕባ እቲ በብደቒቕኡ ዝምዕብል ዘሎ ኵናት ዩክረይን ክሳብ ሕጂ ክትፈልጥዎ ዝግብኣኩም ሓበሬታ እነሆ።
- ወተሃደራት ዩክረይን ብሰራዊት ሩስያ ዝተወሰደሎም መጥቃዕቲ ንምምካት ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖም። ሓንቲ ኣሃዱ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ከተማ ኪየቭ ንወተሃደራት ሩስያ ከምዝመለሰት ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ብፌስቡክ ገሊጹ።
- ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጠቅዖ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ሓደ ክፋል ከተማ ኪየቭ ከምዝቐጸለ ኣፍሊጡ። እቲ ኵናት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ይካየድ ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ሓበሬታ ዝወጽአ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንሰኪ ከተማ ኪየቭ ብወተሃደራት ሩስያ ክተዕለቕልቕ ትኽእል እያ ዝብል መጠንቅቕታ ምስ ሃበ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት እዩ።
- 'ኪየቭ ኢንድፐንደንት' ኣብታ ከተማ ዛጊድ ልዕሊ 50 ነትጉታት ከቢድ ብረት ከምዝተሰምዐ ኣፍሊጡ።
- እንተኾነ ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ድሕነትን ቤት ምኽሪ ምክልኻልን ዩክረይን ኦሌክሲ ዳኒሎቭ ኩነታት ከተማ ኪየቭ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ትሕቲ “ቁጽጽር” ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ከምእትርከብ ገሊጹ። ንሱ ኣስዒቡ ንወራር ሩስያ ብዝኸኣልናዮ ኩሉ ደው ክነብሎ ጻዕርታት ንገብር ኣሎና ኢሉ።
- መንግስቲ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ባይቶ እታ ሃገር ዩክረይን ንምሕጋዝ ዝውዕል 6.4 ቢልዮን ዶላር ባጀት ከጽድቐሉ ሓቲቱ።
- ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዩክረይናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ከምዝኽእሉ ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ግምቶም ኣቐሚጦም።
መናበዪ ዘኽታማት ብደብዳብ ሚሳይል ሩስያ ከምእተሃረመ ሰብ መዚ ዩክረይን ገሊጾም
ካብ ኪዪቭ ኣስታት 40 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቬርዞል ዝርከብ ሓደ መናበዪ ዘኽታማት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሩስያ ከምእተሃረመ ኣኽባር ሕጊ ዩክረይን ገሊጻ።
ኢርይና ቨነዲክቶቫ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ስብርባር ሚሳይል ሩስያ፡ ነቲ 50 ቆልዑ ዘዕቖበ መናበዪ ዘኽታማት ከምዝወቕዐ ሓቢራ።
ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ዝገለጸት እታ ኣኽባር ሕጊ፡ “ናብ ካልእ ስፍራ ንምግዓዞም ይስራሕ ኣሎ” ኢላ።
ብተወሳኺ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊት ግዝኣት ሱሚ ከተማ ኦክቲርካ ብዘካየደቶ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ከምዝቖሰሉ ሰብመዚ ዩክረይን ኣፍሊጦም።
ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ካብ ደብዳባት መጽለልን መዋእለ ህጻናትን ብከቢድ ብረት ከምእተሃረሙ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዲሚትሮ ዙይቪትስኪ ተዛሪቡ።
ታንክታት ሩስያ ናብ ከተማ ኪየቭ ኣቲየን ተባሂሉ
ምኒስተር ምክልኻል ዩክሬን፡ ኣብቲ ታንክታት ሩስያ ድሮ ከም ዝኣተዋኦ ዝርአ ዘሎ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ኸተማ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ተፈንጀርቲ እናገበሩ፡ “ሓይሊ ጸላኢ” ክብድሁ ጸዊዑ’ሎ።
ከተማ ኪየቭ ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ብተተኰስቲ ተጠቒዓ፣ ገለ ህንጻታት ክዓንው እንከለው፡ ሓያለ ሲቪል ሰባት ቈሲሎም ኣለው።
ሩስያ፡ ነዚ ዕንወታት ትነጽግ እያ ዘላ። ስሙ ዘይጠቐሰ ምንጪ ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እታ ኣብ ማእከል ከተማ ኪየቭ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ ዩክሬን ምዃና ከም ዝገለጸ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተር ሓቢሩ’ሎ።
ዩክሬን ብወገና እታ ነፋሪት ናይ ሩስያ ምዃና ገሊጻ’ላ። ኣብዚ ንኻልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት፡ እታ ብ ምብራቕ፡ ሰሜንን ደቡብን ተጥቅዕ ዘላ ሩስያ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ንኪየቭ ከቢባ’ላ።
ሓይልታት ዩክሬን፡ ንገስጋስ ሰራዊት ሩስያ ንምትዕንቓፍ ድልድላት የዕንዉ ከም ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ።
'እቲ ነትጕ ሚሳይል፡ ርችት'ዩ መሲሉኒ ነይሩ' ኢትዮጵያዊት ካብ ዩክሬን
ሩስያ፡ “ቸርኖቢል፡ ካብ ሽበራውያን ኢና ንሕልዎ ዘለና፡”
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሕጂ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ወተሃደራት ሩስያ ንመደበር ኑክሌር ቸርኖቢል፡ “ንኽሕሎ” ብዝብል ዕላማ፡ ትማሊ ሓሙስ ተቘጻጺሮምዎ‘ለው።
ብመሰረት’ቲ መግለጺ፡ ሃገራውያን ጕጅለታት ይዅን ኣሸበርቲ ሓይልታት፡ ነዚ ዘሎ ኵነታት መዝሚዞም፡ ነቲ ፍሉጥ መደበር ብምቍጽጻር ዕላማኦም ንምትግባር መሀደዲ ምእንቲ ከይጥቀምሉ፡ ክተሓዝን ብጽኑዕ ክሕሎን ግድነት ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ካብቲ መደበር ዝልሑኽ ጸርጊ ትሑትን ጕድኣት ዘየስዕብን ምዃኑ፡ ኣባላት፡ መጠን ጸርጊ ምክትታልን ምቍጽጻርን ንቡር ስርሖም ይቕጽሉ ከምዘለውን ተገሊጹ’ሎ።
ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ብተወሳኺ ተመልኪቱ ከም ዘሎ፡ ሩስያ ኣብዚ ወፍሪ ዓወታት ትጐናጸፍ ኣላ፣ ወተሃደራታ ንዶነስክን ሉሃንስክን ደፊኦም ኣለው፣ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ወተሃደራት ዩክሬን ኢዶም ሂቦም፣ ሓያለ ወተሃደራዊ ትሕተ-ቕርጺ፡ ኣጽዋርን መካይንን ዩክሬን ዓንዮም ኣለው።
ሓይልታት ዪክሬን ቅድሚ ቕሩብ፡ ነዚ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝለጠፍዎ ሓበሬታ፡ ንመሰመር ዶነስክን ሉሃንስክን ባዕላቶም ተቘጻጺሮምዎ ከምዘለውን ሰራዊት ሩስያ ከምዘይተዓወተ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ንድሕሪት ደፊኦም ከም ዝመለስዎ ገሊጾም ኣለው።
እንተዀነ፡ እዚ ብኽልቲኦም ወገናት ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።