መረጻ ኣመሪካ ብቤት ፍርዲ ዝውዳእ’ዶ ይኸውን?
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብ መገዲ ዓወት መረጻ ኣመሪካ ዘሎ ይመስል።
ተነሓናሒኡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ወሰንቲ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝካየድ ቖጸራ ድምጺ መረጽቲ ጠጠው ክብል ይደሊ ኣሎ።
ስለዚ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?
እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብመዚ መረጻ ፔንሰልቫኒያ ኣብ ውጽኢት ድምጺ ለውጢ ከምዘሎ ኣፍሊጦም ኣለው። በዚ መሰረት ከኣ ጆ ባይደን ነቲ መሪሕነት ካብ ዶናልድ ትራምፕ ተረኪብዎ'ሎ።
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብ መገዲ ዓወት መረጻ ኣመሪካ ዘሎ ይመስል።
ተነሓናሒኡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ወሰንቲ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝካየድ ቖጸራ ድምጺ መረጽቲ ጠጠው ክብል ይደሊ ኣሎ።
ስለዚ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?
ዛጊት ተረጋጊጹ ብዘሎ ውጽኢት ጆ ባይደን ካብቲ ዘድልዮ 270 ኤሌክቶራል ኮሌጅ 243 ብምርካብ ክመርሕ እንከሎ፡ ኣባል ሪፓብሊካን ትራምፕ 214 ረኺቡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቖምሉ ዘለው እዚ ምርጫ፡ ውጽኢቱ ንምግማት ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ኣባል ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምርጫ ከም ዝተዓወተሉ ብምግላጽ፡ ምትላል ከም ዝተፈጸመን ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑን ፈኪሩ ኣሎ። መወዳድርቱ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ኣቐዲሙ ናብ ዓወት ገጹ ይግስግስ ከም ዘሎ እዩ ተዛሪቡ።
ጌና ብሚልዮናት ዝቑጸር ድምጺ ኣይተቖጸረን ኣሎ፤ ኣብዚ እዋን ዝኾነ ወገን ተዓዊተ እንተበለ፡ ተኣማኒ ክኸውን ኣይኽእልን። ዝቐረበ ናይ ምጭብርባር መረዳእታ እውን የሎን።
ምሉእ ዛንታ ኣብዚ ትረኽብዎ ዛጊት ዘሎ ውጽኢት እንታይ ይመስል?
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣስታት 64 ሚኢታዊት ኤዥያ ኣመሪካውያን ደገፍቲ ባይደን፣ 30 ሚኢታዊት ድማ ደገፍቲ ትራምፕ ከም ዝኾኑ ይእመን።
እዚ ኣብ 2016 ምስ ዝነበረ ቑጽሪ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ኦባማ ኣብ 2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብ ዝረኸቦ ግን ዝወሓደ እዩ።
ኤዥያ ኣመሪካውያን፡ ኣብ ተሳትፎ መረጽቲ ቑጽሮም እናዓበየ ይመጽእ ካብ ዘለው ዓሌት እዮም።
ካብዚኦም፡ ህንዳውያን ኣመሪካውያን ንባይደን ዝመርጹ ኮይኖም፡ ቬትናም ኣመሪካውያን ድማ ንትራምፕ ዝመርጹ እዮም።
ከም ዳህሳስ መረጽቲ ኤዥያ ኣመሪካውያን እንተኾይኑ፡ ዓሌት ኤዥያ ኣመሪካውያን ካብ ሪፐብሊካን ሓገዝ ምርካብ ዝጀመረ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው እዩ።
40 ሚኢታዊት መረጽቲ ኤዥያ ኣመሪካውያን ግን ኣብ ዴሞክራት ይኹን ሪፐብሊካን ዘይተመዝገቡ ስለ ዝኾኑ፡ ንመን ከም ዝመርጹ ኣይፍለጥን።
ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተኸሰተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ “ናይ ቻይና ቫይረስ” ኢሉ እንተኸሰሰ’ውን፡ ካብ ቻይና ኣመሪካውያን’ውን ጽቡቕ ድጋፍ ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ኲባ ኣመሪካውያን’ውን ናብ ትራምፕ ዘዘንበሉ እዮም።
ሓምለዋይ ልምዓት፡ ሓደ ዓብዪ ፍልልይ ፖሊሲ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ተነሓናሒኡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደንን እዩ።
ኣመሓዳሪ መሐለውታ ፌደራል ዝነበረ ራንዳል ክሮዝነር ንቢቢሲ፡ “ፕሬዝደንት ትራምፕ ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ ኣብ ባይደን ሓምለዋይ ልምዓት ብዙሕ ከውፍር እዩ” ኢሉ።
ዴሞክራት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ክሰርሑዎም ካብ ዝሕሰብ መደባት፥
· ባይደን ኣብ 2035 ዓውዲ ጽዓት ኣመሪካ ካብ ካርበን ናጻ ክኸውን ይደሊ
· ኣመሪካ ናብቲ ብ2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ፓሪስ ክመልሳ እየ ይብል
· መጓዓዝያ ኣመሪካ ብኤሌክትሪክ ናብ ዝሰርሓ መካይንን ባቡርን ከሰጋግሮ ከም ዝሰርሕ ይመጻባዕ
መረጻ ኣመሪካ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት እምነት ህዝቢ ንምድዋን ብዝግበር ፈተነ ተዓብሊሉ” ክብል ሓደ ልኡኽ ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ መረጻ ገሊጹ።
ኣብ ኤውሮጳ ማእከሉ ዝገበረ ትካል ድሕነትን ምትሕብባርን (ኦሴስሲኢ) ከም ዝበሎ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ዝቐረቡ ማሕለኻታት እንተሃለው’ውን፡ እቲ መረጻ ግን “ብኣግባቡ ዝተመሓደረን ንሕንሕ ዝበዝሖን” እዩ ነይሩ ኢሉ።
ይኹን’ምበር፡ “ብተመሳሳሊ እቲ ጎስጓስ መረጻ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ ዝዓብለሎን መሰረት ዘይብሉ ክሲ ስልታዊ ምጭብርባር ዝቐርበሉ ዘሎን እዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ገሊጹ።
ቅድሚ እቲ ናይ መረጻ መዓልቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክሲታት ይቐርቡ ምንባሮም ይፍለጥ።
እዚ ምስ ብፖስታ ዝወሃብ ድምጺ ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፔንሲልቫኒያ፣ ዊስኮንሲን፣ ሆርጂያን ሚቺጋንን ዝግበር ቖጸራ ድምጺ ጠጠው ክብል ይጠልብ።
መረዳእታ እንተዘይኣቕረበ እውን ምጭብርባር ድምጺ ተፈጺሙ እዩ ክብል ይኸስስ።
ክሳብ ሕጂ መን ከም ዝተዓወተ ኣይንፈልጥን። ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ግን ቖጸራ ድምጺ ቐጺሉ ኣሎ።
ጆ ባይደን ዝዕወተሉ ተኽሎ ምህላዩ ዘመላኽቱ ምዕባለታት እንተሃለው’ውን፡ ነዚ ዝቕይር ውጽኢት ግን ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጆ ባይደን 243 ድምጺ ኢሎክሮራል ኮሌጅ ኣለዎ፤ ተነሓናሒኡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ድማ 214።
ፕሬዝደንት ንምዃን ዘድሊ ድምጺ 270 እዩ።
· ጆ ባይደን ኣብ ሚቺጋን ተዓዊቱ ኣሎ፤ ኣብዛ ግዝኣት ብ2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ሂላሪ ክሊንትን ተሳዒራ እያ።
· ኣብ ጆርጂያ፡ ሰብ መዚ እቲ ቖጸራ ድምጺ ከም ዝቕጽል ሓቢሮም ኣለው። ክሳብ ሕጂ 90 ሽሕ ድምጺ ከም ዝተቖጸረ ድማ ሓቢሮም። ኣብዚ ትራምፕ ክመርሕ’ኳ እንተጸንሐ ዝረኸቦ ድምጺ ግን የንቆልቁል ኣሎ።
· ኣብ ኔቫዳ እቲ ንሕንሕ ተኻሪሩ ይርከብ። ሰብ መዚ ውጽኢት መረጻ ሎሚ መዓልቲ ከም ዘፍልጡ ይገልጹ።
· ኣሪዞና ድማ ሎሚ መዓልቲ ከተፍልጥ ምዃና ይሕበር።
· ኣብ ፔንሲልቫኒያ ዝመርሕ ዝነበረ ትራምፕ እቲ ውጽኢት እናጸበበ ይመጽእ ኣሎ። 90 ሚኢታዊት ሳንዱቕ መረጻ ተቖጺሩ ኣሎ።
· ኣብ ኖርዝ ካሮሊና ድማ 96 ሚኢታዊት ድምጺ ተቖጺሩ።
ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ዝተጀመረ ቖጸራ ድምጺ ጠጠው ክብል እኳ እንተሓተተ፡ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ቶም ዎልፍ ግን ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ፡ ዴሞክራት ኣብታ ግዝኣት ዝተዋህበ ድምጺ ክጨውዩ ይፍትኑ ኣለው ብምባል ይኸስስ።
ምኽትል ሓላፊ ጎስጓስ ትራምፕ ጀስቲን ክላርክ ዴሞክራት “መሰልን ድምጽን ሪፐብሊካን ንክብርዙ ውዲት ገይሮም” ብምባል ከሲሱ።
እንተኾነ ነዚ ዘረጋግጹ ጸብጻባት ኣይተረኽቡን።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ ቲም እውን “መስርሕ ዴሞክራሲ ንምጽላም ዝግበሩ ፈተነታት ዘሕፍሩ’ዮም። ድምጺ ኩሉ ነባሪ ፔንሲልቫኒያ ንክሕሎ ግና ክቃለስ እየ፤ ኩሉ ድምጺ ከም ዝተቖጸረ ንምርግጋጽ ድማ ሙሉእ ሓይለይ ክጥቀም እየ” ኢሉ።
መንፈሳዊ ኣማኻሪት ዶናልድ ትራምፕ ፓውላ ዋይት-ኬይን፡ ፈጣሪ ዳግም ንክምረጽ ሓግዘና ዝብል ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ገይራትሉ።
ብቐንዱ “እቲ መረጻ ካብ ትራምፕ ንከሕድጉዎ ዝጽዕሩ ኣጋንንቲ ኣርሕቐሉ” ዝብል ጸሎት ከም ዝገበረትሉ ትዛረብ።
እቲ ብምስሊ ዝተቐድሐ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዛራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣመሪካውያን ውጽኢት እቲ መረጻ ንክሰምዑ ኣብ ልዑል ሃንቀውታ ይርከቡ።
ንምዕባለታት መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝከታተል ፕሮጀክት ኣሰር ኮቪድ ቑጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ከም ዝወሰኸ እኳ እንተገለጸ፡ ብምኽንያት ምውሳኽ መርመራ ከም ዘይኮነ ግን ሓቢሩ።
ትማሊ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 1100 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘስዓበን ንሕንሕ እቲ መረጻ ዘካረረን እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዘለው ኮይኖም፡ እዚ ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንድሓር ብኣስታት 64 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ብማእከላይ ዝምዝገብ ሞት’ውን ይወስኽ ምህላዩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ለብዒ እቲ ለበዳ ካብ ዝነበረ ግን ምንካይ ዘርኣየ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር፡ 9.5 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ልዕሊ 233 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞትን መልከፍትን ዘመዝገበት ሃገር እያ።
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን 71.5 ሚሊዮን ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ዝተረፋ ግዝኣታት’ውን ጽቡቕ ድምጺ ረኺቡ ፕሬዝደንት ንምዃን ዘኽእሎ ዓወት ክረክብ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
“ምቑጻር ድምጺ ምስተወድአ፡ ተዓወትቲ ክንኸውን ንኣምን” ብምባል ኣብ ሚቺጋን ተዛሪቡ።
እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት መረጻ ክሳብ ሕጂ ጌና ኮይኑ፡ ኣብቲ ውጽኢት ዓብዪ ተራ ዘለወን ግዝኣታት ኣሪዞና፣ ጆርጂያ፣ ዊስኮንሲንን ፔንሲልቫኒያን ዕላዊ ኣይገበራን።
ክሳብ ሕጂ 43 ግዝኣታት ውጽኢት ዘፍለጣ ኮይነን፡ ጆ ባይደን 243 ድምጺ ብምርካብ ይመርሕ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ 213 ድምጺ ረኺቡ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ንቴክሳስ፣ ኦሃዮን ፍሎሪዳን ሓዊሱ ኣብ 23 ግዝኣታት ኣመሪካ ክዕወት ትጽቢት ኣሎ።
ኣብዚ ዕለት ዝህልው ምዕባለታት መረጻ ኣመሪካ ብቐጥታ ከነቕርበልኩም ኢና። ተኸታተሉ።
ሰናይ መዓልቲ!
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ ንኻልኣይ ጊዜ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምዃን ኣበእ መረጻ ኣሜሪካ ከምዝተዓወተ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ጆሰፍ ንጉሰ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንኮሎራዶ ወኪሉ ዝተመርጸ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ክኸውን በቒዑ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ ንሃገሩ ምግልጋሉ ዓቢ ክብሪ ከምዝሰምዖ ገሊጹ።
ጆ ንጉሰ መን'ዩ? ምርጫ ኣሜሪካ፡ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ
ጆ ባይደን ብመሰረት ዛጊት ዘሎ ድምር ውጽኢት እናመርሐ ይርከብ።
ከም ዘይብጻሕ የለን ግዜ ኣኺሉ ኣመሪካውያን ፕሬዝደንቶም ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለው። እዚ መረጻ ዳርጋ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ዝጽበዮ እዩ።
መረጻ ኣመሪካ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ስለ ዘይኣኽሎ፡ መረጽቲ ድምጾም ምሃብ ካብ ዝጅምሩ ቀንዮም።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ናይ መወዳእታ እዩ። በዚ መሰረት ሰለስተ ዓበይቲ ዜናታት ክንጽበ ኢና።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዋና ግዝኣቱ ኣብ ዝኾና ግዝኣታት ቴክሳስን ፍሎሪዳን፡ ስለ ዝተዓወተ ንውጽኢት እቲ መረጻ ክመርሕ ጀሚሩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን 220 ድምጺ ብምርካብ ይመርሖ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ዝኸውን 270 ድምጺ ረኺቡ ኣብቲ መረጻ ክዕወት ኣለዎ።
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ “ንዕወት ኣለና” ኢና ኢሉ።
እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ድሕሪ ዝረኸቦ ዓወት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ሓጎስና ንምግላጽ ንዳሎ ኣለና” ኢሉ።
ኣብ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ ድማ ተነሓናሒኡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ይመርሕ ኣሎ።
ኣብቲ መረጻ “ከም ዝተዓወተ” ግን ድማ “ከም ዝተጭበርበረ” ዝገልጽ ትራምፕ፡ እዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ እየ ኢሉ።
ብኻልእ ወገን ፕሬዝደንት ትራምፕ “ብዙሕ ድምጺ ረኺብና ኢና፤ ግን ድማ እቲ መረጻ ክድውኑዎ ይፍትኑ ኣለው” ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ስለ ዝነበረ፡ ትዊተር ነቲ ጽሑፍ “መጋገዪ” ክብል ኮኒኑዎ።
ዳይሬክተር ጉጅለ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ ቲም ሙታግ ብወገኑ “ሲልከን ቫሊ ድምጺ ናይቲ ፕሬዝደንት ንምዕፋን መመያ ይገብር ኣሎ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ትራምፕ ብተደጋጋሚ እቲ መረጻ ተኣማኒ ከም ዝኾነ ይዛረብ። ግን ድማ ክሳብ ሕጂ ነዚ ርኢይትኡ ዝድግፍ መረዳእታ ኣየቕረበን።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዋና ግዝኣቱ ኣብ ዝኾና ግዝኣታት ቴክሳስን ፍሎሪዳን፡ ስለ ዝተዓወተ ንውጽኢት እቲ መረጻ ክመርሕ ጀሚሩ።
ክሳብ ሕጂ 39 ግዝኣታት ውጽኢት ኣፍሊጠን ኣለዋ።
በዚ መሰረት ትራምፕ 212፤ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ድማ 209 ድምጺ ረኺቦም ኣለው።
እዚ ውጽኢት ብሰዓት 9፡26 ዝተመዝገበ እዩ።
ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ 270 ድምጺ የድልዮ።
ኣዮዋ ንዶናልድ ትራምፕ ክትመርጽ ከም እትኽእል ይግመት።
እዛ ግዝኣት ከቢድ ንሕንሕ ካብ ሞንጎ ዝካየደለን ሓንቲ ኮይና፡ ካብ 1988 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ዴሞክራት ዝምረጹላ እያ ነይራ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ግን ሪፐብሊካን ተመሪጾም።
ጆ ባይደን ኣብ ካሊፎርኒያ ክስዕር ልዑል ግምት ተዋሂቡዎ ኣሎ።
እዛ ግዝኣት ንነዊሕ ዓመታት ናይ ሪፐብሊካን ግዝኣት ኮይና እኳ እንተጸንሐት ካብ 1992 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ግን ንዴሞክራት ክትመርጽ ጸኒሓ።
ኦርጎንን ዋሽንግተንን’ውን ጆ ባይደን ክዕወተለን እዩ ትጽቢት ዝግበር።
ኦርጎን፡ ካብ 1988 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ጀሚሩ ዴሞክራት እዮም ዝምረጹላ።
ኣብዚ ዓመት ድማ ኣንጻር ፖሊስ ናይ ዝካየዱ ዓመጻት ማእከል ስሕበት ኮይና ነይራ።
ዋሽንግተን ድማ፡ ካብ 1988 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ንዴሞክራት ክትመርጽ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ግን ኣርባዕተ ናቑጣታት መረጻ እታ ግዝኣት ድምጸት ንተነሓናሒት ዴሞክራት ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ኣይሃባን።
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ክመርሕ ጀሚሩ።
ኣብ 31 ግዝኣታት እቲ መረጻ መን ክዕወት ይኽእል ዝብል ተገሚቱ ኣሎ፟።
በዚ መሰረት ባይደን 192 ድምጺ ብምርካብ 114 ድምጺ ንዝረኸበ ትራምፕ ይመርሖ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ 270 ድምጺ የድልዮ።