ግምት ኣብ 25 ግዝኣታት መረጻ ኣመሪካ ዝዕወት ፕሬዝደንት ተፈሊጡ
ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብተን 25 ኣየናይ ሕጹይ ተወዳዳሪ ክዕወት ከም ዝኽእል ተገሚቱ።
በዚ መሰረት መረጽቲ ብዝሃቡዎ ድምጺ ጆ ባይደን 118 ድምጺ ብምርካብ ነቲ 99 ድምጺ ዝረኸበ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ይመርሖ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ ተነሓናሒ 270 ድምጺ የድልዮ።
እዚ ውጽኢት ንጉሆ ሰዓት 7፡00 ዘሎ እዩ።
እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብመዚ መረጻ ፔንሰልቫኒያ ኣብ ውጽኢት ድምጺ ለውጢ ከምዘሎ ኣፍሊጦም ኣለው። በዚ መሰረት ከኣ ጆ ባይደን ነቲ መሪሕነት ካብ ዶናልድ ትራምፕ ተረኪብዎ'ሎ።
ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብተን 25 ኣየናይ ሕጹይ ተወዳዳሪ ክዕወት ከም ዝኽእል ተገሚቱ።
በዚ መሰረት መረጽቲ ብዝሃቡዎ ድምጺ ጆ ባይደን 118 ድምጺ ብምርካብ ነቲ 99 ድምጺ ዝረኸበ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ይመርሖ ኣሎ።
ፕሬዝደንት ኮይኑ ዝምረጽ ተነሓናሒ 270 ድምጺ የድልዮ።
እዚ ውጽኢት ንጉሆ ሰዓት 7፡00 ዘሎ እዩ።
ካብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ናይተን 18 ግዝኣታት ውጽኢት መረጻ ብምውሳድ መን ክዕወት ይኽእል ዝብል ተገሚቱ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ውጽኢት መረጻ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ክዕወት ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ንክምረጽ 270 ድምጺ የድልዮ።
ሳውዝ ካሳውዝካሮላይና 9 ድምጺ
ኣላባማ 9 ድምጺ
ኖርዝዳኮታ 3ድምጺ
ሳውዝዳኮታ 3ድምጺ
አርካንሰስ
ዌስትቨርጂኒያ
ቴኔሲ
ኬንታኪ 8 ድምጺ
ቀንዲ ግዝኣት ጆ ባይደን ዝኾነት ኒውዮርክ ሓዊሱ ኣብዘን ዝስዕባ ግዝኣታት ክዕወት ከም ዝኽእል ይግመት
ኮሎራዶ 9 ድምጺ
ኮኔቲከት 7 ድምጺ
ኒውዮርክ 29 ድምጺ
ኒውጀርሲ 11 ድምጺ
ቨርሞንት 3 ድምጺ
'ቲካ' ኣብ ህንዲ ዝዝውተር ዓይነት ባህላዊ መግቢ እዩ።
ኣሜሪካ ምርጫ ኣብ እተካይደሉ ዘላ ግዜ ድማ ኣብ ህንዲን ቐልቢ ተጠቀምቲ ትዊተር ዝሰሓበ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ'ሎ።
ኣባል ኮንግረስ ፕራሚላ ጃያፓል ህንዳዊት ኣሜሪካዊት ኮይና ዴሞክራት'ያ።
ኣብ ድሮ መረጻ ከኣ ንኽብሪ ሕጽይቲ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ክትብል ነቲ ኣብ ህንዲ ፍሉጥ ዝኾነ መግቢ 'ቲካ' ከምዝሰርሐት ኣፍሊጣ።
ኣዲኣ ንካማላ ሃሪስ ኣብ ህንዲ'ያ ተወሊዳ። ካማላ ድማ ንናይ'ታ ሃገር መግቢ ዘለዋ ፍቕሪ ብተደጋጋሚ'ያ ትገልጽ።
እንተኾነ ተጠቀምቲ ትዊተር ኣብቲ ጃያፓል ዝሰርሓቶ መግቢ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
ገሊኦም እቲ ትኽክለኛ ባህላዊ ቲካ ህንዳውያን ድርቕ ዝበለ ከምዝኾነ ብምግላጽ ነቲ ንሳ ዝሰርሓቶ ይነቕፉ ኣለዉ።
ትዊተር ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መረጻ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ሰዓታት ዝጠቅዖ መልእኽቲ ሓቢኡ።
እቲ መልእኽቲ ንመረጻ ኣሜሪካ ዝምልከት'ዩ ነይሩ።
ንሱ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣምሪካ ካብ ፔንሲልቫንያ ዝመጽእ ድምጺ ብፖስታ ክኸውን ከምዘለዎ ንዘሕለፎ ውሳነ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ክብል ብምንቃፍ'ዩ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ።
እቲ መልእኽቲ ካብ ተጠቀምቲ ትዊተር ክሕባእ ምስተገበረ "ዘካትዕን ዘጋግይን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል መጠንቀቕታ ተገይሩሉ'ሎ።
ትዊተር ቅድሚ ሎሚ'ውን ኣብ ናይ ትራምፕ ትዊተር ገጽ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ።
ስነ ጥበባዊት ሌዲ ጋጋ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ መረጻ፡ መረጽቲ ድምጾም ንጆ ባይደን ክህቡ ጸዊዓ።
“ንጆ ምረጹ። ጽቡቕ ሰብ እዩ” ብማለት ንደገፍቲ ባይደን ክትዛረቦም ከላ፡ ‘ምረጹ’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር ምልክት ሰላም ዝኾነ’ውን ብኣጻብዕታ ገሊጻ።
ጆ ባይደን ብወገኑ ንተሳተፍቲ እቲ ጎስጓስ መረጻ፡ “ዛንታታት ሌዲ ጋጋ ክነግረኩም ይኽእል’የ” ኢሉዎም።
እዚ ዓመት ንተነሓናሕቲ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ናይ ማራቶን ዓመት ኮይኑዎም እዩ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ሓሙሽተ ጎስጓስ መረጻ ብምክያድ ሎሚ ንጉሆ ናብ ዋሽንግተን ተመሊሱ።
ሎሚ ሰሉስ ግዝኡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ከሕልፎ ትጽቢት ኣሎ።
ተነሓናሒኡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ድማ፡ ሎሚ መዓልቲ ናይ ቁልዕነት ግዝኡ ኣብ ዘሕለፈላ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ ከተማ ስክራንቶን ክውዕል መደብ ገይሩ ኣሎ።
ፊላደልፊያ ድማ ድፋዕ ዴሞክራት እያ።
ኣብ መወዳእታ ሰዓት ጎስጓስ መረጻ ኣመሪካ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ተነሓናሒኡ ጆ ባይደንን ንኣመሪካ ዝተፈላለየ ራኢ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም።
ብሰኑይ፡ ባይደን ኣብ ፔንስሊቫኒያን ኦሂዮን ጎስጓስ ከካይድ እንከሎ ትራምፕ ድማ ኣብ ዊስኮንሲን፣ ሚቺጋን፣ ሰሜን ካሮሊናን ፔንሲሊቫኒያን ነይሩዎ።
ትራምፕ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ መረጻ፡ ጆ ባይደን ቑጠባ ኣመሪካ ክዓጹ’ዩ፣ ኣመሪካውያን ክቑጸርሉ ዝግባእ ስራሕ ንወጻኢ ክኸይድ ክገብር እዩ ዝብል ተመሳሳሊ ዘረባ የስምዕ ነይሩ።
ንደገፍቱ ድማ፡ “ጽቡቕ ኢና ዘለና። ብቐሊሉ ኣብ ሚቺጋን ክስዕር ኢና። ከምቲ ዝሓለፈ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ክንስዕር ኢና” ኢሉዎም።
ጆ ባይደን ብወገኑ ኣብ ፒትበርግን ፔንስሊቫኒያን ንዝነበሩ ደገፍቱ መደባቱ ኣብሪሁ።
ንሱ፡ ነታ ሃገር ከድሕናን ትራምፕ ዘየዐወቶም ከም ዘዐውትን ክገልጽ እንከሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክቆጻጸሮ እየ ይብል።
“ዕግርግር፣ ናይ ትዊተር ጽሑፍ፣ ቁጥዐ፣ ጽልኣት፣ ውድቀትን ምጉዳል ሓላፍነትን ይኣኽለና” ብምባል ንትራምፕ ሓደገኛ ፕሬዝደንት ኢሉዎ።
ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ዝበሉ እንተበሉ፡ ሕጂ ህዝቢ እዩ ዝፈርዶም።
ከም ዘይብጻሕ የለን ግዜ ኣኺሉ ኣመሪካውያን ፕሬዝደንቶም ንምምራጽ ድምጾም ይህቡ ኣለው።
ውጽኢት እዚ መረጻ ዳርጋ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ዝጽበዮ እዩ።
መረጻ ኣመሪካ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ስለ ዘይኣኽሎ፡ መረጽቲ ድምጾም ምሃብ ካብ ዝጅምሩ ቀንዮም።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 90 ሚሊዮን ሰባት ድምጾም ሂቦም ኣለው።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ናይ መወዳእታ እዩ። ጽባሕ ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ዜናታት ክንጽበ ኢና።
ሓደ፡ ባይደን ብቐሊሉ ተዓዊቱ
መረጻ ኣመሪካ ብትንበያ ዝተመልአ ስለ ዝኾነ፡ ትካላት ብሕትን መራኸብቲ ሓፋሽን ነቲ ህዝቢ ‘ንመን ክትመርጽ ሓሲብካ?’ ኢሎም ብምሕታት ውጽኢት ቅድመ ትንበያ ሒዞም ይቐርቡ።
በዚ ቅድመ ትንበየዓ ባይደን ነቲ መረጻ ክዕወተሉ እዩ።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ መረጸዓ 2016 ተነሓናሒት ዴሞክራት ዝነበት ሂላሪ ክሊንተን ክትዕወት እያ ተባሂሉ’ኳ እንተነበረ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኮይኑ’ዩ።
ናይዚ ዓመት ትንበያ ግን ካብ ሕሉፍ ዝተፈለየ ክኸውን እዩ ዝብሉ ኣለው።
ካልኣይ፤ ትራምፕ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ ውጽኢት ተዓዊቱ
ጽባሕ ፕሬዝደንት ትራምፕ ብዘሰንብድ ውጽኢት ተዓዊቱ ዝብል ዜና ክንሰምዕ ንኽእል ኢና።
ስለምንታይ እንተኢልኩም እቲ ትንበያ ካልእ እቲ ውጽኢት ድማ ካልእ ክኸውን ስለ ዝኽእል።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣመሪካ ትራምፕ ኣብቲ መረጻ እንተተዓዊቱ፡ ሕጂ’ውን ‘እቲ ቅድመ ትንበያ ስሕተት ነይሩዎ’ ምባሎም ኣይተርፍን።
ትራምፕ ኣብ ግዝኣታት ፍሎሪዳእ ፔንሲልቫኒያን ክዕወት እንተኽኢሉ ጆ ባይደን እቲ ውድድር ክኸብዶ እዩ።
ትራምፕ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ መረጻ ብዝዛይድ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተቐባልነት ኣለዎ እዩ ዝብሃል ዘሎ። እዚ ድማ ንግዝኣት ፍሎሪዳ ዓብዪ እታወት እዩ።
ብኻልእ ወገን ፔንሲልቫኒያ ብዙሓት ጸዓዱ ሰራሕተኛታት ጉልበት ዝነብሩላ ስለ ዝኾነት ንትራምፕ ከተስግኦ ትኽእል እያ።
ሳልሳይ፡ ጆ ባይደን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቱ
እቲ ቅድመ ትንበያ ጆ ባይደን ክዕወት እዩ ምባሉ ኣይተርፍን።
ይኹን እምበር ብጸቢብ ኣፈላላይ ከም ዝኸውን ምግማት ይከኣል።
እቲ ሳልሳይ ዜና ግን፡ ምናልባት ጆ ባይደን ነቲ ቅድመ ትንበያ ሓሊፉ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቱ ዝብል ክኸውን ይኽእል።
እቲ ውጽኢት ከምዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ትራምፕ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ እዩ ተሳዒሩ ክብሃል እዩ።
ኣብ መረጻ 2016 ትራምፕ፡ ሓጹር ሜክሲኮ ክሃንጽ’የ፣ እስላም ስደተኛታት ክኽልክል እየ፣ ኣብ ንግዲ ወጻኢ’ውን ስጉምቲ ክወስድ እየ ዝብል ግልጺ መርገጺ ሒዙ እዩ ቀሪቡ።
ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ዝጭበጥ መደብ የብሉን። እዚ ጆ ባይደን ዘይተጸበዮ ሽሻይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዝኾነ ጽባሕ ቑርጹ ክፍለጥ እዩ።
ኣብቲ ናይ 2016 ትራምፕ ዝተዓወተሉ ምርጫ፡ ኣቐዲሙ ዝወጽእ ዝነበረ ዳህሳሳት ሂላሪ ክሊንተን ዝለዓለ ደገፍ ከም ዘለዋ'ዩ ዝግለጽ ነይሩ።
ናይ ሽዑ ውጽኢት ድምጺ ምስ ተቖጽረ፡ ሂላሪ ክሊንተን ንትራምፕ ብ3 ሚልዮን ድምጺ ከም ዝበለጸቶ ይፍለጥ። ክንድኡ ዝኣክል ዝያዳ ድምጺ እንተረኺባ ድኣ ስለምንታይን ብኸመይን ተሳዒራ? ምላሽ ዘድልዮ ሕቶ እዩ።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ድምጺ ነብሲ ወከፍ ሰብ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ግን ብቑጽሪ ኩሎም ኣድመጽቲ ጥራይ ኣይኮነን ዝውሰን።
ብሃገር ደረጃ 538 ሰባት ወይ ድምጽታት ጥራይ'ዮም ንውጽኢት ናይቲ ምርጫ ዝውስንዎ።
ኣብ ስርዓተ-ምርጫ ኣመሪካ "ኢለክቶራል ኮለጅ" ዝብሃል ኣሎ። እዚ ናይ ምርጫ "ኮለጅ" (መረጽቲ) ን538 ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰባት ዝምልከት'ዩ።
በዚ መሰረት፡ ሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ክኸውን እንተኾይኑ፡ ካብቶም ኢሌክቶራል ኮሌጅ እንተወሓደ ናይ 270 ድምጺ የድልዮ።
ሚልዮናት እናድመጹ ከመይ ገይሩ ከምዚ ክከውን ይኽእል ዝብል ሕቶ ዘደናግር እዩ።
ኣብታ ሃገር 50 ግዝኣታት ኣለዋ። ብመሰረት ብዝሒ ህዝበን ድማ፡ ነቶም 538 ድምጽታት ይማቐልኦም።
ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2020 ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ቀንዲ ተወዳደርቲ እቲ ምርጫ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደንን ድምጺ ሰዓብቶም ክረኽቡ እዮም።
ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስን ሕጽይቲ ምክትል ፕረዚደንት ክትከውን ብጆ ባይደን ዝተሓርየትን ካማላ ሃሪስንብወገኖም ነቲ ዓወት ንምጉንጻፍ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል እዮም ወሪሖም።
ብዛዕባ ፍሉይነት ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ዘሎ ናይ ፖሊሲን ውልቃዊ ባህሪ ፍልልያትን፡ ከምኡ'ውን ቅጥዕታት ምርጫን፡ኣብ ግምት ብምእታው፡መኒኦም ኮን ክዕወት'ዩ ንዝብል ምስ ክልተ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ቃለ መሕትት ኣካይድና ነይርና።
ኣቶ በያን ነጋሽን ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወትን ኣብ ክፍለ ሃገር ካሊፎርንያ ዝነብሩ እዮም።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብ2018፡ ንኣፍሪቃውያን 'ረስሓት' ኢሉ ምድሃሉ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ብ2016 ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ምስተዓወተ፡ ካብ ሸውዓተ እስላም ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣይቕበልን ክብል እንከሎ ኣብቲ ዝርዝር ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኻቲተን እየን።
እንተኾነ፡ እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ጠበቓ ሃይማኖቶምን ክብርታቶምን ገይሮም ብምውሳድ ዝጽልይሉ ኣይተስኣኑን።
ኣብ ከም ናይጄሪያን ኬኒያን ዝበላ ሃገራት ድማ ብዙሓት ደገፍቲ ከም ዘለውዎ ትካል መጽናዕቲ 'ፒው' ኣብ ጥሪ ዘካየዶ ዳህሳስ የረድእ።
ፍሉጥ ናይጄሪያዊ ወንጌላዊ ፓስተር ክሪስ ኦያክሂሎሜ "ፈጣሪ ንውላዱ ኣብ ሓደ ቦታ ከቐምጦ እንከሎ ሰይጣን ንዕኡ ንምዕናው ዝከኣሎ ስለ ዝገብር፡ ንዕኡ ሕማቕ ከይገጥሞ ንጽልየሉ ኢና" ኢሉ ነይሩ ።
ናይጄሪያን ኬኒያን ንሃይማኖት ሰፊሕ ቦታ ዝህብ ሕብረሰተብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰፍሐ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጄሪያ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ክርስቲያን ስለ ዝበዝሑ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣለው።
ኣብ ኬኒያ ድማ፡ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ምስ ደገፍቶም ንምርኻብ ካብ ዝጥቀምሎም ቦታታት እቲ ሓደ ሃይማኖታዊ ቦታታት'ዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው ወንጌላውያን፡ ምንጻል ጥንሲ፣ መሰላት ሕደ ጾታውያን ዘይቕበሉን ደገፍቲ እስራኤልን ኮይኖም፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ ዋላ'ውን ኣፍሪቃዊ መበቆል እንተሃለዎ ደገፍቱ ኣይነበሩን።
"ምምሕዳር ኦባማ ኣብ ኣፍሪቃ ሊበራላዊ ኣጀንዳ ከስርጽ ይጽዕር ስለ ዝነበረ ንመብዛሕትና መራሕቲ ሃይማኖት ከቢድ ፈተና ነይሩ። ትራምፕ ምስ መጽአ ግን ዕረፍቲ ረኺብና" ኢሉ ኬኒያዊ ፓስተር ሪቻርድ ቾጎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ንኸም ማሪስቶፕስ ዝበሉ ኣብ ምንጻል ጥንስን ዕደላ መከላኸሊ ጥንስን ዝነጥፉ ሕጋዊ ትካላት ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ጠጠው ምባሉ ይንእዶ።
ፕሬዝደንታዊ መረጻታት ኣመሪካ፡ንምምሕዳር ኮሚኒስት ቻይና ወትሩ ምንጪ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ቀጨውጨውታን ውዲትን ምስ ኮኑ'ዮም።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ወሳኒ ናይ ዴሞክራሲ ልምዲ ከም ዘለዋ ስለ ዝእመን ከኣ፡ ሰበ ስልጣን ቤጂንግ ንፖለቲካ ሃገሮም ከይጸልዎ ብቐረባ ይከታተሉዎ።
ቻይና ብመንጽር ዴሞክራሲ ክትርአ ከላ፡ 1.4 ሚሊዮን ህዝባ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ መጻኢ ንክውስን ዝሃበቶ ዕድል ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን።
ንሓደ ቻይናዊ ዜጋ፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ መን ክዕወት ትደሊ? ክንብል ሓቲትናዮ።
"ባይደን፤ ንትራምፕ ኣይፈትዎን" ኢሉና።
"ንቻይና ጸቕጢ ስለ ዝገብረላ ድዩ?
"ብዝተወሰነ መልክዑ እወ። ብቐንዱ ግን ጽሉል'ዩ ዝመስለኒ"።
ዲን ኢንስቲትዩት ዓለምለኻዊ ርክባት ዩኒቨርሲቲ ቺንግዋ ፕሮፌሰር ያን ዡቶንግ ግን፡ "ድልየት ቻይና ኣበይ ከም ዘሎ እንተተሓቲተ" ይብል "ቻይና፡ ካብ ባይደን ንላዕሊ ንትራምፕ እያ ትመርጽ። እዚ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ረብሓ ቻይና ከውርዶ ዝኽእል ሃሰያ ካብ ባይደን ዝወሓደ'ዩ ብዝብል ዘይኮነ፡ ካብ ባይደን ንላዕሊ ንኣመሪካ ከጥፍኣ ዝኽእል ንሱ ስለ ዝኾነ'ዩ" ኢሉ።
ኣመሪካውያን፡ ሎሚ መዓልቲ ንቐጻሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝጸንሕ ፕሬዝደንት ሃገሮም ክመርጹ'ዮም።
ተነሓናሕቲ እዚ መረጻ ኮይኖም ዝቐረቡ ወኪል ሪፐብሊካን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ሕጹይ ፕሬዝደንት ዴሞክራት ጆ ባይደን እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ሓያል ክትዕን ጎስጓሳትን ከካይዱ ምጽንሖም ድማ ይፍለጥ። ንምዃኑ፡ ፖሊሲታት ክልቲኦም እንታይ'ዩ ዝመስል?
ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ፣ ኩነታት ኣየር፣ ቁጠባ፣ መድሕን ጥዕና፣ ኣተሓሕዛ ኣጽዋርን ካልእን ዝሓረናዮም ጉዳያት ኣለው።