ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ዲያስፖራን ንዝርከቡ ሰማዕቱን ተኸታተልቱን፡ ኣብ ህይወቶም ዘገድሶም፡ እዋናዊ ጉዳይ፡ ዕምቆት ብዘለዎ ኣቀራርባ፡ እሙን፡ ርጡብን ምዙንን ሓበሬታ የቕርብ። ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት እዋናዊ ምዕባለታትን፡ ንድሕነትኩም ዝሕግዝ መምርሕን ንኽርትረኽቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ዓለም፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልዮን በጺሑ

    ኣብ ዓለም፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 22 ሚልዮን ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 774,000 በጺሑ'ሎ።

    ዝለዓለ መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ዘለ ግን ኣመሪካ እያ። ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 5.4 ሚልዮን ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ኣለው። ካብዞኦም እቶም 170 ሽሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሂወቶም ስኢናኦም ኣለው።

    ኣብ ብራዚል ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3̄.3 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከው፡ ኣብ ህንዲ ድማ 2̌.7 ሚልዮን በጺሑ'ሎ

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ናይጄርያ ዓለም-ለኻዊ በረራታት ክትከፍት እያ

    መንግስቲ ናይጄርያ፡ ካብ 29 ነሓሰ ጀሚሩ፡ ክልኢ ኣየራ ንተጓዓዝቲ እንደገና ከምዝኸፍት ኣፍሊጡ።

    ሚኒስቴር ኣቬየሽን እታ ሃገር ሃዲ ሲሪካ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ብረራታት ኣብ ርእሰከተማ ኣቡጃን፡ ሕምብርቲ ንግዲ ዝኾነት ሌጎስን ከምዝጅምር ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።

    ዝርዝር ቅጥዕን ፕሮቶኮልን ናይቲ በረራ ድማ ኣብ ከይዲ ከምዝግለፅ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

    መዕርፎ ነፈርቲ ናይጄርያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን እየን፡ ዓለምለኻዊ በረራታት ኣቋሪፀን።

    በረራታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረት ናይጄርያ፡ ዓለምለኻዊ በረራታት እንደገና ምቕፃላ፡ ኣካል እቲ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ ምኽፋት ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊድ 49 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ካብዚኦም 36 ሽሕ ሓውዮም ኣለው። ህይወት 975 ሰባት ድማ ጠፊኡ እዩ።

    መዕርፎ ነፈርቲ ኣቡጃ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  3. ናህሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ አፍሪቃ እንታይ የመስል?

  4. ኢትዮጵያ፡ 1,460 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ዝተገብረ 19,747 ናይ ላቦራቶሪ መርመራ፡ 1,460 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕናን ትካል ማሕበረሰብ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

    ብተወሳኺ 16 ሰባት ምስቲ ቫይረስ ብዝተኣሳሰር ህይወቶም ብምሕላፉ፡ ኣብታ ሃገር ጠቕላላ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሰባት 544 በጺሑ ኣሎ።

    ብኻልእ ወገን፡ 165 ሰባት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ተመሊሱ ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለው። በዚ ድማ ድምር ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት 12,544 ኮይኑ ኣሎ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ጠቕላላ ቁጽሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ናብ 31,336 ክብ ኢሉ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መልከፍቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላው፡ ህዝቢ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ናይ ምልባስ ልምዲ ከዕብይ ዝዓለመ: “ምኽንያት ኣይከውንን” ዝብል ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና’ውን ቆልዑ ንዝቐርብ ዘሎ በዓል ሆየ: ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከብዕልዎ ኣተሓሳሲቡ።

  5. ኣብ ትግራይ ሎሚ 192 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ኣምቡላንስ ኣብ መቐለ

    ኣብ ትግራይ ሎሚመዓልቲ 192 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም::

    ኣብ ኣክሱም ሞት ሓንቲ ወላዲት ከምዘጓነፈ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ::

    ዛጊድ ኣብ ትግራይ 14 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም:: ክሳብ ሎሚመዓልቲ ኣብቲ ትግራይ 1,962 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም::

    ካብዚኦም እቶም 832 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ኢኹም ተባሂሎም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የረድእ::

  6. ዞባታት ስጳኛ ሓድሽ ቀይድታት ተግባራዊ ይገብራ

    ኣብ ማርቤላ ናብ ዝርከብ ባር ዝኣትው ዓማዊል ኣካላዊ ሙቐቶም እናተዓቀነ ይኣትው

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብዘይካ እተን ኣቐዲመን ቀይድታት ዘንበራ ዞባታት ስጳኛ፡ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ዞባታት ንዝተርኣየ ሃንደበታዊ ወሰኽ መልከፍቲ ንምግታእ፡ ሓድሽ ቀይድታት ተግባራዊ ገይረን።

    እዘን ድሒረን 11 ቀይድታት ኣንቢረን ዘለዋ ዞባታት፡ ኣንዳሉስያ፡ ጋልሽያ፡ ካንታብርያ ከምኡውን ካስቲልን ሊዮንን ዝበሃላ ኮይነን፡ ላርዮጃን መርስያን ብሰንበት እየን ነቲ ቀይድታት ተግባራዊ ገይረን።

    እቲ ቀይድታት፡ ምዕጻው ኩሉ ኣብያተ ትልሂት፡ ከምኡውን ኣብያተ ብልዒ ካብ ፍርቂ ለይቲ ንደሓር ዓማዊል ከይቅበላ ዝብል ይርከብዎ።

    ኣብ ክፉት ህዝባዊ ስፍራታት ማሕበራዊ ርሕቐት ምሕላው ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ሽጋራ ምትካኽ ተኸልኪሉ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሰሜናዊት ዞባ ባስክ ካብ ጎረባብታ ዝጸንዐ ስጉምቲ ክተወስድ ዘኽእላ፡ “ህጹጽ እዋን ጥዕና” ክትእውጅ ትጽቢት ይግበር።

    ስጳኛ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝዘለቐ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምልዓላ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ብቕልጡፍ ክውስኽ እዩ ተራእዩ።

    ኣብታ ሃገር ልዕሊ 28,600 ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ።

  7. ኒውዝላንድ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሃገራዊ መረጻ ብሓደ ወርሒ ኣናዊሓቶ

  8. ርዋንዳ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናይ ዕዳጋ ስፍራታት ዓጽያ

    ርዋንዳ መርመራ ኮቪድ-19

    ሰብ መዚ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ፡ ኪጋሊ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ክልተ ዓበይቲ ዕዳጋታት ንሸውዓተ መዓልትታት ክዕጸው ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

    እቲ ውሳነ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ዝውዕል ኮይኑ፡ እቶም ኒያሩጌንጌን ክዋሙታንጋን ዝተብሃሉ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዕዳጋታት፡ መግቢ ብጃምላ ዝሽየጠሎም እዮም።

    እቲ ናይ ምዕጻው ውሳነ ተማሊ ዝተማሓላለፈ ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር 101 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበን ከብኦም እቶም 80 ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።

    ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልትታት ጥራይ፡ 253 ሓደስቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክትምዝግብ ከላ፡ እዚ ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ 14 መዓልትታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ 222 ሰባት፡ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኣብ ኪጋሊ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።

    ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ፡ ርዋንዳ ዜጋታታ ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ዝተፈቐደላ እንኮ ሃገር እያ።

  9. ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣንቆልቊሉ

  10. ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብ 50 ሽሕ ዛዪዱ

    መርመራ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ዝሞቱ ሰባት ካብ 50 ሽሕ ከም ዝዛየደ ሚኒሰተር ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    ህንዲ ንኣሜሪካ፡ ብራዚልን ሜክሲኮን ስዒባ፡ ብብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣብ ራብዓይ ተሰሪዓ ኣላ።

    ዛጊት ኣብ ህንዲ 2.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ክረጋገጽ ከሎ፡ መጠን መልከፍቲ እናጎደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይዛረቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድሪ ሞዲ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሓደ፡ ኣብ መዓልቲ 1 ሚልዮን ሰባት መርመራ ምግባር እቲ ቀንድን ኣገዳስን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።