ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ዲያስፖራን ንዝርከቡ ሰማዕቱን ተኸታተልቱን፡ ኣብ ህይወቶም ዘገድሶም፡ እዋናዊ ጉዳይ፡ ዕምቆት ብዘለዎ ኣቀራርባ፡ እሙን፡ ርጡብን ምዙንን ሓበሬታ የቕርብ። ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት እዋናዊ ምዕባለታትን፡ ንድሕነትኩም ዝሕግዝ መምርሕን ንኽርትረኽቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ

    • ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 3 ሚልዮን በጺሑ። ትማሊ ጥራይ 69,652 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት መዝቢባ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 55,794 በጺሑ’ሎ።
    • ኣብ ኣመሪካ፡ ቁጽሪ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 175,000 ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። ኣመሪካ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣመዝቢባ’ላ። ኣብታ ሃገር ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
    • ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ። ኣብታ ሃገር ዛጊት 12,000 ብኮሮቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
    • ኣብ ዓለም፡ ብውሑዱ 23 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንለው፡ ኣስታት 800,000 ሞይቶም ኣለው።
    ኮሮናቫይረሰ

    ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ

  2. ኣብ መቐለ ብወለንታ ከሚካል ኣብ ምንጻግ ዝወፈሩ መናእሰይ

    ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ወፍሪ: ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ መናእሰይ ብሰናይ ፍቓዶም ኣብ ስራሕቲ ምንፃግ ወፊሮም ኣለዉ።

    ብፍላይ ኣብ ኣዳራሽ ዕዳጋ፡ ቤት ህንፀት፡ መዋፈሪ ታኽሲ፡ ማእከል ሕክምና፡ ናቑጣታት ምርጫ፡ ካብ ጅቡቲን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝኣትዋ ብኣሻሓት ዝቑፀራ መካይን፡ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፍሉ ገዛውቲ፡ ከምኡ'ውን ገዛ ንገዛ፡ ብምኻድ ይነፅጉ።

    ነቲ ወፍሪ ብነፃ ይሰርሕዎ ምህላዎምን ካብ ዝጅምርዎ ድማ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝገበሩን መንእሰይ ኣሚር ዛክ ንቢቢሲ ገሊፁ።

    ኣብቲ 20 መናእሰይ ከተማ መቐለ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ወፍሪ ምንፃግ፡ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ መንፀግን ዝንፀግ ከሚካልን ኣዳልዩ ብናፃ ይህብ።

    እቲ ወፍሪ ብሰናይ ተብግሶ መሓዙት መናእሰይ መቐለ ከምዝተጀመረን ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ መቐለ: መማህራን ቤት ትምህርቲ ኒኮላስን ከምኡ'ውን መናእሰይ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከምዝተፀምበርዎ ኣሚር ዛክ ይዛረብ።

    ኣብ ትግራይ ዛጊድ 2,800 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ፀብፃብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ይገልፅ:

    መቐለ
  3. ለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከብቅዕ'ዩ' ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም

  4. ኤርትራ 13 ሰባት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም

    ኤርትራ ሎሚ ክልተ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ሓቢራ።

    ክልቲኦም ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም ዝሓበረ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካልኦት ህክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 13 ሰባት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ተመሊሱ ከም ዝተፋነው ገሊጹ።

    ኣብ ኤርትራ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 306 ክበጽሕ ከሎ፡ 274 ሓውዮም እዮም።

    eritrea
  5. ጀርመን ድሕሪ 4 ወርሒ ኣብ መዓልቲ ዝለዓለ ብዝሒ መልከፍቲ መዝጊባ

    ማስክ ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጀርመን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ጀርመን ካብተን ብኮቪድ 19 ዝተጥቕዓ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብዝሒ መልከፍቲ እናነከየ እዩ መጺኡ ነይሩ።

    ሕዚ ግና፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ 24 ሰዓታት 1,707 መልከፍቲ ዘመዝገበት ኮይና፡ ኣብታ ሀገር ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

    እቲ ምፍኳስ ዕጽዋታት ድማ ጠጠው ክብል ፕረዚደንት ኣንገላ መርከል ተዛሪባ።

    እቲ ናይ ሕዚ ወሰኽ ካብ ደገ ብዝመጽኡ ገያሾን ሰኣን ምፍንታት ዝሰዓበን ከምዝኾነ ተገሊጹ።

  6. ሎሚ ኣብ ትግራይ 133 ብኮሮናቫይረስ ሰባት ተረኺቦም

    መቐለ

    ሎሚመዓልቲ ኣብ ትግራይ 133 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም::

    ዛጊድ ኣብታ ክልል 15 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሟቶም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ::

    ክሳብ ሎሚመዓልቲ ኣብ ትግራይ 2,527 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም::

    ካብዚኦም እቶም 1,105 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ነፃ ኢኹም ተባሂሎም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝረኸብናዮ ፀብፃብ የረድእ::

  7. ጣልያን ልዑል ቁፅሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረሳ ኣመዝጊባ

    ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ካብ ግዘ ናብ ግዘ ይዛይድ ኣሎ።

    ብዙሓት ሃገራት፡ ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ብዙሕ መልከፍቲ ኮቪድ-19 የመዝግባ ከምዘለዋን፡ቅድሚ ኩሉ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ጣልያን ድማ፡ እንደገና ካብ ሞንጎ እዞም ሃገራት ኮይና ኣላ።

    እዛ ሃገር፡ ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ 642 ሓደሽቲ መልከፍቲ ኣመዝጊባ። እዚ ድማ፡ ኣብ ጣልያን፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ንነጀው ዝተመዝገበ ልዑል ኣሃዝ እዩ።

    ኣብ ስፔን እውን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ 3715 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

    እዚ ልዑል መልከፍቲ፡ እታ ሃገር ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳታት ምንቅስቓስ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ምልዓላ ስዒቡ ዘጋጠመ እዩ።

    ኣብ ጀርመን ድማ፡ ሎሚ ሓሙስ ጥራሕ 1707 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንነጀው ዝተመዝገበ ልዑል ኣሃዝ ድማ ኮይኑ ኣሎ።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  8. ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ መዓልቲ 69 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ህንዲ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 2.8 ሚልዮን።

    ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ 997 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝሞቱን፡ በዚ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 53,886 ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

    ህንዲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብብዝሒ ብምምዝጋብ፡ ካብ ኣሜሪካን ብራዚልን ቀፂላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

    ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  9. ሓድሽ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ተራእዩ

  10. ብድሕሪ እቲ ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ መን'ዩ ዘሎ?

  11. ወተሃደራት ማሊ፡ ሃገራዊ መረጻ ክጽውዑ ቃል ኣትዮም

  12. ኣብ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሰባት ብኮሌራ ክልተ ድማ ብሕማም ዓሶ ከምዝሞቱ ተገሊጹ

    ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝተልዓለ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ገሊጹ፡፡

    እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መገለጺ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 145 ሰባት ብሕሞም ኮሌራ ከምዝተታሕዙ ሓቢሩ፡፡

    እቲ ለበዳ ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት ክልል ደቡብን ኣብ ሓደ ወረዳ ክልል ኦሮምያን ከምዘጋጠመ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡

    ብተመሳሳሊ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተገበረ ምርመራ ሕማም ዓሶ፡ 27,898 ሰባት ምልክታት እቲ ሕማም ዝተርኣዮም ኮይኖም ክልተ ሰባት ድማ ከምዝሞቱ እቲ ትካል ገሊጹ፡፡

    ሕማም ዓሶ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ደቡብ፣ ሶማልን ትግራይን ከምዝተኸስተ ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ሕማም ፖልዮ'ውን ኣብ 32 ሰባት ከምዝተረኸበ ጠቒሱ፡፡

    ኣዲስ ኣበባ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  13. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ

    • ኣውስራልያ ተስፋ ዝተገረበሉ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ናይ ቅድሚት ተጠቃሚት ከምእትኸውን ከምዘረጋገጸትን 25 ሚልዮን ንዝግመት ህዝባ ብነጻ ከምእትህብን ገሊጻ፡፡
    • እቲ ኣስትራዘኔካ ብዝተባሃለ መድሓት ኣፍራዪ ትካልን ዩኒቨርሲቲ ኦክሰፎርን ብሓባር ዘማዕሉዎ ዘለዉ መድሃኒት፡ ኩሉ ኣውስትራልያዊ ክወስዶ ዝግደድ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ስኮት ሞሪሰን ገሊጹ፡፡
    • ደቡብ ኮርያ ብምኽንያት ሓደሽቲ ረኽሲታት ኮሮናቫይረስ፡ ቤተ-መዘክር፣ እንዳመስተን ለይታዊ ተልሂታትን ከምዝዓጸወት ተገሊጹ፡፡
    • ህንዲ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ልዕሊ 64 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት መዝጊባ፡፡ ዛጊት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 2.8 ሚልዮን ተጸጊዑ ከምዘሎ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ህንዲ የረድእ፡፡
    • መንግስቲ ኒው ዚላንድ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበረ ዕጽዋ ንምትግባር ካብ ስልጣኑ ንላዕሊ ምጥቃሙ ከምዘረጋገጸን፡ መንግስቲ እውን ከምዝተኣመነን ሓደ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ገሊጹ፡፡
    ደቡብ ኮርያ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  14. ኣብ ኦሮሚያን ድሬዳዋን ኣብ ዝተልዓለ ተቓውሞ ብውሑድ 4 ሰባት ሞይቶም

  15. ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ያሲን ጁማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ኣዚዙ

  16. ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ “ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ሰብ ግደታ ክኸውን ኣይጽበን እየ”

    ሓላፊ ሃገራዊ ማእኸል ተላገብትን ሕማማት ኣሜሪካ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ኩሉ ኣመሪካዊ ብግደታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘይገብር ተዛሪቡ።

    “ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ሰብ ግደታ ክኸውን ኣይጽበን እየ” ኢሉ።

    ሓደ ሰብ ነቲ ክታበት ክወስድ እንተዘይደልዩ፡ ብሓይሊ ውሰዶ ክትብሎ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ።

    ናቱ ርእይቶ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሶን ዝበሎ ኣይቃዶን እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስተራልያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ኣውስትራልያዊ ግደታ ከምዝኸውን ተዛሪቡ ነይሩ።

    መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣሰተራዘኒካ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣቐዲሙ ንምርካብ ወዕል ከምዝገበረ ይፍለጥ።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  17. ኣውስትራልያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብናጻ ክህብ'የ ኢላ

  18. ኤርትራ፡ 19 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም

    ኤርትራ ሎሚ: 19 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

    እቶም ሰባት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣዲባራ፡ ኣሊግድርን ኦምሓጀርን ሰርሓን ኣብ ዝተገብረ መርመራ ከም ዝተረኽቡ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

    ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ዝጸንሐ 12 ሕሙማት'ውን ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም ኣለው።

    ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ዘይመዝገበት ኤርትራ 43 ሕሙማት ኮቪድ-19 ኣለዋ።

    ኣብታ ሃገር ድምር እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ዝተረጋገጹ ሰባት ናብ 304 ክብ ኢሉ ኣሎ።

    ኩሎም እቶም ሎሚ ዝተረኽቡ ሕሙማት ኣብ ቀረባ ግዝያት ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተመለሱ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

    ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰባት ናብ ኤርትራ ይምለሱ ከም ዘለው ዝሕብር እቲ መግለጺ፡ ዛጊት 13ሽሕን 306 ሰባት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ከም ዝተመለሱ ይጠቅስ።

    ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ 18 ነሓሰ 2020
  19. ኣብ ትግራይ ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ካብ 2,000 ዛይዱ

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ዝገበረት ጓልኣንስተይቲ

    ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፣ ኣብ ልዕሊ 1,887 ናይ ላብራቶሪ ምርመራ ዝተገብረ ኾይኑ: 218 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።

    ሎሚመዓልቲ ድሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው፣ 87 ከምዝኾኑ ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

    በቲ ሕማም ህይወቶም ዝሓለፉ 14 እንትኾኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እውን 11 ሰባት ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምን ይርከቡ።

    ዛጊድ፣ ኣብቲ ክልል ብሓፈሻ 2,180 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

  20. መራሒት ጀርመን ምፍኳስ ቀይድታት ተቓዊማ

    መራሒት ጀርመን ኣንግላ መርከል

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መራሒት ጀርመን ኣንግላ መርከል፡ ኣብ ሃገራ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ይውስኽ ብምህላው፡ ቀይድታት ናይ ምፍኳስ ስጉምቲ ተቓዊማ።

    ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እቲ ዝተርኣየ ወሰኽ መልከፍቲ ምስ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓቢራ።

    “ጌና ኣብቲ ለብዳ ኢና ዘሎና። ወላ’ኳ እንተዘይረኣናዮ እቲ ቫይረስ ኣብዚ ኣሎ። ዛጊት ክታበት ኮነ ፈውሲ ኣይተረኽቦን ኣሎ። በዚ እዩ ድማ እቲ ብብዝሒ ምንቅስቓስን ምስ ሰባት ምርኻብን ነቲ መልከፍቲ ክውስኽ ጌሩ ዘሎ።

    "ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት መልከፍቲ ብዕጽፊ እዩ ወሲኹ። እዚ ክቕጽል ዘይብሉን ደው ከነብሎን ዝግባእ እዩ” ኢላ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣብታ ሃገር 226,804 ሰባት ኮቪድ-19 ከም ዝሓመሙ ክረጋገጽ ከሎ፡ 9,240 ሰባት ሞይቶም ኣለው።