ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ
- ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 3 ሚልዮን በጺሑ። ትማሊ ጥራይ 69,652 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት መዝቢባ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 55,794 በጺሑ’ሎ።
- ኣብ ኣመሪካ፡ ቁጽሪ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 175,000 ከምዝበጽሓ ተገሊጹ። ኣመሪካ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣመዝቢባ’ላ። ኣብታ ሃገር ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
- ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 600,000 በጺሑ። ኣብታ ሃገር ዛጊት 12,000 ብኮሮቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
- ኣብ ዓለም፡ ብውሑዱ 23 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንለው፡ ኣስታት 800,000 ሞይቶም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ












