ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 8,803 በጺሖም

ሚኒስትሪ ጥዕናን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብን ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መዓልታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብታ ሃገር 9 ሽሕን 911 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ብምክያዱ 328 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም። ኣብ ዙርያ ኮቪድ-19 ዝህልዉ ዓለማዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ምዕባለታት ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ናብ ምድረበዳ ዝተቐየረ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ግብጺ

  2. ብሞዴርና ዝተዳለወ ክታበት ኣብ ሰባት ንዝካየድ ፈተነ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ

    ቤተ ሙከራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣሜሪካዊ ኩባንያ ኣፋውስ ሞደሬና ዝመሃዞ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰባት ንዝካየድ ፈተነ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

    ነቲ ፈተነ 27 ሓምለ 2020 ከምዝጅምሮ ድማ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

    እቲ ኩባንያ ኣብ 30,000 ሰባት ፈተነ ከካይድ ከምዝተዳለወን ዝገብሮ መጽናዕቲ ክሳብ ጥቅምቲ 2020 ከምዝቕጽሎን ገሊጹ።

  3. ኮሮናቫይረስ፡ ዊስኪ ጥራይ ዝሰረቑ ደቡብ ኣፍሪቃውያ

    ኣልኮላዊ መስተ ዊስኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ንመሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ዳግማይ ከም ዝኣገደት ይፍለጥ።

    ትማሊ ሰሉስ ግን፡ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ሓደ ዓብዪ መኽዝን ዊስኪ ከም ዝተዘምተ ተሓቢሩ።

    ዋና እቲ መኽዘን ማርክ ካልነድ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰረቕቲ ነቲ ዊስኪ ዳርጋ ብምልኡ ሒዞምዎ ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።

    እቶም ሰረቕቲ፡ ነቲ ናይ መኽዘን ማዕጾ ብመኪና ሰይሮም ከም ዝኣተው ክግለጽ እንከሎ፡ እንትርፎ ዊስኪ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘይሰረቑ ዋና መኽዘን ተዛሪቡ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ብኮቪድ-19 ተሃሲያ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ዛጊት 275,000 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

    ብሰንሲ እዚ ቫይረስ ልዕሊ 4,000 ሞይቶም ከም ዘለውን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 50,000 ክድይብ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት መንግስቲ የመልክቱ።

  4. ድሓንዶ’ሓዲርኩም?, ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም፤ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ እዚ ዕለት

    ኣብ ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ 197 መዓልታት ተቖጺሮም።

    እዚ ኣብ ቻይና ውሃን ካብ ዝርኣይ ንነጀው፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 13 ሚሊየን ሰባት ዓለም በዚ ቫይረስ ተለኺፎም። ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት’ውን ብምኽንያት እዚ ሕማም ከም ዝሞቱ ይእመን።

    · ዝርግሐ እዚ ለበዳ ምቁጽጻር ክኢላ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ፡ ዋላ’ውን ጥንኩር ሕግታት ምሕላው ኣካላዊ ርሕቐት ግብራዊ ይኸውን እንተሃለወ፡ ብሳልሳይ ዙር ለብዒ ኮቪድ-19 ከም ዝተጠቕዐት ገሊጻ

    · ኣሜሪካዊ ትካል መፍረዪ መድሓኒት ሞደሬና ዝመሃዞ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀረባ ኣብ ሰባት ከም ዝፍትኖ ኣፍሊጡ

    · ኒውዝላንድ እዚ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሕብረሰተብ ይዝርጋሕ እንተድኣሃልዩ፡ ናብ ዕጽዋ ከም እትምለስ ገሊጻ

    መዓልታዊ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ብምህላዩ፡ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ዘለኹም ንነብስኹም ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ብትካል ጥዕና ዓለም ዝወሃቡ መገዲታት ምክልኻል እዚ ሕማም ከተተግብሩ ነዘኻኽር።

    ኢድኩም ብማይን ሳሙናን ተሓጸቡ፣ ሰብ ብብዝሒ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተጠቐሙ፣ ኣካላዊ ርሕቐትኩም ሓልዩ።

    መገዲታት ምክልኻል ምትሕልላፍ ኮሮናቫይረስ