ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 8,803 በጺሖም

ሚኒስትሪ ጥዕናን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብን ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መዓልታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብታ ሃገር 9 ሽሕን 911 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ብምክያዱ 328 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም። ኣብ ዙርያ ኮቪድ-19 ዝህልዉ ዓለማዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ምዕባለታት ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኣውስትራሊያ ቑጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ

    ከተማ ሜልቦርን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ኣውስትራሊያ ዝኾነት ሜልቦርን፡ እታ ብለበዳ ኮቪድ-19 ኣዝያ ዝተጠቕዐት ከተማ እታ ሃገር እያ።

    ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ፡ ኣብ ግዝኣት ቪክቶሪያ 317 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሜልቦርን ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ልዕሊ 200 ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ሰባት ይርከቡ ነይሮም።

    በዚ ምኽንያት ዳግም ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝጸንሕ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣዊጃ። ትማሊ ግን፡ ነዚ ዕጽዋ ዘየኽበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተራእዮም።

    ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ 10ሽሕን 500ን ሰባት፡ ዳርጋ ርብዒ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ኣብ ሜልቦርን ዝተትሓዙ’ዮም።

    ክልተ ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ብምሟቶም፡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ናብ 113 ደይቡ።

  2. ኣብ መቐለ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝዘለቐ ተገሊጹ

    ከተማ መቐለ

    ትግራይ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መቐለ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝዘለቐ ተገሊጹ

    ብመሰረት ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ዝገለጾ ጸብጻብ ትማሊ ጥራይ ኣብቲ ክልል 31 ሰባት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ኮይኑ እቶም 18 ነበርቲ ከተማ መቐለ እዮም።

    ካብዚም እቶም 3 ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር፣ 5 ኣብ ለይታዊ ትልሂት [‘እንዳጭፈራ’]፣ 3 ኣብ ሆቴላት፣ 6 ድማ ነበርቲ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ምዃነን ተገሊጹ’ሎ።

  3. ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንክልተ ሰብኡት ዝተመርዓወት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ

    መርዓ ትሕቲ ዕድመ

    ጓል 12 ዓመት ቖልዓ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ግን ብዕድመ ካብኣ ንዝዓብዩ ክልተ ሰብኡት ክትምርዖ ተገዲዳ።

    እዛ ቖልዓ፡ ኣብ ኬኒያ ዞባ ናሮክ ትነብር። ወላዲ ኣቡኣ መጀመርታ ንወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ክትምርዖ የገድዳ።

    'እምብለይ ጠንጠነለይ' ኢላ ክትሃድም እንከላ፤ መሊሱ ካብኡ ብዕድመ ንእስ ንዝበለ ካልእ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ ክትምርዖ ይገብር።

    ኣብ ኬኒያ፡ 18 ዓመት ዘይመልኣ ጓል ኣንስተይቲ ምምርዓው ገበን'ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ግን ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝተቓልዓ እየን።

    ነዛ ጓል 12 ዓመት ዝረኸባ ሓደ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህጻናት ኮይኑ፡ ንኻልእ ተመሳሳሊ ሓደጋ ተቓሊዓ ዝነበረት ቖልዓ ኣብ ምድሓን ኣብ ዝተዋፈረሉ እዋን'ዩ ረኺቡዋ።

    ድኽነትን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጥረ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን፡ ብርክት ዝበላ ህጻናት ንግዱድ መርዓ የቃልዐን ከም ዘሎ ሰራሕተኛ ማሕበር ሰላም ዞባ ናሮክ ጆሽዋ ካፑታህ ይዛረብ።

    "ገሊኦም ስድራ ጠምዮም ስለ ዘለው፡ ብክልተ ወይ ሰለስተ ከፍቲ ደቆም ኣግዚዞም ምምርዓው ይመርጹ ኣለው" ኢሉ።

    መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ማሳይ ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ማሕበረሰብ ኬኒያ ዝተለምደ ስለ ዝኾነ፡ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ'ዩ።

    ደቂ ኣንስትዮ ማሳይ ደቂ ተባዕትዮ ከም ሃብቲ ስለ ዝቖጽሩወን፡ ብላውጣ ኣሓ፡ ወላዲ ኣቡአን ንዝመረጸለን ሰብኣይ ይምርዓዋ።

  4. ተመራመርቲ፡ ንፈተነ ክታበት ኮቪድ-19 ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት ይድልዩ ኣለዉ

    ክታበት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ተመራመርቲ፡ ፈዋስነት ሓደ ክታበት ኮቪድ-19 ንምርግጋጽ ኣካል እቲ ፈተነ ክኾኑ ንዝደልዩ ወለንተኛታት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

    እቶም ወለንተኛታት ፈለማ እቲ ዝተዳለወ ዓይነት ክታበት ምስተኸተቡ ብድሕሪኡ ንኮሮናቫይረስ ክቃልዑ ክግበር እዩ።

    በዚ መገዲ ኣቢልካ ከኣ ፈዋስነት እቲ ክታበት ንምርግጋጽ ከምዝተሓሰበ ኣረዲኦም።

    እቲ ናብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ኣሜሪካ ቅሉዕ ደብዳበ ዝጽሓፈ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ከምዚ ዓይነት መገዲ ምጥቃም ንምዕባለ ክታበት ከቀላጥፎ ይኽእል’ዩ ኢሎም።

    ዳይሬክተር ፕሮግራማት ክታበት ኮቪድ-19 ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ከምዚኦም ዝበሉ መጽናዕታት “ጭቡጥን ሓባርን” ከምዝኾኑ ገሊጹ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም 23 ክታበታት ኣብ ቤተ ፈተነ ይርከቡ።

    ሓደ ካብዚኦም ኮሮናቫይረስ ዝፍውስ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ወለንተኛታት ክታበት ምስወሰዱ ንኮሮናቫይረስ ተቓላዕቲ ክኸኑ ክግበር እዩ።

    ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ኣሜሪካ ዶክተር ፍራንሲስ ኮሊንስ ግን፡ እዚ “ገና ኣብ ዘተ ዘሎ ጉዳይ እዩ” ብምባል፡ ናብ ተግባር ዝእተወሉ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

    ብደረጃ ዓለም 13.5 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ሞት 583 ሽሕ ሰባት ኣጋጢሙ።

  5. ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ልዕሊ 150,000 ኮይኑ

    ብኮቪድ-19 ዝሞተ ሰብ እናተቐበረ - ሜክሲሰኮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ150,000 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

    ኣብቲ ከባቢ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክውስኽ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    እታ ብዝያዳ ዝተሃሰየት ብራዚል ክትኸውን ከላ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዝዋ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣብታ ሃገር ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ልዕሊ 75,000 በጺሑ'ሎ። ብብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ከኣ ንኣሜሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።

  6. ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 8,803 በጺሖም

  7. ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ሚልዮናት ህጻናት ኣገደስቲ ክታበታት ኣይተኸተቡን ተባሂሉ

  8. ድሓን’ዶ ሓዲርኩም?, እንኳዕ ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ብደሓን መጻእኩም።

    ናይዚ ዕለት ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ከነቕርበልኩም ኢና።

    ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ዓለም ብዛዕባ ሳርስ-ኮቭ-2 ዝተባህለ ቫይረስ እትፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ሃንደበት ግን፡ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ተላቢዑ፡ ሰፍ ዘይብል ሰብኣውን ቑጠባውን ኪሳራታት የስዕብ ኣሎ።

    ካልእ ተሪፉ፡ መነባብሮን ስራሕን ደቂ ሰባት ክቕየር ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። እዚ፡ ንሓዋሩ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካልኣይ ዙር ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ይርኣይ ኣሎ። ኣርጀንቲና ብምኽንያት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ስጋ ቻይና ዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ገለ ናብታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት ሰደድ ጠጠው ክብል ገይራ።

    ብደረጃ ዓለም 13.5 ሚሊዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ ሞት 583 ሽሕ ሰባት ኣጋጢሙ።

    ኩሎኹም አኣብ ዘለኹሞ ነብስኹምን ኣብ ከባቢኹም ዘለውን ካብ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል፡ ብትካል ጥዕና ዓለምን ሰብ መዚ ጥዕና ሃገራትኩምን ዝወሃቡ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ከተተግብሩ ነዘኻኽር።

    ሰናይ መዓልቲ!

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  9. ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ 294 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 5,186 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይሮም 294 ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ከምዝተረጋገጸ ተሓቢሩ።

    እዞም ሎሚ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም 294 ሰባት፡ 209 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ 31 ካብ ክልል ትግራይ፡ 20 ካብ ክልል ጋምቤላ፡ 13 ካብ ክልል ኦሮምያ፡ 9 ካብ ክልል ኣምሓራ፡ 6 ካብ ክልል ዓፋር፡ 4 ካብ ድሬዳዋ፡ 2 ካብ ሶማልያ እዮም።

    ብመሰረት እቲ ሎሚ ካብ ሚኒሰትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ፡ 51 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነው እንከለዉ፡ ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ካብ ክልለ ዓፋር ድማ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

    በዚ በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ናብ 148 ክብ ከብል እንከሎ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ዝተፋነዉ ድማ 4,768 በጺሖም ኣለዉ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 302 ሽሕን 728 መራመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩ 8,475 ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸቦም እቲ ዝተወሃበ መግለጺ ይሕብር።

    ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጅቡቲ 4,979 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሞት 56፤ ኣብ ሶማልያ 3,076 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሞት 93፤ ኣብ ኬንያ 11,252 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሞት 209፤ ኣብ ደቡብ ሱዳን 2,148 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሞት 41፤ ኣብ ሱዳን 10,417 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ሞት 659 ኣብ ኤርትራ ድማ 232 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝኾነ ሞት ኣየጋጠመን ኣሎ።

  10. ግብረመልሲ መንግስቲ ብሪጣንያ ንለበዳ ኮቪድ-19 ዘጻሪ ናጻ መርማሪ ኣካል ክቐውም እዩ

    ቦሪስ ጆንሰን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ንኣተሓሕዛ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብሪጣንያ ዘጻሪ ናጻ ኣካል ክቐውም ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣፍሊጡ።

    ንሱ ከምዝበሎ፡ መንግስቲ ካብ ተመክሮኡ ክምሃር ከምዝደሊ ብምሕባር፡ እቲ መርማሪ ኣካል ኣብ መጻኢ ከም ዝምስረት ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ብናጻ ኣካል ክምርመር ብተቓወምቲ ሰልፍታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ጠለባት ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ።

    እቲ ኣጻራዪ ኣካል ብኸመይ ክቐውም ከም ዝኽእል ዛጊት ኣይተነጸረን።

    ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 44 968 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 292 000 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ።

    ኣብተን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ 138 ሞይቶም።

  11. ኣዘራራቢ ዝኾነ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሚንስተር ጥዕና ቤልጂየም

    ሚንስተር ጥዕና ቤልጂየም ማጊ ደ ብሎክስ ዝገበረቶ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።

    ንሳ ትማሊ አብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር'ያ ነቲ መሸፈኒ ገይራ ዝተረኸበት።

    ኣብቲ ፍልይ ዝበለ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ድማ ምስሊ ገጽ ተሓቲሙ ይረኣይ።

    ቤልጂየም ካብ ቀዳም ጀሚሩ ሰባት ናብ ማእኸላት ዕዳገ፣ አብያተ ሲነማ፣ ሙዝየምን ካልኦትን ክኣትዉ ከለዉ ግድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ውሳነ ኣሕሊፋ እያ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  12. ወናኒ ሓደ ስኑዕ ሰርቲፊኬት ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዝሃበ ሆስፒታል ተኣሲሩ

    ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቤተ ሙከራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፖሊስ ባንግላዲሽ ዋና ናይቲ ስኑዕ ምስክር ወረቐት ሕክምና ኮቪድ-19 ሂቡ ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

    እቲ ሆስፒታል ብኣሽሓት ዝቑጸር ናይ ሓሶት ሰርቲፊኬት ሕክምና ብምሃብ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

    ወናኒ እቲ ሆስፒታል ዝኾነ ሞሓመድ ሻሀድ ናብ ህንዲ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ዶብ ከምዝተትሓዘ ሰበስልጣን ባንግላዲሽ ኣፍሊጦም።

    ንሱ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ድማ ጣልያን እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ካብ ባንግላዲሽ ዝመጽኡ ገያሾ ኮሮናቫይረስ ይርከቦም ኣሎ ብዝብል ኣብ በረራታት ገደባት ብምግባረን እዩ።

    እቶም ገያሾ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ሰርቲፊኬት ሕክምና ሒዞም ኣብ ዝገሹሉ'ዮም እቲ ቫይረስ ዝርከቦም ዘሎ።

  13. ፖሊስ ቺሊ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ዘለልዩ ኣኻልብ ከሰልጥን ጀሚሩ

    ስልጣና ዝወሰዱ ኣኻልብ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ፖሊስ ቺለ ብምሽታት ጥራይ ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ዘለልዩ ኣኻልብ ከሰልጥን ጀሚሩ'ሎ።

    እቶም ስልጠና ዝወስዱ ዘለዉ ኣኻልብ ቅድሚ ሕጂ መዕወኒ ዕጻት፣ ነቶግትን ዝጠፍኡ ሰባትን ንምርካብ ዝሕግዙ ዝነበሩ እዮም።

    ሕዚ ድማ ነቲ ቫይረስ ከሽትትዎ'ኳ እንተዘይከኣሉ እቲ ብኮቪድ-19 ዝሓመመ ሰብ ግን ፍሉይ ጨና ዝፈጥር ረሃጽ ስለዘውጽእ ብኡኡ ንኽፈልይዎ እዩ ስልጠና ክወሃቦም።

    ክሳብ ነሓሰ ሰልጠና ምስተወሃቦም ድማ ኣብ ጣብያታት ባቡርን መንገዲ ኣየራትን ተዋፊሮም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከለልዩ ክግበር'ዩ።

  14. ኣሜሪካ፡ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሓዘቶ ውጥን ሰሪዛ

  15. ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኢንግሊዛውያን ምትካኽ ሽጋራ ኣቋሪጾም

    ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ ንደሓር፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ኢንግሊዛውያን ምትካኽ ሽጋራ ጠጠው ከም ዘበሉ፡ መጽናዕቲ ኣብ ምትካኽ ሽጋራን ጥዕናን ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ኣክሽን ሓቢሩ።

    ካብዞም ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምትካኽ ሽጋራ ጠጠው ዘበሉ ሰባት፡ ምኽንያት እቶም 41 ሚኢታዊት ብቐጥታ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ገሊጹ።

    እዚ እዋን፡ ከቢድ ጥዕናዊ ስግኣታት ዝስትውዓለሉ፣ ኣብ እዋን ውሸባ ትምባኾ ናይ ምርካብ ተኽእሎን ተኣኪብካ ሽጋራ ምትካኽ ዘይከኣለሉ ሃዋህው ብምህላዉን ከም ዝኾነ’ውን ጠቒሱ።

    ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ብወገኑ፡ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ዓመት ቑጽሪ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ከም ዝጎደለን ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብዙሓት ሰባት ጠጠው ከም ዘበሉን ሓቢሩ።

    መንግስታት፡ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ዚያዳ ንከበድቲ ምልክታት ኮቪድ-19 ዝተቓልዑ ምዃኖም ብምግላጽ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

  16. ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኤዥያን ይውስኽ ኣሎ

    ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, JHU

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 351 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዝተረኸቡ፡ መረዳእታ ኢንስቲትዩት ሮበርት ኮች የመላኽት።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ጀርመን 199 ሽሕን 726 ሰባት በቲ ቫይረስ ክትሓዙ ከለው፡ 9071 ድማ ሞይቶም።

    ጀርመን፡ ልዑል ቑጽሪ መርመራ ብምክያድን ኣሰር በቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመሙ ሰባት ዝተተናኸፉ ብምፍላይን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዕቱብ ስራሕ ሰሪሓ ተባሂላ ክትንኣድ ጸኒሓ'ላ።

    ብኻልእ ወገን፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ሜክሲኮን ህንድን ብቕልጡፍ ይመሓላለፍ ኣሎ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ሜክሲኮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 7051 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ከም ዝረኸበ ክገልጽ እንከሎ፡ ምስዚ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ 836 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

    እዚ ድማ፡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ናብ 311 ሽሕን 486 ሓፍ ከም ዘበሎን፡ 36 ሽሕን 327 ሰባት ከም ዝሞቱን የረድእ።

    ኣብ ህንዲ’ውን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ብፍጥነት ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ልዕሊ 28 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ይግለጽ።

    ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘመላኽቶ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሓመሙ ተፈሊጡ።

    ህንዲ ብብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ንኣሜሪካን ብራዚልን ስዒባ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።

    እንተኾነ፡ ኣብዛ ሃገር ቑጽሪ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ።

  17. ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ሚኒስትር ምስ በዓልቲ ቤቱ ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

    ሚኒስትሪ ሃብትታት መኣድንን ጸዓትን ደቡብ ኣፍሪቃ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሚኒስተር ሃብቲ መዓድንን ጸዓትን ደቡብ ኣፍሪቃ ግዌዴ ማንታሺን በዓልቲ ቤቱን ብኮቪድ-10 ተታሒዞም።

    እዞም መጻምዲ ንነብሶም ፈልዮም ከም ዘለውን፡ እቲ ሚኒስትር ድማ ካብ ገዝኡ ምስራሕ ከም ዝቕጽልን መግለጺ ካቢኔ እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ “ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩሎም መሳርሕቱ መርመራ ክገብሩ ኣዚዙዎም ኣሎ” ይብል።

    እቲ ሚኒስተር፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ ጀሚሩ ሰለስተ ጊዜ መርመራ ገይሩ'ሎ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 287 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፡ እዚ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

  18. ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘኸተሎ ዘይምርድዳእ ህይወት ሓደ ሰብ ጠፊኡ

    ነቲ ፍጻመ ዘርእይ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, MICHIGAN STATE POLICE

    ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሚቺጋን ምስ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተታሓሒዙ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንሓደ ሰብኣይ ብበሊሕ ነገር ወጊኡ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀሰብ ብፖሊስ ተቐቲሉ።

    እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ሓደ መደበር ሸቐጣት ከምዝተፈጥረ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ሼን ሩዊስ ዝተባህለ ወዲ 43 ዓመት ውልቀሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበረ ናብቲ መደበር ሸቐጣት ብምእታዉ ሓደ ወዲ 77 ዓመት ወላዲ መሸፈኒ ክጥቀም ይዛረብዎ።

  19. ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ከምዝተረስዑ ውድብ ሕቡራት ገሊጹ

    ስደተኛታት ኣብ የመን

    ምንጪ ስእሊ, IOM

    ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን ከም ዝተጸገሙ ኤጀንሲ ስደት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ዓለምለኻዊ ትካል ስደት [ኣይኦኤም]፡ ኣብ የመን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይን ሕክምናን ንምርካብ ዝተነፍጎም ኣስታት 14 ሽሕን 500 ኢትዮጵያውያን ኣለው ኢሉ።

    ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ተዓጽዮም ብምህላዎም፡ ሕጂ ብዙሓት ጸገማት ይገጥሞም ናብ ዘሎ ኣብ ኤደን ናብ ዘለዋ ዞባታት ማሪብ፣ ላሂጅን ሳዓዳን ተገዲዶም ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።

    እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተቖጺሩ “መበጀዊ” መጥቃዕትን ተነጽሎን ኮይኖም ኣለው።

    “ኣብታ ሃገር ንዝተርኣየ ለበዳ ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር፡ እዞም ኣብ የመን ዘለው ስደተኛታት ኣእምሮኣውን ኣካላውን መጥቃዕቲ በጺሑዎም፡ ኣብ መዳጎኒ ቦታታት ክዳጎኑ ብምግባር ናይ ምንቅስቓስ መሰል ተኸሊኦም ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይክኣሉን” ይብል።

    በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያን ዝሓሸ ቑጠባዊ ዕድላት ንምርካብ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ንምስጋር ናብ የመን ይጉዓዙ።

    በዚ ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቃልዑ’ኳ እንተጸንሑ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ-19 ግን ኩነታቶም ዝኸፍአ ይገብሮ።

    ዝሓለፈ ዓመት፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 130 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ከም ዝኣተው ዓለምለኸ ትካል ስደት ይገልጽ።

  20. ኮሮናቫይረስ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፌስቡክ ብዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ክትእሰር ተፈሪዱዋ

    ኤምና

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ጓል 28 ዓመት ኤምና ቻርኪ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ቁርዓን ብዝጽሓፈሉ መገዲ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብዝጽሓፈቶ ህየላዊ [ሳትሪካል] ጽሑፍ፡ ማእሰርቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተፈሪዱዋ።

    እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ህዝቢ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ክገብሮም ዝግባእ መምርሒታት ዝምልከት ኣብ ፌስቡክ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ እዩ ኣኽሲሱዋ።

    ኤምና፡ ሰባት ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ዘድልዩዎም መምርሒታት ሓለዋ ውልቃዊ ጽርየት ዝምልከት'ኳ እንተጽሓፈት፡ እዚ ጽሑፍ ቅዱስ መጽሓፍ እስልምና ቁርዓን ብዝጽሓፈሉ መገዲ ብምጽሓፋ ግን ገበኛ ተባሂላ።