ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 282 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኸቢብዎም
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 282 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
ካልኦት 239 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓዊዮም ከምዝፋነ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ዛጊት ብድምር 4152 ሰባት ካበቲ ቫይረስ ሓዊዮም ኣለው።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ዝተለኸፉ ሰባት 7402 በጺሑ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ቦታታት ዝተረኽቡ’ዮም፡
- ድረዳዋ = 75
- ኣዲስ ኣበባ = 179
- ጋምበላ = 15
- ትግራይ = 7
- ኦሮምያ = 2
- ዓፋር ድማ 2 ተለኺፎም ተረኪቦም።
ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕጂ 28,1069 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይራ ኣላ።