'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ን49 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናብ ድኽነት ከእትው ይኽእል'ዩ'
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ 49 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ድኽነት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።
እቲ ባንኪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ በቲ ቁጠባዊ ምድኻም ከምዝህሰያ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዘንቆልቁል ቁጣባ ድማ ኣብ 2021 ናብ ዝነበሮ ዝምለሰሉ ኩነታት ከምዝህሉ ኣተንቢሁ።
ብቑጠባ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዝርከባ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዳዲ ሰደድ ዝገብራ ናይጀርያ፣ ኣንጎላን ኣልጀርያን'ውን በቲ ለበዳ ተሃስየን እየን።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተደንገጉ አዋጃት ዕጽዋ ድማ ንቑጠብአን ካብ ምህሳዮም ብተወሳኺ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስራሕ ክፈናቐሉ ምኽንያት ከምዝኾኑ ይግለጽ።