እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 17 ሰባት ኮቪድ-19 ተረኺብዎም 51 ድማ ሓውዮም
Published
ኣብ ኤርትራ፡ 17 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቶም ሰባት፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ መርመራ ድሕሪ ምግባሮም’ዩ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ተረጋጊጹ።
ኩሎም “ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ’ዮም” ክብል እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ካልኦት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 51 ሰባት ግን ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ድምር ቁጽሪ ዝተለኽፉ 232 ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብዚኦም 107 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 125 ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣድላዪ ክንክን ይገበረሎም ከም ዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ። ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን።
ኤርትራ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። እቲ ዕጽዋ፡ ኩነታት ናይቲ ቫይረስ ብዘፍቅዶ መሰረት፡ እናፈኾሰ ክኸይድ ምዃኑ፡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ናይቲ ለበዳ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።