ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 7000 ሓሊፉ

ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ ጀሚሩ ኣብ 275 ሽሕን 930 ቅምሶታታት ምርመራ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብቶም 7120 ሰባት ድማ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 282 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኸቢብዎም

    ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 282 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    ካልኦት 239 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓዊዮም ከምዝፋነ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ዛጊት ብድምር 4152 ሰባት ካበቲ ቫይረስ ሓዊዮም ኣለው።

    ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ዝተለኸፉ ሰባት 7402 በጺሑ ኣሎ።

    ብመሰረት እቲ ሎሚ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት ኣብዞም ዝስዕቡ ቦታታት ዝተረኽቡ’ዮም፡

    • ድረዳዋ = 75
    • ኣዲስ ኣበባ = 179
    • ጋምበላ = 15
    • ትግራይ = 7
    • ኦሮምያ = 2
    • ዓፋር ድማ 2 ተለኺፎም ተረኪቦም።

    ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕጂ 28,1069 ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይራ ኣላ።

  2. ኣብ እንግሊዝ ብዉሑድ 16 ግድም ሓደር ብኮቪድ-19 ሞይቶም ተረኺቦም

    ኣብ ጎደና ዝደቀሰ ሰብ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ እንግሊዝ ብውሑድ 16 ግዳም ሓደር (ጎደና ተመሓደርቲ) ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሊጡ።

    እቶም ሰባት ኣብቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ቀዳማይ ዙር ኣዋጅ ዕጽዋ ጥራይ ሞይቶም ከምዝተረኸቡ እዩ ተገሊጹ።

    እንተኾነ ስለዘይተጸብጸቡ እምበር ካልኦት ብዙሓት'ውን ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ካብቶም ዝሞቱ ዝበዝሑ ደቂተባዕትዮ ከምዝኾኑ'ዩ ተገሊጹ።

  3. ሲንጋፖር ኣብዚ እዋን ለበዳ ሃገራዊ መረጻ ተካይድ ኣላ

    ሰልፊ 'ፒፕልስ ኣክሽን ፓርቲ' ክዕወት ግምታት ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሲንጋፖር ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብቁጠባ ኣብ ዝተፈተነትሉ ኩነታትን ሃገራዊ መረጻ ተካይድ ኣላ።

    እዛ ደሴታዊት ሃገር ሓንቲ ካብተን ኣብዚ እዋን ዓለማዊ ለበዳ ሃገራዊ ምርጫ ዘካየዳ ሃገራት ዓለም ኮይና።

    ስግኣታት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ብምእታው ጥንቃቀ ብዝተመልኦ እቲ ምርጫ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

    ድምጺ ዝህቡ ዜጋታት'ውን መሸፈኒ ኢድ (ጓንት)ን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ተጠቒሞም ኣብቲ ምርጫ ይሳተፉ ኣለዉ።

    ሲንጋፖር ሓንቲ ካብተን ኣብ እስያ ፓስፊክ ብኮሮናቫይሰረስ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ኮይና፡ ልዕሊ 45,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዝዋ ይግለጽ።

    እታ ሃገር ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ እዋን ጀሚሩ ብሓደ ውድብ (ሰልፊ) ፖለቲካ ማለት 'ፒፕልስ ኣክሽን ፓርቲ' እናተመርሐት ትርከብ።

  4. ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ልዕሊ 65,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ

    ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ ጥራይ ልዕሊ 65,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ውጽኢት ምርመራ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ቁጽሪ ድማ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ክምዝገብ ካብ ዝጸንሐ ብዝሒ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 3.2 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙ ጸብጻት የመልክቱ። እዚ ከኣ ኣብ ዓለም ቅድሚት ክትስራዕ ገይሩ'ሎ።

    ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት'ውን ወሰኽ እናተረኣዮ ይርከብ።

    ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ዝረኣይ ዘሎ ምውሳኽ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ መጠነ ሰፊሕ ምርመራ ከምዝተሓሓዝ ይገልጽ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  5. ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዘጋጥም ሞት 1.5 ሚልዮን መቓብራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

    መቓብር ዝኹዕት ሰብ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ጥዕና ግዝኣት ጋውተን ዝኾነ ባንዲሌ ማሱኩ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዘጋጥም ሞት 1.5 ሚልዮን መቓብራት ይዳሎ ብምባሉ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ።

    እቲ ሓላፊ ነዚ ዝበለ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዩ።

    ቢቢሲ ዘዘራረቦ ወሃቢ ቓል ቢሮ ጥዕና ክዋራ ኬካና ብወገኑ "ዋላ'ውን ብዛዕባ ሞት ምዝራብ ከም ነውሪ እንተተቖጸረ ምስቲ ዘሎ ሓቂ ግን ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ክንዘራረብ ይግባእ" ኢሉ።

    ግዝኣት ጋውተንግ ነታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ተሃስያ ዘላ ከተማ ጆሃንስበርግ'ውን እትሓቁፍ እያ።

    ህዝቢ ጻዕቂ ብዘለዎ ኩነታት ዝነበር ብምዃኑ እቲ ለበዳ ካብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ኩነታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግለጽ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 225 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ ከባቢ 3 ሽሕን 600 ድማ ሞይቶም።

  6. ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 17 ሰባት ኮቪድ-19 ተረኺብዎም 51 ድማ ሓውዮም

    ከተማ ኣስመራ

    ኣብ ኤርትራ፡ 17 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

    እቶም ሰባት፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ መርመራ ድሕሪ ምግባሮም’ዩ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ተረጋጊጹ።

    ኩሎም “ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ’ዮም” ክብል እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

  7. ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 7000 ሓሊፉ

    ረስኒ ሰብነቱ ዝዕቀን መንእሰይ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ ጀሚሩ ኣብ 275 ሽሕን 930 ቅምሶታታት ምርመራ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብቶም 7120 ሰባት ድማ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

    ትማሊ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 3 ሽሕን 476 ሰባት እቶም 147 በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ።

    473 ሕሙማት ሓውዮም ካብ መሕከሚ ማእኸላት ክወጽኡ ብምኽኣሎም እውን፡ ብዝሒ ናይቶም ክሳብ ሕዚ ዝሓወዩ ሰባት 3 ሽሕን 913 በጺሑ።

  8. ቀጥታዊ ፈነወ ቢቢሲ ትግርኛ ዕለተ ዓርቢ

    ሰላም ከመይ ሓዲርኩም!

    ኣብዚ ዕለት ዝህልዉ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ብቐጥታ ክትከታታሉ ከምእትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈትው።

    ናይ ትማሊ ዜናታት ካብዚ ጽሐፍ ንታሕቲ ናይ ሎሚመዓልቲ ድማ ብላዕሊ ትረኽብዎም።

  9. ኣብ ህንዲ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 750,000 በጺሑ

  10. ናይጀርያ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ዘሕለፈቶ ውሳነ ሰሪዛ

  11. ጥምየት ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ሰባት ክቐትል ይኽእል'ዩ - ኦክስፋም

  12. ሚንስተር ምክልኻል እስራኤል ነብሰ-ውሸባ ገይሩ

  13. ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተናዊሑ ዝጸንሐ ፍርዲ ሞት ሓደ እሱር ተፈጻሚ ኮይኑ

  14. አብ ሰርቢያ ንኣዋጅ ዕጽዋ ብምቅዋም ዝተወልዐ ዓመጽ ንኻልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ

  15. ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ጥራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ

  16. ኣብ ኢትዮጵያ 199 ሓደስቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

  17. ዘወርቲ ሞተር ብሽክሌታ ዩጋንዳ ንመንግስቲ ከሲሶም

  18. ውሳነ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቪዛ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ንብዙሓት ኣቖጢዑ

  19. ሚንስተር ጥዕና ዚምባብወ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

    ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ንሚንስተር ጥዕና ኦባዲሃ ሞዮ ካብ መዝነቱ ኣልዩ።

    እቲ ሚንስተር "ዘይእርኑብ ጠባያት ኣርእዩ" ብዝብል ካብ ስልጠኑ ከምዝተኣለየ ተገሊጹ'ሎ።

    "ካብ ሓደ ሚንስትር ትጽቢት ብዘይግበረሉ ባህርያት" ከምዝተሰጐጐ ዋና ጸሓፊ ፕረዚደንት ዚምባብወ ሚሺክ ሲባንዳ ብትዊትር ኣብ ዝጥቅዖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    እቲ ሚንስትር ግን ብዛዕባ'ዚ ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።

    ሚንስተር ጥዕና ማዮ፡ ምስ ዕድጊት ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተፈጸመ ብልሽውና ተሳቲፉ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኣሲሩ ነይሩ።

    ብድሕሪኡ ድማ መሰል ዋሕስ ተዋሂብዎ ክፍታሕ ክኢሉ።

    ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ንምክልኻል እቲ ለበዳ ዘገልግሉ አፋውስ፣ መመርመርታትን ካልኦት ናውትን ንምቕራብ ተወዳዲሮም ንዝተሰዓሩ ተጫረትቲ ኩባንያታት ዕድል ሂቡ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪቡሉ።