ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 10.8 ሚልዮን በጺሑ

ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምብጽሑ ገሊጹ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ዝተራእየ ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ናይ ዪኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ጋቦን ሓንቲ ካብተን መሰላት ሕደ-ጾታውያን ዘኽብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እያ

    ታሕተዋይ ባይቶ ጋቦን ኣብ ልዕሊ ሕደ ጾታውያን ዝወርድ ኣድልዎታትን ተነጽሎን ደው ከብል ድሕሪ ምድማጹ፡ ላዕልዋይ ባይቶ እታ ሃገር’ውን ድሕሪ ሓደ ሰሙን ነቲ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ውሳነ ዝድግፍ ድምጺ ሂቡ ኣሎ።

    እዚ ብክልቲኡ ቀጸላታት ባይቶ እታ ሃገር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተቐባልነት እንተረኺቡ ጋቦን ሓንቲ ካብ ውሑዳት መሰላት ሕደ ጾታውያን ዘኽብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እያ።

    ነቲ ብክልቲኡ ባይቶታት ዝሓለፈ ውሳነ ካብ ጸለውቲ ፖሎቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን፤ ጋቦን ካብ ሃገራት ወጻኢ ሓገዝ ንኽትረክብ ዘተኣታተወቶ እዩ ብምባል ተቃውሞታት የጋጥሞ ኣሎ።

    ዝሓለፈ ዓመት ሃገረ ጋቦን ንግበረ ሰዶምነት ኣብ ዝርዝር ገበን ብምእታው፡ ኣብ ከምዚ ተግባር ዝተረኸበ ሰብ ሽዱሽተ ወርሒ ክእሰርን ብገንዘብ ክቅጻዕን ዝድንግግ ሕጊ ኣጽዲቃ ነይራ እያ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ኣገባብ እየን ዝኽተላ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ግብረ ሰዶምነት ኣብቲ ብሞት ዘቕጽዓ ዓይነታት ገበናት እዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

    ጋቦን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  2. ኣብ ትግራይ መረፃ ንምክያድ ክልተ ኣዋርሕ እኹል ድዩ?

  3. ኣብ ህንዲ ሓዲሽ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰባት ይፍተን ኣሎ

    ኣብ ህንዲ ዝተሰርሐ ሓዲሽ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰባት ይፍተን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

    እቲ ኣብ ሃይድረባድ ዝርከብ ‘ባዮ-ተክ’ ኣብ ቊጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ይፍትኖ ከምዘሎ ተገሊጹ።

    እቲ መድሃኒት ኣብ እንስሳታት ተፈቲኑ፡ ውሑስን ዝነኣድ ውጽኢትን ከምዝረኸብዎ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።

    ብደረጃ ዓለም ኣስታት 120 ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ኮኖናቫይረስ ኣብ ፈተነ ከምዘለው ይግለጽ።

    ህንዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  4. ኣብ ቻይና ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ተረኺቡ

    ኣብ ቻይና ኣብ መጸኢ ዓለማዊ ተላባዒ ሕማም ከኸትል ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ከምዝተረኸበ ተመራመርቲ ገሊጾም።

    እቶም ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ሓሸማ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፡ ንሰብ ከጥቅዕ ዝኽልእ ዓይነት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

    እዞም ተመራምቲ ብምስዓብ፡ እዚ ቫይረስ ብቐሊሉ ቅርጹን ባህሩን ክቐያይር ዝኽእል ኮይኑ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ክመሓላላፍ ስለዝኽእል፡ ዓለማዊ ለበዳ ከየኸትል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም ኣለዉ።

    እዚ ኣብ ቻይና ዝተረኸበ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ፡ ዋላ እኳ ሕጂ ቀጥታዊ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል ኣይኹን፡ ኣብ መጻኢ ግን ዓቢ ዓለማዊ ስግኣት ናይ ምዃን ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ብቐረባ ምክትታል ከምዝደሊ እዞም ተመራመርቲ ብምግለጽ፡ እቲ ቫይረስ ሓድሽ ምስ ምዃኑ ሰባት ንዕኡ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከጥርዩ ግዜ ከምዝወስደሎም እዮም ዝገልጹ።

    ሓዲሽ ቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  5. ኢራን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ

  6. ወድብ ጥዕና ዓለም ካብዚ ዘለናዮ ዝኸፍኣ ክመጽእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

    ወድብ ጥዕና ዓለም ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝብኣሰ ነገር ክመጽእ ከምዝክል ኣጠንቂቑ።

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ መንግስታት ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅኑዕ ፖሊሲ እንተዘይተኸቲለን ብዙሐት ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ኮሮናቫይረስ ኣብ መወዳእታ ናይ 2019 ኣብ ቻይና ምስ ተራኣየ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ድማ ሞይቶም ኣለዉ።

    እዚ ቫይረስ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ብቅልጡፍ እዩ ዝላባዕ ዘሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ደቡብ ኤስያን ድማ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ብኸቢድ ተጸልየን ይርከባ።፥

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  7. ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 10.8 ሚልዮን በጺሑ

  8. ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ “ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ" ተባሂሉ

    ሰልፊ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታተ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ይግለጽ፤ ብፍላይ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ድማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

    ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ድማ፡ ካብተን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ዘስፋሕፍሓለን ዘሎ ግዝኣታት ኮይና ምህላዋ ተገሊጹ።

    መራሒ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ግሬት ኣቢት “እዚ ለበዳ ዘይተጸበናዮን ሓደገኛ መስመርን ሒዙ ኣሎ” ኢሉ።

    ግሬት ኣቢት ብምስዓብ፡ ኣብታ ግዘኣት ኣብ መዓልቲ ክልተ ሽሕ ዝልከፉ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ግዜ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ክብ ኢሉ ምህላዉ ሓቢሩ።

  9. ቻይና፡ ባህላዊ መድሃኒት ኣብ ምፍዋስ ኮቪድ19 ክውዕል ተተባብዕ ኣላ

    ባህላዊ መድሃኒት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቻይና፡ ጎኒ ጎኒ ብተመራመርቲ ክታበት ኮቪድ 19 ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ቅልስ፤ ባህላውያን ሓካይም’ውን 'ቲሲኤም' ዝተባህለ ባህላዊ መድሃኒት ቻይና፡ ብኮሮናቫይረስ ንዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ምሕካም ንኽውዕል ተተባብዕ ምህላዋ ተገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝወጽአ መግለጺ፡ 92 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት፡ ብባህላዊ ኣገባብ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

    ‘ቲሲኤም’ ኣብ ቻይና ኣዝዩ ፍሉጥ መድሃኒት ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝጠንተወ ዓይነት ባህላዊ መድሃኒት እዩ።

    ክኢላታት መድሃኒት፡ ቻይና ‘ቲሲኤም’ ኣብ ውሽጢ ሃገራን ኣብ ወጻእን ከተስፋሕፍሖ እያ ትደሊ ክብሉ እንከለዉ፡ ክኢላታት ሕክምና ግን ብጥቅሚ ‘ቲሲኤም’ ወትሩ ምስ ተጠራጠሩ እዮም።

  10. ቻይና ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለዝረኣየት 400,000 ሰባት ከይንቀሳቐሱ ኣጊዳ

    ምርመራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቻይና፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ቤጂንግ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ስለዝረኣየት፡ 400,000 ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ፡ ዳግም ጥቡቕ ዕጽዋ ኣንቢራ።

    ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ዝፍቀደሎም፡ ከም ሓካይም ዝበሉ ኣገደስቲ ዕማማት ዝፍጽሙ ሰባት ጥራይ እዮም።

    ካብ ሓንቲ ስድራ ድማ፡ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ፡ ሃለኽቲ ነገራት ንምዕዳግ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ይፍቀደሉ።

    ቻይና፡ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥማ ተጠንቂቓ እያ ትሕሉ ዘላ።

    በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ከባቢ መጠን መልከፍቲ እንትውስኽ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ብጥንቃቐ እዮም ዝኣልይዎ።

  11. ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ካብ ፍርቂ ሚልዮን ሓሊፉ

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ 501,281 ምብጽሑ ገሊጹ።

    እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ዝተራእየ ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ናይ ዪኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።

    ፍርቂ ናይዞም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ካብ ኣውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሕማም ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ብቅልጡፍ እዩ ዘስፋሕ ዘሎ።