ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 10.8 ሚልዮን በጺሑ

ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ብኮቪድ-19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ምብጽሑ ገሊጹ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ዝተራእየ ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ናይ ዪኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት በጺሑ

  2. ኣመሪካ፡ ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊታ ክትንኪ ወሲና

  3. ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ምእሳር ላዕለዎት መራሕቱ ከምዘሻቕሎ ገሊጹ

  4. ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተወለዐ ናዕቢ፡ ዛጊድ 81 ሰባት ተቐቲሎም

  5. ኣብ ኢትዮጵያ 79 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም

    መወሸቢ ማእከል ምዕራብ ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, ASSOW 2020

    ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 79 ተወሰኽቲ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ።

    ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ከምዝሞተ’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

    ሓደ ካብቶም ዝተለኽፉ፡ ድሕሪ ሞቱ ብዝተገብረሉ መርመራ’ዩ እቲ ቫይረስ ሒዝዎ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ።

    እቶም ሓደስቲ ልኹፉት፡ 47 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 13 ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ 11 ኣብ ክልል ዓፋር፡ 5 ኣብ ክልል ሶማሊን፡ 3 ኣብ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረኽቡ’ዮም።

  6. ብዓለም ደረጃ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 10.5 ሚልዮን በጺሖም

    ህዝቢ ኣብ ጎደና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቀጽሪ ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 10.5 ሚልዮን ከም ዝበጽሐ ተፈሊጡ።

    ኣብታ ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ኣመዝጊባ ዘላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ 2.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

    ኣብታ ሃገር ልዕሊ 127,000 ካብኦም ሞይቶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የረድኡ።

    ዝኸፍአ ለብዒ ናይ ለበዳ ኣጋጢምዋ ዘሎ ካልኣይቲ ሃገር ድማ ብራዚል’ያ።

    ክሳብ ሕጂ 60,000 ክሞቱ እንከለዉ፡ ዝተለኽፉ 1.4 ሚልዮን በጺሖም።

  7. ረምደሲቪር እንታይ እዩ?

    ረምደሲቪር ንኢቦላ መሐከሚ ተባሂሉ ዝተሰረሐ መድሃኒት እዩ።

    ቫይረሳት ኣብ ውሃዮታትና ኣትዮም ንኽፋረዩ ዝጥቀምሉ ‘ኢንዛይም’ ብምጥቃዕ ድማ’ዩ ንህላወ እቲ ቫይረስ'ዩ ዘምክን።

    ሃገራት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብርጣንያን ካልኦት ሃገራትን ድማ ከም መሐከሚ ኮቪድ 19 ክውዕል ተቀባልነት ሂበንኦ ኣለዋ።

    ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገበረ መጽናዕቲ እቲ መድሃኒት ሕሙማት ኮቪድ 19 ካብቲ ንቡር ብኣርባዕተ መዓልታት ቀልጢፎም ክሓውዩ ከምዘኽኣሎም እዩ ዝሕብር፡ እንተኾነ ብሓቂ ምሉእ ብምሉእ ከሕዊ ይኽእል ድዩ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ’ዩም ብዙሓት ተመራመርቲ ዝዛረቡ።

    መፍረ መድሃኒት ጊለድ ሳይንስ፡ ኣብ ደቡብ ኤስያ ዝርከቡ ኣፍረይቲ መድሃኒት ውዕል ብምፍራም ዓቕሚ ኣፍራይነቱ የዕቢ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ።

    እተን ምስ ጊለድ ሳይነስ ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ዘለዋ መፍረ መድሃኒታት ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ዝርከባ ኮይነን እቲ ትካል ናብ 127 ሃገራት ፍርያቱ ንከብጽሕ ከምዝሕግዞ ተሓቢሩ ኣሎ።

    ረምደሲቪር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  8. ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ መድሃኒት ርምደሲቪር ክትገዝኦ እያ

    ኣሜሪካ፡ ዳርጋ ንብምልኡ ካብ ትካል ጊሊድ ሳይንስ ዝፈሪ መድሃኒት ርምደሲቪር ክገዝኦ ከምዝሰማማዐት ተገሊጹ።

    መድሃኒት ርምደሲቪር ኣብ ኣሜሪካ ከም መሐከሚ ሕሙማት ኮቪድ 19 ኮይኑ ክውዕል ምሉእ ፍቃድ ረኺቡ ዘሎ መድሃኒት እዩ።

    ርምደሲቪር ሕሙማት ኮቪድ 19 ካብቲ ሕማም ቀልጢፎም ንኽሓውዩ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ እዩ ዝንገረሉ።

    እቲ ካብ ክፍሊ ምክትታተል ጥዕና ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ኣሜሪካ ምስ ትካል መፍረ መድሃኒት ጊሊድ ሳይንስ ‘ኣገራሚ’ ዝኾነ ስምምዕ ከምዝተፈራረመት እዩ ዝሕበር።

    መፍረ መድሃኒት ጊሊድ ሳይንስ ናኣሜሪካ ፍርቂ ሚልዮን ዶዝ እዩ ከቅርበላ።

    በዚ መሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝፍርዮ መድሃኒት ብምልኡ ናብ ኣሜሪካ እዩ ከረክባ። ናይ ውርሒ ነሓሰን መስከረምን ድማ 90 ሚእታዊት ናይ ፍርያቱ ናብ ኣሜሪካ እዩ ከኸይድ።

    ትካል መፍረ መድሃኒት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  9. ኣብ ኣሜሪካ፡ መዓልታዊ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክለከፉ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታ ቀሪቡ

    ኣብ ኣሜሪካ ፍሉጥ ተመራማሪ ሕማማት ዝኾነ ዶክተር ኣንቶኒ ፉቺ ንላዕላዋይ ሓጋጊ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብታ ሃገር መዓልታዊ 100 ሸሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምስ ዝርከቡ ‘ዘገርም ኣይኮነን’ ኢሉ።

    “ብንጹር ክንፈልጦ ዘለና ነዚ ሕማም ኣይተቆጻጸርናዮን ዘለና” ብምባል ብዙሓት ኣሜሪካውያን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብሩን ኣካላዊ ምፍንታት ዘየተግብሩ ምዃኖምን ነቲ ነገር የብእሶ ምህላዉ ገሊጹ።

    እቲ ዶክተር ፍርቂ ካብቶም ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ካብ ኣርባዕተ ክፍለ ግዝኣታት ምዃኖም’ውን ጠቒሱ።

    እተን ብዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ተሃሲየን ዘለዋ ግዝኣታት ፍሎሪዳ፡ ኣሪዞና፡ ቴክሳስ ከምኡ'ውን ካሊፎርንያ እየን።

    ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 40,000 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ መዓልታት’ውን ተመሳሳሊ ብዝሒ ይምዝግብ ስለዝነበረ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

    ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  10. ‘ዋዕላ ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 2020’ ይጋባእ ኣሎ

  11. ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ቅትለት ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብናጻ ወገን ክጻረ ጸዊዑ

  12. ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቦም 35 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

  13. ኣብ ኦሮምያ ከተማ ኣዳማ፡ ሸውዓተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም

  14. ኣብ ኤርትራ 12 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

    ከባቢ ነፋሲት

    ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተገብሩ መርመራታት 12 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ንሳቶም፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዘለዉ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

    ኣብ ሰንዓፈ፡ 4፡ እንዳገርግስ 1፡ ቃሩራ 4፡ ኣብ ከተማ ናቕፋ ድማ 1 ዝተረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

    እቶም 5 ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 7 ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝተረኽቡ ድማ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ’ዮም።

    ኣብ ኣስመራ ኣብ ሆስፒታል ክእለዩ ዝጸንሑ 3 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ከም ዝተፋነዉ እቲ መግለጺ የረድእ።

    ክሳብ ሎሚ፡ ድምር ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝተለኽፉ 203 በጺሑ’ሎ። ካብዚኦም፡ እቶም 56 ሓውዮም ዝወጹ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካልኦት 147 ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ኣለዉ።

  15. ግብረ መልሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

  16. ኩዕሶ እግሪ፡ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2021 ንዝቕጽል ዓመት ተሰጋጊሩ

    ዋንጫ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    እቲ ኣብ 2021 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ (African Cup of Nations) ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንጥሪ 2022 ተሰጋረሩ።

    እቲ ውድድር ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት 2021 ክካየድ’ዩ ተሓሲቡ ነይሩ።

    ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ክካየድ ዝነበሮ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝካየድ ውድድር ቻምፕዮና ሃገራት (African Nations Championship) ኣብ ጥሪ 2021 ክካየድ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ወሲኑ’ሎ።

    ክልቲኦም ውድድራት ኣብ ካሜሮን ክካየዱ ዝተመደቡ ምዃኖም ይፍለጥ።

  17. ፖሊስ ፌዴራል፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ውሽጢ መኪና ከምዝተቐትለ ገሊጹ

  18. ብሰንኪ ዝለሓዄ ቪድዮ ኣርባዕተ ኣባላት ቦርድ ኤሪሳት ካብ መዝነቶም ወሪዶም

  19. ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንትርኔት ተቛሪጹ

  20. ኣብ ሱዳን ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ዝሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝህሉ ተገሊጹ

    ሱዳን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ሱዳን፡ ምስ ምሕደራ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዕግበት ዘይተሰመዖም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝወጽኡ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፊ ገሊጾም።

    ማሕበር ሞያተኛታት ሱዳን ዝመርሖ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላይ፡ ናይ መሰገጋሪ መንግስቲ፡ ሲቪላዊ ምምዳርን ሓጋጊ ባይቶ ክቐውምን ክጠልብ ጸኒሑ እዩ።

    እቲ ንዑመር ኣል በሽር ካብ ስልጣን ዘውረደ ሰለማዊ ሰልፊ ዓመት ኣቑጹሩ’ሎ።

    ብዘይካ እዚ 30 ሰነ 1989 ዑመር ኣልበሽር ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ዕለት እዩ።

    ሕጂ ድማ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ናይ ልፍንታዊ መንግስቲ ከቕውም ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።