እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ቻይና እቲ ለበዳ ዳግማይ ከይደግስ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ናይዚ ዕለት’ዚ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ጸብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ትግራይ፡ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ 3 ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ተረኺቦም።
ንሳቶም፡ ካብቶም 393 መርመራ ዝተገብረሎም ሰባት ምዃኖም ሰብመዚ ጥዕና እቲ ክልል ሓቢሮም።
ኣብ ማእከል ጥዕና ሰቲት ሑመራ ክእለዩ ዝጸንሑ 3 ድማ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ተፋንዮም ከም ዘለዉ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብቲ ክልል ዛጊት፡ ብድምር 156 ተሰከምቲ ናይቲ ቫይረስ ተረኺቦም ኣለዉ። ን6,108 ሰባት ድማ መርመራ ተገይሩሎም።
ሓላፊ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መልቀቒ ዘእተወሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ናብ ኬንያ ዝተላእኸ ሓገዝ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናበይ ኣተወ?
ሰብዓል መዚ ኬንያ፡ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንዝግበር ቃልሲ ንምሕጋዝ ካብ ቻይና ዝተላእኸ ናውቲ ብምጥፍኡ መርመራ ከካይዱ ጀሚሮም።
እቲ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝተላእኸ ናውቲ መከላኸሊ ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ሓካይም ዝኽደንዎም ኣልባሳት፣ ኣብ መወሸቢ ዝኣትዉ ሰብ ሞያ ዝገብርዎ ጋውንን መዐቀኒ ረስንን ዝርከቦ ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንዋት ናበይ ከምዝኣተወ ኣይተፈልጠን።
ኬቲኤን (KTN) ዝተባህለ መደበር ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘዳለዎ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ምስ መንግስቲ ዝሰርሑ ኩባንያታትን ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ቻይናውያን ሰብ ሃብትን ነቲ ብሓገዝ ዝመጽአ ንብረት ብኸመይ ከምዝጨወዩዎ ይገልጽ።
እቲ ኩባንያ ንገለ ካብቶም ዝተሰርቁ ናውቲ፡ ተመሊሱ ንመንግስቲ ብሓገዝ ክልግስ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ ተግባር ተቓሊዑ።
ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ናብ ኬንያ ዝተላእኸ ሓገዝ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናበይ ኣተወ?
ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት 393 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ ኮይኑ ሰለስተ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ብኻልእ ገፅ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ሰቲት ሑመራ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ሎሚመዓልቲ ድሒኖም ወፅኦም ኣለዉ።
ብድማር ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 6,108 ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 156 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።
ካብዚኦም 141 ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ ካብዚኦም ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ ገይሩ ኣብ መቐለ መሐከሚ ማእኸል እንትኾን 10 ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ።
15 ሰባት ድማ ካብ ኮሮናቫይረስ ዲሒኖም ወፂኦም እዮም፡፡
ትውልዲ ሶማሊያዊት ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ወላዲኣ ብኮሮናቫይረስ ስኢና
ትውልዲ ሶማሊያዊት ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ኢልሃን ዑመር፡ ኣቡኣ ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ኣፍሊጣ።
ኢልሃም ምስ ኣቡኣ ኑር ሞሓመድ፡ ካብቲ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ሃዲሞን'ዮም ብ1995 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ።
ንሳ ንፈለማ እዋን ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝተመረጸት ኣስላመይቲ ጓልኣንስተይቲ እያ።
'ተስፋ ኣይቀበጽኩን ቱሪስት ዝመጽኡሉ እዋን ይምለስ ይኸውን’ መራሒ ዑደት ኣብ ኣክሱም
ደቡብ ሱዳን፡ ሕጽረት ምስትንፋስ ኣጋጢምዎም ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ይወስኽ ኣሎ
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ፡ ሕጽረት ምስትንፋስ ኣጋጢምዎም ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ይወስኽ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር መዓስከር ልዕሊ 111,700 ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝካየድ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ይነብሩ።
ዶክተር ጆሲፍ ዋማላ ጁባ ካብ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ መዓስከር ብሕጽረት መግቢ ዝተሃሰዩ ሰባት ስለዘለዉ ዝርግሐ እቲ ሕማም ስግኣት ከምዝፈጠረ ገሊጹ።
"እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ምስትንፋስ ዘጋጥም ሞት ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ምዃኑ ንምንጻር ምርመራ ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ 1,693 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዘለውን፤ ካብኣቶም እቶም 27 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።
ኣብ ሱዳን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 468 በጺሑ
ኣብ ሱዳን፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት 7,435 በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ካብዚኦም 468 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ 2720 ሰባት ድማ ሓዊዮም።
እቶም ዝበዝሑ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ከተማ ካርቱም ምዃኖም'ውን እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ሱዳን፡ ትማሊ ጥራይ 215 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት መዝጊባ።\
ካብ ሱዳን ንዞባ ጋሽ ባርካ-ኤርትራ ዝኣተወ ለበዳ ኮሮናቫይረስ
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ብዝተኻየደ መርመራ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 67 በጺሑ'ሎ።
ኣብታ ሃገር፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስ ሰብ ዋላ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 7,158 ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡትን የመንን ተመሊሶም ከምዘለው ተገሊጹ።
ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ገለ ዜጋታት ኤርትራ ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ሰጊኦም ንኤርትራ ከምዝተመልሱ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ነቲ ኣብ መታሕት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።
ኣብ ኤርትራ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 109 በጺሑ'ሎ።
ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ
ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ገደባት ምፍኳስ ካብ እትጅምር ሰሙን ኣብ ዝሓለፋ ህንዲ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይንህር ኣሎ።
ኣብ መእተዊ እዚ ሰሙን ጥራይ ብተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት 11,000 ሓደሽቲ ረኽስታት ከምዘመዝገበት ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።
ህንዲ ልዕሊ 300 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምሓዝ ኣብ ዓለም ብራብዓይ ደረጃ ትስራዕ።
ኣብታ ሆስፒታላታ ብሕሙማት ኮቪድ-19 ዝተጨናነቑላ ከተማ ደልሂ እውን ቁጽሪ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ከይውስኽ ስግኣት ኣሎ።
ሰብሙያ እታ ሃገር ብወገኖም እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ከኸትሎ ዝኽእል ዝለዓለ ቁጽሪ ዝተሓዙ ሰባት ገና ከምዘይበጽሖ ብምሕባር ኣብ ሓምለን ነሓሰን እቲ ዝኸፍአ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቐም።
ኣሜሪካ መድሓኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሎሮኪን ኮሮናቫይረስ ንምዕጋስ ምጥቃም ኣቋሪጻቶ
ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ፡ ጸረ-ዓሶ ዝኾነ መድሓኒት ሃይድሮክሎሮኪን ድሕሪ ሕዚ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ብዝብል ኣብ ረብሓ ከምዘይውዕል ኣፍሊጡ።
እቲ ምምሕዳር፡ ብፍላይ ብኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተጠቕዑ ሕሙማት ነቲ መድሓኒት ከም መዕገሲ ክወስዱ ኣብ ወርሒ መጋቢት መረጋገጺ ሂቡ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተኻየዱ ምርምራት ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ውጽኢታት ከምዘመልክትዎ ግን፡ እቲ መድሓኒት ጸረ-ቫይረስ ባህርያት ከማዕብል ይኽእል ኢልካ ዝእመነሉ ኣይኮነን።
ናይዚ መድሓኒት ቀንዲ ደጋፊ ዝኾነ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንነብሱ ካብቲ ቫይረስ ንምሕላው ነቲ መድሓኒት ይወስድ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ "ተጠቒመዮ እየ፤ ብምውሳደይ ጽቡቕ ይስምዓኒ። ንኽልተ ሰሙን ወሲደዮ ኣለኹ፤ ብህይወት ድማ ኣለኹ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት
ብመሰረት ጸብጻበ ኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ'ሎ።
2,113,901 ኣመሪካ
888,271 ብራዚል
536,484 ሩስያ
332,424 ህንዲ
298,315 ዓባይ ብሪጣንያ
244,109 ስጳና
237,290 ኢጣልያ
232,992 ፐሩ
194,305 ፈረንሳ
ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው
ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ኤርትራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ተወሰኽቲ 13 ሰባት ረኺባ
ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ብዝተገብረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ13 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
እዞም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ብፍኑው መገዲ ኣትዮም ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ካብን ናብን ዝንቀሳቐስ ሰብ ወላ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 7,158 ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን የመንን ንኤርትራ ተመሊሶም ከምዘለው ተገሊጹ።
ካብዚኦም እቶም 4,359 ግቡእ መስርሕ ውሸባ ሓሊፎም ከምዝተፋነውን፡ እቶም 3,405 ግን ኣብ 47 መወሸቢ ማእከላት ተወሺቦም ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 109 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን፡ 39 ካብኦም ኣቐዲሞም ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነው ይፍለጥ። እቶም ዝተረፉ 70 ከኣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ክልል ትግራይ 31 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ 24 ሰዓታት፡ 31 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ዝጸንሖም ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ሓቢሩ።
ንሳቶም፡ ካብቶም 316 መርመራ ዝተገብረሎም ሰባት ምዃኖም ተፈሊጡ።
ካብቶም ሓደስቲ ተሰከምቲ ናይቲ ቫይረስ፡ 29 ደቂ-ተባዕትዮ፡ ዝተረፋ ኸኣ 2 ደቂ-ኣንስትዮን ኮይኖም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 55 ዝርከቡ’ዮም።
እቶም 15 ኣብ ከተማ መቐለ፡ 12 ኣብ ማይካድራ፡ 9 ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑ፡ ሓደ ኣብ ሰቲት ሑመራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ፋጺ ከም ዝተረኽቡ’ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ፋጺ ዝተረኽበ ሰብ፡ ምስ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ፍሉጥ ርክብ ዘይነበሮን፡ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሉን ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብታ ክልል፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብድምር 153 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ተወሰኽቲ 176 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሕዙ፡ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ።
ተወሰኽቲ 3 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ’ውን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ። ክልተ ካብኦም፡ ኣብ ሕክምና ከም ዝጸንሑን፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ: ድሕሪ ሞቱ ብዝተገብረ መርመራ እቲ ቫይረስ ከም ዝነበሮ ዝተፈልጠ’ዩ።
ዛጊት፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ሕማም ዝሞቱ ግዳያት 60 በጺሑ’ሎ።
በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝጸንሑ 75 ከም ዝሓወዩ’ውን እቲ ሚኒስትሪን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብን ሓቢሮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ ኣብ 5,636 ሰባት መርመራ ድሕሪ ምክያዱ’ዮም 176 ከም ዝተታሕዙ ተረጋጊጹ።
ካብኣቶም፡ 60 ደቂ-ኣንስትዮ፡ 116 ድማ ደቂ-ተባዕትዮ’ዮም።
እቶም ዝበዝሑ (98) ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 33 ክልል ኣምሓራ፡ 31 ክልል ትግራይ፡ 7 ክልል ሶማልያ፡ 2 ድሬዳዋ፡ 1 ክልል ዓፋር፡ 1 ድማ ኣብ ክልል ቤነሻንጉል ጉሙዝ ተረኽቡ’ዮም።
ክሳብ ሕጂ ብድምር፡ 3,521 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ። ን186,985 ሰባት ድማ መርመራ ተኻይድሎም ኣሎ።
ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ተመርዕዩ ዝነበረ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ፋሺሽቲ
ምፍኳስ እገዳታት ገበናት ቅትለት ደቂኣንስትዮ ዘስዓበላ ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ገደባት ኣብ ዝፎዅስሉ ገበናት ቅትለት ደቂኣንስትዮ ወሲኾም።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ እገዳታት ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎዅሱ ኣብ ዝጀመሩሉ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ሃገሩ ንዝፍጸም ዘሎ ቅትለት “ዘሕፍር” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገሩ ዝፍጸም ዘሎ ጥቕዓት ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ መጠን ብምውሳኹ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ “ጸልማትን ዘሕፍርን ሰሙን” ከምዘሕለፉ ተዛሪቡ።
ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ሓንቲ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ጥንሲ ዝነበራ መንእሰይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ ዝተቐተለትን ኣብ ኦም ዝተሰቐለትን እትርከበን ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብገበነኛታት ይቕተላ ብምህላወንን’ዩ።
ኣብ ልዕሊ መስተታት ተነቢሩ ዝጸንሐን ካልኦት እገዳታትን ካብ ዝለዓሉ ጀሚሩ እቶም ገበናት ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ’ሎ።
ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ንጉዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ብስቕታ ናይ ምሕላፍ ባህሊ ከብቅዕ ከምዘለዎ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።
“ንጾታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ኣብ ውሽጢ ስቕታ እዮም ዝጥጥዑ። ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ከም ውልቃውን ቤተሰባውን ጥራይ ኢና ንሪኦ። ኣብዚ ሰላሕታዊ ገበን ተሓባበርቲ እናኾንና ኢና” ኢሉ።
ቁጠባ ኣወስትራልያ ንኸንሳእርር "ክልተ ዓመታት" ይወስደሉ ተባሂሉ
መንግስቲ ኣወስትራልያን ቁጠባ ሃገሩ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ቀጻልነት ዘለዎም ፕሮጀክትታት ህንጻን ትሕተ-ቅርጽን (መሰረተ ልምዓት) ከምዝሓንጸጸ ኣፍሊጡ።
ቁጠባ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝቐልጠፈ ከንሳእርር ምዃኑ ዝተገመተ ንሓደጋታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ክትቆጻጸሮ ብምኽኣላ'ዩ።
ኣወስትራልያ ምስ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ኣብ ዕቤት ሓፈሻዊ ምህር ውሽጢ ዓዲ (ጂዲፒ) ዝተሓተ ምንካይ ከምዘጋጥማ ዓለማዊ ውድብ ንቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ኣተንቢሁ።
ይኹን'ምበር እቲ ቁጠባ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ክልተ ዓመታት ከምዝወስደሉ ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ስኮት ሞሪሰን ተዛሪቡ።