እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ቻይና እቲ ለበዳ ዳግማይ ከይደግስ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ናይዚ ዕለት’ዚ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ጸብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ከባቢታት ኦም-ሓጀርን ዓሊ-ግድርን ዝርከቡ ማእከላት ተወሺቦም ካብ ዝጸንሑ 10 ሰባት ኮቪድ-19 ከምዝተረኽቦም ሚስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

    ኩሎም ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ዝኣተዉ ምዃኖም’ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ጠቒሱ።

    ዛጊት፡ ድምር ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 131 በጺሑ’ሎ።

    እቶም ኣብ 47 መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ዘለዉ ድማ 3 405 ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

  2. ኣብ ማሕረዲ ስጋ ዝሰርሑ 400 ሰራሕተኛታት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ኣብ ዝርከብ መሕረዲ ከብቲ 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሕዙ ተሓቢሩ።

    ካልኦት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይቲ ቶኒስ ዝተባህለ ኩባያ ውጽኢት መርመርኦም ይጽበዩ ኣለዉ።

    ኣብ ጀርመን፡ ከባቢ 9,000 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ምስ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣወዳዲርካ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ይግለጽ።

    እንተኾነ ግን፡ ጀርመን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝረኣ ዘሎ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ትቃለስ ኣላ።

    ብሰንኪ እዚ ሓዲሽ ለብዒ፡ ኣብ ከተማ ማግደበርግ መጻወቲ ማእከለን ኣብያተ-ትምህርትን ዳግማይ ተዓጽየን ኣለዋ።

    ኣብ ከተማ በርሊን፡ 400 ስድራቤታት ተወሺቦም ከምዘለው’ውን ተገሊጹ።

  3. ድልየት ግብጽን ውሳነ ኢትዮጵያን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ

  4. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከሲሩ

  5. ኣብ ክልል ትግራይ 11 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት መርመራታት ላብራቶሪ ካብ ዝተገብረሎም 460 ሰባት፡ 11 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ፡፡

    ኣብ መሐከሚ ማእኸል ኣኽሱም ካብ ዝነበሩ 4 ኮሮናቫይረስ ዝነበሮም ሰባት ድማ ምሉእ ብምሉእ ሓዊዮም ከምዝተፋነው ተገሊጹ።

  6. "ነቲ መድሓኒት እንተዘይወስድ ምሞትኩ ነይረ" ተሓካሚት ኮሮናቫይረስ

  7. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ስኢኑ

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዝተፈጠረ ምትእጉጓል ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊኡ ከምዝሰኣነ ኣፍሊጡ.

    ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም፡ ብደረጃ ዓለም ዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ታሪኽ መገዲታት ኣየር ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ከምዘኸተለ ተዛሪቡ።

    ልዕሊ በረራታት መጓዓዝያ ደው ክቋረጹ ከምዝተገደዱ ዝገልጽ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ነዚ ስዒቡ እቲ መገዲ ኣየር ንገያሾ ኣገልግሎት ብምሃብ ካብ ለካቲት ክሳብ መወዳእታ ሰነ ክረኽቦ ዝነበረ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከምዝሰኣነ ሓቢሩ።

    ንሱ ከምዝበሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት መገዲታት ኣየር ዓለም ነፈርተን በረራ ከቋርጻ ተገዲደን እየን።

  8. "ነቲ መድሓኒት ዘይምወሰድኩ ምሞትኩ ነይረ" ሓድሽ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደት ተሓካሚት

    ቢቢሲ ዘዘራራባ ተሓካሚት ኮቪድ-19 ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብቲ ሕማም ሓውያ'ላ።

    ንሳ ኣብ መስርሕ ፈተነ ሓድሽ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተሳተፉ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሓንቲ'ያ ነይራ።

    ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላ ብምግላጽ "ነቲ መድሓኒት ዘይምወሰደት ክትመውት ምንባራ" ተዛሪባ።

    እቲ መድሓኒት ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ዴክሳሜታዞን ዝበሃል ኮይኑ፡ ህይወት ዘድሕን ፈላሚ መድሓኒት ከምዝኾነ ይግለጽ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዚ ህይወት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ከትርፍ ከምዝኽእል ብፈተነ ዝተረጋገጸሉ መድሓኒት ብዝምልከት ኣብ ክሊኒካዊ መምርሕታቱ ምትዕርራይ ከምዝገብር ኣፍሊጡ'ሎ።

    እቲ ውድብ ነዚ ክብል ከሎ፡ ንዶካትርን ካልኦት ሰብሞያ ጥዕናን ብዛዕባ እቲ ዝተረኸበ መድሓኒት እኹል መረዳእታ ክህልዎም ምግባር ማለቱ'ዩ።

    እቲ መድሓኒት ብብዝሕን ብዝሓሰረ ዋጋን ክርከብ ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ። ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ፈላሚ ዝኾነ ዕውት ውጽኢት ከምዝኾነ ተመራመርቲ ብሪጣንያ ሓቢሮም።

    "እዚ መድሓኒት ብፍላይ ነቶም ኦክስጂንን ሓገዝ ቬንትሌተርን ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ዘጋጥሞም ሞት ከምዝንክይ ፈላማይ ዕውት ውጽኢት ዝተርኣየሉ መድሓኒት'ዩ" ኢሉ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም።

    ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ዝተረኸቡ ውጽኢታት ገና ኣብ መጀመርያ ደረጃ ዝርከቡ'ኳ እንተኾኑ፡ ዴክሳሜታዞን ግን ነቶም ቬንትሌተር ዝርከቡ ሕሙማት ብሰለስተ ዕጽፊ፤ ኦክስጅን ንዝጥቀሙ ድማ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ካብ ሞት ከምዘድሕኖም ተረጋጊጹ'ሎ።

    ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እዚ መድሓኒት ኣብ ብሪጣንያ ምሃብ ተጀሚሩ እንተዝኸውን ነይሩ ድማ ብውሕድ ክሳብ 5,000 ህይወት ምድሓን ይከኣል ነይሩ ተባሂሉ።

  9. ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ከባቢ 35,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙላ ብራዚል

    ብራዚል ትማሊ ሰሉስ ጥራይ 34,918 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሕዝዋ ኣፍሊጣ።

    እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝተመዝገበ ኣዝዩ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንኩነታት ኮሮናቫይረስ ተቖጻጺርናዮ ኣለና ክብል ኣብ ዝተዛረበሉ መዓልቲ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

    ብራዚል ካብ ኣሜሪካ ቀጺላ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ዘለውዋ ሃገር እያ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 923,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

  10. ጭካነ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ገበን'ዶ ኣይኮነን?

  11. ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ሎሚመዓልቲ ክጅምር'ዩ

    ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ናብ ሜዳ ክምለስ ብምኽኣሉ ሕጉሳት'ኳ እንተኾኑ እቲ ስምዒት ግን ከምቲ ናይ ቀደም ክኸውን ኣይክእልን።

    ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ዝግበር ጸዋታ ብዘይደገፍቲ ኣብ ዕጸው ሜዳ እዩ ክካየድ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝብል'ዩ።

    ኣብቶም ፈላሞት 12 ግጥማት ሓደ ወፍሪ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ተጻወትቲ ኣብ ዝኽደንዎ ማልያ ዝጸሓፍ ዝነበረ ኣስማት "ብላክ ላይቭስ ማተር" ብዝብል መልእኽቲ'ዩ ክትካእ።

    እዚ ድማ ነቲ ብምኽንያት ቅትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መላእ ዓለም ዝተወለዐ ተቓውሞ ድጋፍ ንምግላጽ'ዩ።

    እቲ ሊግ ኣብ ሞንጎ ኣስቶንቪላን ሸፊልድ ዩናይትድን ብዝካየድ ግጥም'ዩ ሎሚ ረቡዕ ክጅምር።

  12. ፕረዚደንት ፑቲን ፍሉይ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ተዳልዩሉ

    ንፕረዚደንት ፑቲን ፍሉይ መከላኸሊ ገለርያ ኮሮናቫይረስ ከምዝተዳለወሉ ተሓቢሩ።

    ነቲ ፕረዚደንት ክረክብ ዝኸይድ ዝኾነ ይኹን ሰብ በቲ ዝተዳለወ ፍሉይ መምከኒ ረኽሲ ገለርያ (ታነል) ኣቢሉ ክሓልፍ ይግደድ።

    በቲ ገለርያ ዝሓልፍ ሰብ ድማ ልክዕ ከም ማይ ብዝንጸግ ጸረ-ረኽሲ ምሉእ ኣካላቱ ጸርዩ ከምዝወጽእ ጸብጻብ ማእኸናት ዜና እታ ሃገር የመልክት።

    ኣብ ሩስያ ልዕሊ 500,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም እዚ ብዝሒ ከኣ ካብ ኣሜሪካን ብራዚልንን ቀጺላ ብሳልሳይ ደረጃ ሰሪዕዋ'ሎ።

  13. ገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ቻይና፡ በይጂንግ ናብ እገዳ ምንቅስቓስ ተመሊሱ

    ን57 መዓልታት ካብ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ነጻ ኮይና ዝጸንሐት በይጂንግ ናብ እገዳ ምንቅስቓስ ተመሊሳ።

    ሚልዮናት ነበርታ ናብቲ ዳግም ዝተነበረ ገደባት ክምለሱ ዝተገደዱሉ ምኽንያት ከኣ ኣብታ ከተማ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ።

    ኣብታ ከተማ ሎሚ ረቡዕ ጥራይ 31 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙ ስለዝተረጋገጸ፡ ብዝሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝተለኸፉ 137 በጺሑ’ሎ።

  14. ሰላም ከመይ ሓዲርኩም

    ቢቢሲ ትግርኛ፤ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

    ሰናይ መዓልቲ

  15. ከመይ ሓዲርኩም

    ትማሊ ፡ ኣብ ኤርትራ 12 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ጸሪሕና ገሊጽና ኢና ተፈሊናኩም።

    ናይዚ ዕለት ምዕባለታት ድማ እቲ ሕማም ድማ ካብዚ ሕዚ ጀሚርና ናባኹም ክነብል ኢና ተኸታተሉን።

    ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ይምነ።

  16. ናብ ኬንያ ዝተላእኸ ሓገዝ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናበይ ኣተወ?

  17. ኤርትራ፡ 12 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

    ኣብ ኤርትራ፡ 12 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

    እቶም 11 ካብ ሱዳን ዝተመልሱን፡ ኣብ ኣዲባራ ተወሺቦም ዝጸንሑን ምዃኖም’ውን እቲ ናይ ሎሚ መግለጺ ይጠቅስ።

    እቲ ሓደ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰ ውልቀሰብ’ውን እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎ ኣሎ።

    ዋሕዚ ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዜጋታት ይቕጽል ከምዘሎ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ገሉጹ’ሎ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ብድምር፡ 121 ኮቪድ-19 ክርከቦም እንከሎ፡ 39 ሓውዮም ተፋንዮም፡ እቶም ዝተረፉ 82 ድማ ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

    ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ዝርከቡ 47 ማእከላት 3, 406 ሰባት ተወሺቦም ኣለዉ።

  18. ዴክሳሜታዞን፡ ህይወት ዘድሕን ፈላሚ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ

  19. ፕሬሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ድሕሪ 100 መዓልታት ጽባሕ ክጅምር'ዩ

  20. "መራሕቲ ክልል ትግራይ ንሰላምን ዘተን ድልዋት ከምዝኾኑ ገሊፆምልና" መራሕቲ ሃይማኖት