እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኤርትራ፡ ተወሰኽቲ 10 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ቻይና እቲ ለበዳ ዳግማይ ከይደግስ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ናይዚ ዕለት’ዚ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ጸብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፈረንሳይ ብስግኣት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶም ካብ ዝጸንሐት ገደባት ንገሊኦም ኣልዒላ

    ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብዙሓት ካብቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ዝጸንሑ ገደባት ከምዝተልዓሉ ኣፍሊጡ።

    ካብ ሎሚመዓልቲ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ካፌታትን ኣብያተ-መግብን ዝኽፈቱ ኮይኖም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝግበሩ መገሻታት እውን ክፍቀዱ እዮም።

    ብዘይካ'ዚ ሰባት ኣብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ንዝርከቡ ቤተሰቦም እናኸዱ ክሓቱ ከምዝኽእሉ ተፈቒዱ'ሎ።

    ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚረን ምስ ካልኦት ሃገራትሕብረት ኣውሮጳዊ ዘራኽብ ዶባተን እናኸፈታ እየን።እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ቻይና ግን ሓድሽ ደግሲ ኣስጊኡ ኣሎ።

  2. ቤይጂንግ ሓደሽቲ 36 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና፡ ቤይጂንግ፡ ትማሊ ቀዳም ጥራሕ ሓደሽቲ 36 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለመኸፉ ተረጋጊጹ።

    ነቲ ተፈጢሩ ዝቐነየ ስግኣት ደግሲ ድማ ኣዝዩ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

    ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሀገር፡ ሓለፍቲ መንግስቲ ነቲ ከም ብሓድሽ ዝላባዕ ዘሎ ንምቁጽጻር ብቕልጡፍ ኣዳላይ ዝበሃል ስጉምቲ ክወስዱ ኣዚዙ ኣሎ። እቲ ሕማም መሊሱ ከይስፋፋሕ ኣጠንቂቑ።

    እቲ ከም ብሓድሽ ዝጀመረ መልከፍቲ፡ መጀመርታ ኣብቲ ዝዓበየ ናይ ዕዳጋ ኣዳራሽ እታ ከተማ እዩ ተረኺቡ።

    ግሎባል ታይምስ ዝተብሃለ ጋዜጣ ፡ ምስዚ ዓብዪ ማእከል ዕዳጋ ተኣሳሲሩ ዛጊድ 79 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ጸብጺቡ።

    ካልኦት ሰለስተ ግዝኣታት ቻይና ድማ፤ ሓድሽቲ መልከፍቲ ከምዘመዝገባ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

  3. ከመይ ሓዲርኩም?

    ናይዚ ዕለት ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ቀጥታዊ ጻብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

    ቢቢሲ ትግርኛ ሰናይ መዓልቲ ሰኑይ ክኾነልኩም ይምነ።