እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ትግራይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 7 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 24 ተወሰኽቲ ሰባት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 7 ካብ ክልል ትግራይ እዮም። ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘርእዮ፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 4.9 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። እዚን ካልኦት እዋናዊ ምዕባለታትን ከምኡ'ውን ንድሕነትኩም ዝሕግዝ መምርሕታት ንኽትረኽቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ፍርያት ዕምበባ ፍዮሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሮጳ ዘለዎ ጠለብ ምምሕያሽ የርእይ ኣሎ ተባሂሉ

    ኣብታ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣውሮጳ ምምሕያሽ እናተረኣዩ ብምምጽኦም ጠለብ ዕምበባ ፍዮሪ ክውስኽ ከምዝኸኣለ ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ኣትኽልትን ፍረታትን ኢትዮጵያ ኣይተ ቴድሮስ ዘውዴ ተዛሪቡ።

    ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎኩስ ብምጅማሩ ኣብ ዕዳጋን ዋጋን ዕምበባ ፍዮሪ ኢትዮጵያ ወሰኽ ከምዝተረኣየ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣዝዩ ዝለዓለ ምንካይ ዋጋን ዕዳጋን ኣጋጢሙ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምምሕያሽ ተራእዩ'ሎ ኢሉ።

    ብፍላይ ንፍርያት ዕምባባ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዕድል ዕዳጋ ዝነበራ ጀርመንን ስዊትዘርላንድን ዶባተን ምኽፋተንን ገደባት ምንቅስቓስ ብምፍኳሰንን ነቲ ምምሕያሽ ዕዳጋ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾና'ውን ኣረዲኡ።

    ካብ ቻይና ቀጺሉ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብዙሓት ሰባት ኮሮናቫይረስ ስለዝተትሓዙ ኣብ ንግድን ካልእ ምንቅስቓሳትን ምዝሕሓል ኣጋጢሙ'ዩ።

  2. ኮሮናቫይረስ ሓድሽ ባህርያት የርእይ ከምዘሎ ቻይናውያን ተመራማርቲ ሓቢሮም

    ኣብ ሰሜን ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ዝተረኸቡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ካብቶም ኣብ ምጅማር እቲ ለበዳ ኣብ ዉሃን ዝተረኸቡ "ዝተፈለየ ምልክታት" ከምዝተረኣዮም ተመራመርቲ ቻይና ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብቶም ስሙያት ዶካትር ቻይና ዝኾነ ኪዩ ሃይቦ ምስ ማእኸን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ንሱን መሓዙቱን ኣብዚ ሓድሽ ተርእዮታት ይሰርሑ ምህላዎም ተዛሪቡ።

    እቶም ኣብ ሰሜን-ምብራቕ ቻይና ግዝኣታት ሄሎንጂያንግን ጂሊንን ዝተረኸቡ ሕሙማት ልሙድ ዘይኮነ ምልክታት ከምዝተረኣዮም፤ ግን ድማ ስምዒት ድኻምን ቑስለት ጎረሮን ከምዘለዎም ዶክተር ኪዩ ገሊጹ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ ገሊኦም ዝኾነ ዓይነት ምልክታት እቲ ሕማም ከምዘይረኣዮምን ነቲ ቫይረስ ንነዊሕ እዋን ተሰኪሞም ክጸንሑ ከምዝኽእሉን ሓቢሩ።

    ግሎባል ታይምስ ዝተበሃለ ገዜጣ ግን ኣብ ዉሃን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ድሕሪ ሰሙን እንተነዊሑ ድማ ኣብ ክልተ ሰሙን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከምዝኾኑ የመልክት።

    እቶም ኣብ ሰሜን-ምብራቕ ቻይና እቲ ሕማም ዝተረኸቦም ሰባት ድማ እቲ ቫይረስ ንነዊሕ እዋን ምስኦም ይጽንሕ።

  3. ኣብ ህንዲ ዝግበሩ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ስራሕ ክጅምሩ እዮም

    በረራታት ውሽጢ ዓዲ ህንዲ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ 25 ግንቦት 2020 ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምሩ ተገሊጹ።

    እቶም በረራታት ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኽልተ ኣዋርሕ ተቛሪጾም ጸኒሖም'ዮም።

    እታ ሃገር ካብ 25 መጋቢት ጀሚራ ኣብ ውሽጢን ናብ ደገን ዝግበሩ በረራታት መጓዓዝያ ኣየር ኣጊዳ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

    ዓለምለኻዊ በረራታት መዓዝ ይጅምሩ ኣብ ዝብል ግን ዝተወሃበ ንጹር መግለጺ የለን።

  4. ፓርቲ ብልጽግና ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ብፖሊስ ዝተፈጸመ ቕትለት ኮኒኑ

    እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ብጥይት ብዝተፈጸመ ቕትለት ሓደ ትግራዋይ መንእሰይን መቑሰልቲ ክልተ ወገናትን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ” ኢሉ ኣብ መእተዊ።

    ኢትዮጵያ ንህዝባ ኣተሓባቢራ ኣንጻር ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቃልሲ ተካይድ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ጎንጽታት ይውልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ መግለጺ ብልጽግና ትግራይ፡ በቶም ጎንጽታት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

    “ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጠረ ቅትለት ሓደ መንእሰይን ክልተ ኣካላዊ መቑሰልትን ብሓፈሻ ድማ ሰላም ህዝቢ ዝዘርግን ኢ-ሕጋውን ዘይፍትሓውን ጥቕዓት ነቲ ኣብ ክልልና ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ስእነት ዴሞክራስን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘረጋግጽ እዩ” ይብል መግለጺ ናይቲ ውድብ።

  5. ስፐይን ኩሎም ልዕሊ 5 ዓመት ዕድመ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ዝሕብር ሕጋ ኣጥቢቓቶ

    ኣብ ስፐይን ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ማሕበራዊ ምፍንታት ንምዕቃብ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ገደን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግዴታዊ ኮይኑ።

    ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናትን ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባትን ጥራይ በቲ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኾነ ሕጊ ኣይግደዱን።

    ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጵ ዜጋታተን ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ነቲ መሸፈኒ ክገብሩ መምርሒ ሂበን'የን። ስፔን ግን ነቲ መምርሒ ካብዚ ዝሰገረ ገይራቶ'ላ።

    ኣብታ ሃገር 232,000 ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ 28,000 ድማ ሞይቶም።

  6. ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ንሓደ ዓመት ብኣካል ምምሃር ጠጠው ከብል ወሲኑ

    ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ 2021 ንተምሃሮ ብኣካል ከም ዘይምህር ኣፍሊጡ።

    ተምሃሮ ዝወስዱዎ ኩሉ ትምህርቲ፡ ብኢንተርነት ከም ዝቐርበሎም ብምሕባር፡ መምርሒ ኣካላዊ ርሕቐትካ ምሕላው ኣኽቢሮም ክመሃሩ ዝደልዩ "ውሑዳት ተምሃሮ" ግን ብኣካል ክምህር ይኽእል እየ ኢሉ።

    ዩኒቨርሲቲ ማንችስተር'ውን ክሳብ እቲ ዝቕጽል ናይ ትምህርቲ ዓመት ብኢንተርኔት ከም ዝምህር ገሊጹ ነይሩ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ሃገራት ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርትን ትካላትን ዓጽየን እየን።

  7. ሲንጋፖር ብ 'ዙም’ ናይ ሞት ፍርዲ ፈሪዳ

    ቤት ፍርዲ ሲንጋፖር ብ 'ዙም’ ኣብ ዘካየዶ መጋብኣያ፡ ንሓደ ተኸሳሲ ብሞት ክቕጻዕ ፈሪዱ።

    ወዲ 37 ዓመት ማሌዢያዊ ፑኒዛን ገናሳን፡ ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት 'ሄሮይን' ዝተብሃለ እጽ ብምዝውዋር እዩ ተኸሲሱ።

    እንተኾነ ንሱ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲ ኣይቕበሎን። ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ፍርዲ ይግብኣኒ ክሓትት እዩ።

    ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ውን፡ ብቕትለት ዝተኸሰሰ ሓደ ናይጄሪያዊ ብተመሳሳሊ መገዲ [ብ'ዙም' ብዝተገብረ ናይ ቪድዮ መጋባእያ] ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ እዩ።

    ሂዩማን ራይትስ ዎች ግና፡ ነዚ ፍርዲ “ሰብኣውነት ዘይብሉ ጭካነ” ክብል ነቒፉዎ።

  8. ኣብ ትግራይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 7 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

    ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 24 ተወሰኽቲ ሰባት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 7 ካብ ክልል ትግራይ እዮም።

    ካብዚኦም: እቲ ሓደ ኣብ መቐለ፡ እቶም ሽድሽተ ድማ ማይ ካድራ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዝርከቡ እዮም።

    እቶም ትሸዓተ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ 8 ከኣ ካብ ክልል ኣምሓራ እዮም።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 3460 ምርመራታት ተገይሩ።

    እቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ሰባት፡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ ህጻን 4 ዓመት ዝርከቦም እዮም።

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛደድ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 386 በጺሑ’ሎ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ 260 ሰባት ኣብ ሕመምና ኣለዉ።

  9. ኢድኩም ‘ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሽድሽተ ግዜ ተሓጸቡ’

    ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ኢድኩም ትሕጸቡ?

    ተመራመርቲ ብሪጣንያ ‘ኢድኩም ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሽድሽተ ግዜ ተሓጸቡ’ ይብሉ’ለዉ።

    እቶም ተመራመርቲ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣብ ዝመስሉ ቫይረሳት ንዝተገበረ መጽናዕትታት ተደሪኾም እዮም ነዚ ማዕዳ ዝህቡ ዘለዉ።

    በቲ ኣብ 1,663 ሰባት ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ ሽድሽተ ግዜ ምሕጻብ ብቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድል ከምዝንኪ ይገልጽ።

    ቫይረስ ኮቪድ-19 ብማይን ሳሙናን ክንሕጸብ እንከለና ክመውት ዝኽእል ቫይረስ እዩ።

  10. ሞተር ነፈርቲ ዘፍርይ ትካል ሮልስ-ሮይስ፡ 9,000 ሰራሕተኛታት ክንኪ እዩ

    ሞተር ነፈርቲ ዘፍርይ ትካል ሮልስ-ሮይስ 9,000 ሰራሕተኛታት ክንኪ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ኣየር፡ ካብ’ቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ በጺሕዎ ዘሎ ሃስያ ክሓውይ “ብዙሕ ዓመታት” ክወስደሉ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

    “ንሕና ዝፈጠርናዮ ጸገም ኣይኮነን። ግን ከኣ፡ ብዛዕብኡ ገለ ክንገብር ዝግበአና ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙና” ኢሉ ሓላፊ ናይቲ ትካል ዋረን ኢስት።

    መብዛሕተኦም ካብቶም ዝንከዩ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ብሪጣንያ እዮም።

    እቲ ትካል፡ ብደረጃ ዓለም 52,000 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።

  11. ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም

    ብራዚል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ 1179 ሰባት ሞይቶምዋ። እዚ ድማ ዛጊት ካብ ዘጋጠማ እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ኮይኑ፡ ቁጽሪ ምውታት ናብ 17 ሽሕን 971 ሓፍ ኣቢሉዎ ኣሎ።

    ኣብ ብራዚል ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብፍጥነት ይውስኽ ከም ዘሎ ይግለጽ።

    መዓልታዊ ድማ ዳርጋ 18 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ኣላ።

    ኣብ ፔሩ፡ 'ኣንዲን ሃርልኲን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባህላዊ ኣከዳድና፡ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ንምዝኽኻርን ግንዛበ ንምፍጣርን የገልግል ኣሎ።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 100 ሽሕ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም። 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

    ኣብ ኤሰያ፡ ሲንጋፖር ነቲ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ብኸፊል ኣውጺኣቶ ዝጸንሐት ኣዋጅ ዕጽዋ፡ 01 ሰነ ከብቅዕ እዩ ኢላ።

    ካልኦት ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝጠቕሙ መምርሒታት ግን ኣብ ቦትኦም ክቕጽሉ እዮም።

    ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 4.9 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። ካልኦት 322 ሽሕን 861 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

    ባንኪ ዓለም ብወገኑ፡ ብምኽንያት እዚ ለበዳ 60 ሚሊዮን ሰባት ንሕሱም ድኽነት ክቃልዑ’ዮም ክብል ኣጠንቂቑ።

  12. ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብርቱዕ ህቦቡላን ኣብ ህንድን ባንግላድሽን

    ኣብ ምብራቓዊ ህንድን ባንግላድሽን ሓያል ንፋስ ዝሓወሰ ከቢድ ዝናብ ከም ዝሃረመ ይግለጽ።

    ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ፡ ብርቱዕ ህቦቡላ ክወርድ እዩ ተባሂሉ ይስጋእ።

    ህቦቡላ 'ኣምፋን' ኣብ ህንዲ፡ ማይ ቤት ቤንጋል ካብ ዘውርዶ ሓደጋ ንምክልኻል፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ክወጽኡ ገይረን።

    'ሜትሮሎጂ' ህንዲ፡ ህቦቡላ ኣምፋን "ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትርን ኣጋምሸትን" ክወርድ ይኽእል እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ህንድን ባንግላድሽን፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦትን ትካላትን ግዚያዊ መዕቆቢ ማእከላት ኮይኖም ከገልግሎ እዮም'ኳ እንተበላ፡ ኣብዚ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን ግን፡ ነዚ ንምእላይ ከም ዘጸግመለን ይግለጽ ኣሎ።

  13. ባንኪ ዓለም፡ 60 ሚልዮን ሰባት ኣብ ‘ሕሱም ድኽነት’ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ

    ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም፡ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ‘ሕሱም ድኽነት’ ክወድቁ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

    ዴቪድ ማለፓስ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ዓለምና ብ 5 ሚኢታዊት ክንኪ ትጽቢት ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ቁጠባ ሃገራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይህሰ ብምህላዉ እዩ።

    ብሰንኪ እቲ ሕማም፡ ድሮ’ኳ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ስርሖም ሲኢኖም፡ ንግድታቶም ከሲሮም እዮም።

    ሃስያ ናይቲ ጸገም ድማ፡ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ሃገራት እዩ ዝብርትዕ።

    ባንኪ ዓለም ‘ሕሱም ድኽነት’ ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ብትሕቲ 1.90 ዶላር መዓልታዊ እቶት፡ መነባብሮኡ ክመርሕ እንተሎ እዩ።

  14. ቬነዝወላ ኣብ ባንኪ ብሪጣንያ ዘሎ ወርቃ ክምለሰላ ሓቲታ

    ማእከላይ ባንኪ ቬኑዝወላ፡ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ዘውጽእ ኣብ ባንኪ ብሪጣንያ ዝዓቖሮ ወርቂ ክምለሰሉ ሕጋዊ ሕቶ ኣቕሪቡ።

    ቬኑዝወላ፡ ኣብ ትሕቲ ማዕቀባት ኢንግሊዝን ኣሜሪካን ዘላ ሃገር ኮይና፡ ናይቲ ዝሓተተቶ ወርቂ ዋጋ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቅላስ ክትጥቀመሉ ከም እትደሊ ገሊጻ።

    እቲ ወርቂ፡ ናይ መግብን መድሓኒትን ቀረባት ንምዕዳግ “ብህጹጽ” ክወሃባ እያ ትደሊ።

    እንተኾነ፡ ብሪጣኒያ፡ ንመንግስቲ ኒኮላስ ማዱሮ ከም ሕጋዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣይትቕበሎን፤ ተነሓናሒኡ ዝነበረ ጁዋን ጉዶ ዕውት ናይቲ ፕሬዝደንታዊ ምርጫ ከም ዝነበረ ድማ ትገልጽ።

    ባንኪ ብሪጣኒያ፡ ብዙሓት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ወርቂ ዝዓቑራሉ ባንኪ እዩ።

  15. መርመራ ኮቪድ-19 ዝገብሩ ሮቦታት ናብ ሩዋንዳ ኣትዮም

    ኣብ መንጎ ሕሙማትን ዶኳትርን ቪድዮ ኮንፈረንስ ዘካይዱ፣ መግብን መድሓኒትን ናብ ሕሙማት ዘብጽሑን፡ ኮሮናቫይረስ ዘለዎም ሰባት ንምልላይ ዳህሳስ ክካየድ ከሎ ዝሕግዙን 500 ሮቦታት ናብ ሩዋንዳ ኣትዮም።

    ነፍሲ ወከፍ ሮቦት፡ ናይ ሩዋንዳ ሽም ዝተውሃቦ ክኸውን እንከሎ፡ ቀንዲ ዕዮአም፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ንኮቪድ-19 ዘለዎም ተቓላዕነት ምንካይ ከም ዝኾነ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    “ህዝባዊ ቦታታት ንምጽራይን ንምንጻግን ተወሳኺ ሮበታት ስለ ዘድልዩና፡ ተወሰኽቲ ካልኦት ክነምጽእ ኢና።” ኢሉ ሚኒስትር ዳኒኤል ጋምጂ።

    እቶም ሮቦታት ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝርከብ ኩባኒያ’ዮም ፈርዮም።

    · ኣብ ደቒቕ፡ ካብ 50-100 ንዝኾኑ ሰባት ዳህሳሳዊ መርመራ ምግባር

    · ናይ ሕሙማት መረዳእታ ምምዝጋብን ምስናድን

    · መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይጥቀሙ ሰባት ወይ’ውን ብኣግባቡ ንዘይተጠቐሙ መጠንቀቕታ ምሃብን

    · ዘይተለመዱ ነገራት ከጋጥሙ ከለው ሰብ ሞያ ጥዕና ክፈልጡዎ ምግባርን ዝብሉ ዕማማት ክወሃቦም እዩ።

    ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘለው ብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ 297 ኮይኖም፡ ካልኦት 203 ሓውዮም፤ ሞት ዋላ ሓደ ሰብ ግን ኣየጋጠመን።

  16. ብሩኽ መዓልቲ ይኹነልኩም።

    ኣብ ዘዘለኹምዎ ኩሉ ሰላም፣ ጥዕናን ዓወትን ንምነየልኩም።

    ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ሓበሬታታትን ዓለማዊ ምዕባለታትን፡ መዓልታዊ ኣብ ሓደ ቀጥታዊ ጸብጻብ የቕርብ ኣሎ።

    ንሎሚ’ውን ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብና፡ ሓጸርቲ ሓበሬታታት ክንህበኩም ኢና፡ ክትከታተሉና ንዕድመኩም።

    ናይ ትማሊ ምዕባለታት ክተንብቡ እንተደሊኹም፡ ኣብዚ ገጽ ንታሕቲ ውርድ ኢልኩም ኣንብቡ።

  17. ሽድሽተ ካብ ኣባላት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

    ሽድሽተ ተጻወትቲ ወይ ኣሰልጠንቲ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተገሊጹ።

    ኣስታት 748 ተጻወትትን ኣሰልጠንትን 20 ክለባት ፕሪምየርሊግ ልምምድ ቅድሚ ምጅማሮም ምርመራ ተገይርሎም'ዩ።

    እቶም ካብ ሰለስተ ጋንታታት ዝተረኸቡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ነብሰ-ውሸባ ክገብሩ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ።

    እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም በዓል መን'ዮም ንዝብል ግን ዝተገለጸ ነገር የለን።

    ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክጅምር'ኳ ትጽቢት እንተሃለወ፡ ዝጅምረሉ መዓልቲ ግን ኣይተነጸረን።

  18. ሩስያ ፕረዚደንት ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም መጠንቀቕታ ምሃቡ ኮኒና

    ሩስያ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንሃገሩ ካብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከውጽኣ ምዃኑ ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ኮኒና።

    ቻይና ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትሸፋፍን ምፍታና ዝገልጽ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ነታ ሃገር ተሓታቲት ብዘይምግባሩ ይኸሶ።

    ምኽትል ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌ ርያብኮቭ "ብርግጽ [ንስራሕቲ እቲ ዓለማዊ ውድብ] ክነመሓይሸሉ ንኽእል ዕድላት ኣለዉ እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

    "እንተኾነ ንናይ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካውን ጂኦፖለቲካውን ምርጫታት ክንብል ንኹሉ ነገር ምጥሓስ ግን ንቃወሞ ኢና" ኢሉ።

    ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ ንኽግምገም ተሰማሚዑ እዩ።

  19. ውድብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ብዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክካየድ ዝቐረበ ረቂቕ ጸዲቑ

    ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምቁጽጻር ኮሮናቫይረስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዘይሻራዊ ኣካል ንኽጻረ ዝቐረበ ረቒቕ ሓሳብ ብተሳተፍቲ ጉባኤ እቲ ዓለማዊ ውድብ ጸዲቑ።

    ኣብቲ ኣባል ሃገራት ብሚንስትራት ጥዕና ዝውከላሉ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣወስትራልያ፣ ቻይናን ጃፓንን ዝቐረበ ረቂቕ ሓሳብ ዝተቓወመት የላን።

    ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም'ውን እቲ ንዝተረኸቡ ተሞክሮታት ዘነጽርን ንመጻኢ ኣንፈታት ዝሕብርን ብዘይሻራዊ ኣካል ዝግበር ገምጋም ብቕልጡፍ ከምዝካየድ ኣተንቢኡ ነይሩ።

  20. ታንዛኒያ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ መጓዓዝያ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ በረራ ኣልዒላ

    በዓልመዚ ኣቪየሽን ታንዛኒያ ኣብ ኩሎም በረራታት ነፈርቲ መጓዓዝያ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ።

    ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ፡ "ኣብ ቁጽሪ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ምንካይ ስለዝተረኣየ" ኣብቲ ውሳነ ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

    ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ደገ ዝመጽኡ ገያሾ ኣብ መእተዊ ምርመራ ምልክታት ኮቪድ-19 ክግበረሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ዓውዲ ቱሪዝም ኣብ ታንዛኒያ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ግን ኣዝዩ ተሃስዩ'ሎ።

    እታ ሃገር ንዓለምለኻዊ ገያሾ ማዕጾኣ ክትኸፍት ዝኸኣለት ካብ ገለ ሃገራት በረራታት ንምክያድ ጠለባት ስለዝቐረበ ምዃኑ ሚንስትር ቱሪዝም ገሊጹ።

    መንግስቲ ቁጽሪ መዓልታዊ በቲ ሕማም ዝተሓዙ ሰባት ወግዓዊ ብዘይምግባር ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

    ምትእኽኻብ ሰባት ዘይፍቀድ እንተኾነ'ኳ ፕረዚደንተት ማጉፉሊ ግን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይሕብር።