እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ትግራይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 7 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 24 ተወሰኽቲ ሰባት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ካብኣቶም እቶም 7 ካብ ክልል ትግራይ እዮም። ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘርእዮ፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 4.9 ሚልዮን ኮይኑ’ሎ። እዚን ካልኦት እዋናዊ ምዕባለታትን ከምኡ'ውን ንድሕነትኩም ዝሕግዝ መምርሕታት ንኽትረኽቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ንዝበጽሖም ዓሌታዊ በደላት ዕሽሽ ከምዝበለ ትራምፕ ተዛሪቡ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ዓለማዊ ውድብ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዘጋጠመ ዓሌታውነትን ኣድልዎን ብዝምልከት ንዝወጽኡ ጸብጸባት ሪኡ ተሪር ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ነቒፉ።

    ናብ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብ ቻይና ዝነብሩ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ "ናብ መወሸቢ ክንኣትው ንግደድ ኣለና፤ ካብ ገዛና ንስጎግ ኣለና ከምኡ'ውን ኣገልግሎታት ከይንረክብ ተገይርና" ክብሉ ንዘቕረብዎም ጥርዓናት መልሲ ከምዘይተወሃበ ሓቢሩ።

  2. ዛምብያ፡ ንሓደ ዜጋ ኣግሊሉ ዝተብሃለ ቤት ብልዒ ቻይና ዓጽያ

    ሰብ ስልጣን ዛምብያ ሓደ ወዲ እታ ዓዲ 'ኣይነተእቱን' ንዝበለ ቤት ብልዒ ቻይና ክዕጸ ገይሮም።

    እቲ ቤት ብልዒ ኣብ ርእሰ ከተማ ዛምብያ፡ ሉሳካ ዝርከብ ኮይኑ፡ ነቲ ዛምብያዊ ውልቀ ሰብ ከይኣቱ ከምዝኸልከለ ተረጋጊጹ እዩ።

    እቲ ከይተኣናገድ ዝተኸልከለ ዛምብያዊ ውልቀሰብ ፡ ነቲ ግብሪ 'ዓሌታዊ' ክብል ነቒፍዎ።

    ከንቲባ ከተማ ሉሳካ ሚለስ ሳምፓ ብወገኑ፡ ኣብቲ ቤት ብልዒ ዝቐርቡ መግብታት ብሕጊ ዝተኸልከሉ እንተኾኑ'ኳ ብቛንቛ ቻይንኛ ጥራሕዝተጽሓፉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

    ሓደ ጋዜጣ እታ ዓዲ " ዛምብያ ነጻነታ ምስረኸበት፤ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣሽዒ ኣብቂዑ እዩ" ዝብል ርእይቶ እቲ ከንቲባ ሒዙ ወጺኡ ተባሂሉ።

  3. ብኮሜድያዊ ስራሓት ህዝቢ ኣብ ዙርያ ኮቪድ-19 ዘለዎ ግንዛበ ንከዕቢ ዝሰርሕ ዘሎ ስነ ጥበባዊ ዮናስ ማይናስ

    ኮሜዲያን ዮናስ ምሕረትኣብ (ማይናስ)፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ሓደ ካብቶም ልዑል ተቀባልነትን ዓቢ ሽም ዘለዎን ስነጥበባዊ'ዩ።

    ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕጽዋ ኣብ ዘለወሉ ድማ ንህዝቢ ዘዘናግዕ፤ ዝምህርን ተስፋ ዘስንቕን ስርሓት የቕርብ ኣሎ።

    ዮናስ ማይናስ፡ ኮሮናቫይረስ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታዉ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኮሜዲ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ እዩ ገሊጹ።

    "ሕብረተሰብና ዋላ ሕማም ይሃሉ ሰብ ሕማቕ ከይስምዖ ብምባል ንሰብ ሓቒፍካ ናይ ምስዓም ባህሊ ኣለዎ፤ ድሕሪ ኮሮናቫይረስ ግን እዛ 'ኣብ ልበይ ሰፈርካ' ትብል ኣገባብ ሰላምታ ግንንቲ ኮይና ሰብ ክጥቀመላ ምስ ረኣኹ ኮሜድያዊ ትሕዝቶ ወሲኸ ኣቅሪበያ" ይብል።

    ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብሰብ ሞያ ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝውሃብ መልእኽቲ ዕትቡነት ዝሓትት'ዩ፤ ነዚ ምልእኽቲ ብኮሜዲ ጌርካ ምትሕልላፉ ዕትቡነትዶ ኣየጉድልን ዝብል ሕቶ ኣቅሪብናሉ።

    ዮናስ "ብቋንቋ ኮሜዲ እቲ ዝሓሸ ኣገላልጻ ከምዚ ኣነን ካልኦት ብጾተይን ዝገብርዎ ዘለዉ እዩ፡ ነቲ ብኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ኮሜዲ ኣእቲኻ እንድሕር ዘርጊሕካዮ ሰብ ከይዓጸቆ እናሰሓቐ ነቲ ዝድለ መልእኽቲ ክወስዶ ይኽእል እዩ" ይብል።

  4. ዶናልድ ትራምፕ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት "መሰረታዊ ለውጢ" ከምጽእ ኣለዎ ኢሉ።

    እንተዘይኮይኑ ግና፡ ትራምፕ ኣመሪካ ነቲ ትካል እትገብሮ ድጋፍ መሊኣ ጠጠው ከተብሎ እያ ክብል ነቲ ሓላፊ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓቢሩ።

    ትራምፕ፡ እቲ ንዶክተር ቴድሮስ ዝጸሓፈሉ ደብዳበ ኣብ ትዊተሩ ዘስፈረ ኮይኑ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ከተማ ቻይና ዉሃን ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣመልኪቶም ዝቐርብሉ ዝነበሩ መረዳእታት፡ ዕሸሽ ኢሉ ብምባል ግቡኡ ከም ዘይተዋጸአ እዩ ዝሕብር።

    እኳ ደኣስ፡ ደጋጊሙ ንቻይና ይንእድ ነይሩ ብማለት ነቲ ብጊዝያዊነት ጠጠው ዘበሎ ድጋፍ፡ መሊኡ ጠጠው ከብል ከም ዝኽእል ትራምፕ ኣጠንቂቑ።

  5. ኡጋንዳ: ንዜጋታታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብናጻ ክትዕድል እያ

    ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ቅድሚ ምልዓሉ ዕድሚኦም ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ብሙሉኦም መንግስቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብናጻ ክዕድሎም እዩ ኢሉ።

    ኡጋንዳ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚራ ኩሉ ሰብ ማስክ ክጥቀም ኣዚዛ እያ።

    እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 14 መዓልታት ማስክ ክዕደል ምዃኑ ሓቢሩ።

    ሓድ ሕድ ዜጋ ድማ ሓንቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ መንግስቲ ብናጻ ክትወሃቦ እዩ።

    ድሕሪኡ ድኳናት ክኽፈቱ’ዯም፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያታት ድማ ክሕዝዎ ካብ ዝግባእ ሰብ ብፍርቂ ነክዮም ክሰርሑ ክግበር እዩ፣ መግቢ ኣብ ዝሽየጠሎም ቦታታት ዝሰርሑ ሰባት ድማ ናብ ገዝኦም ክኸዱ ክፍቀደሎም እዩ።

    ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዶብ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ዝህሉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ን21 መዓልታት ክዕጾ እዩ።

    ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምራ ክፍቀደለን እንከሎ፡ ሃገራዊ ፈተና ዝወስዱ ተመሃሮ ጥራሕ ክምህራ ኣለወን ተባሂሉ።

    ኡጋንዳ ሕጂ’ውን ዶባታ ዕጹዋት ኮይኖም፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ወጋሕታ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ’ውን ንዝቕጽሉ 21 መዓልታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 248 ሰባት ብኮሮቫይረስ ክትሓዙ ከለው፡ መብዛሕትኦም መራሕቲ ዶብ ኣቋሪጸን ዝኣትዋ መካይን እዮም ተባሂሉ።

  6. ሓድሽ ዜና, ምክትል ፕሬዝደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ሓደ ኣባል ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ-19 በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ምስተገለጸ፡ ሪክ መቻር፡ ብ13 ግንቦት 2020 መርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሉ።

    ይኹን’ምበር ምልክታት እቲ ቫይረስ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ን14 መዓልታት ንነብሱ ወሺቡ ከም ዝጸንሕ ገሊጹ።

    ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ’ውን በቲ ቫይረስ ተታሒዛ ኣላ።

    ብርክት ዝበሉ ሓለውቲ ሪክ መቻርን ሰራሕተኛታት’ውን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።

    ኣብ ደቡብ ሱዳን 236 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 4 ድማ ሞይቶም።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝነብርሉ መዓስከር ክልተ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ምስ ተረኸቡ ፡እቲ ቫይረስ ቐልጢፉ ክላባዕ እዩ ዝብል ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

  7. ህይወት ድሕሪ ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል ኣሎ?

    ገለ ሃገራት ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ኣንቢረንኦም ዝነበራ እገዳታት ከፍኩሳ ጀሚረን ኣለዋ።

    ንውሕ ንዝበሉ ኣዋርሕ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ድማ ናብ ደገ ብምውጻእ ሓድሽ ህይወት ከስተማቕሩ ጀሚሮም።

    ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ፕሮፌሽናል ጋንታ ራግቢ ሜልቦርኔ ሬበልስ ልምምድ ከተካይድ ጀሚራ። እቲ ውድድር ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክጅምር ይትስፎ።

    እንተኾነ፡ ሕግታት ኮቪድ-19 ንምኽባር ተጻወትቲ ጥንቃቐ ክገብሩ እዩ ዝምዓድ።

    ኣብ ህንዲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ከተማ ናብ መረብኦም ይፈልሱ ኣለው።

    ኣብታ ሃገር ዘሎ ለበዳ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝኸርር ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋን ምእጋድ ምንቅስቓስን ናብ ሰብኣዊ ቅልውላውን ራዕድን ይቕየር ኣሎ።

    እዚ፡ ተጉዓዝቲ ናብ ኣውቶብስ ቅድሚ ምእታዎም መርመራ ክግበረሎ ተሰሊፎም ዘርኢ ምስሊ እዩ።

    ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው ግን፡ ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ካብ ሞንጎ ዝወሃቡ ማዕዳታት እዩ።

    ኒውዝላንድ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዓብዪ ዓወት ዘመዝገባ ሃገራት እያ።

    ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጃሲንዳ ኣርደን፡ ናብ ዞባ ሮሮራ ብምኻድ ምስ ናይ ቱሪዝም ሰራሕተኛታት ተራኺባ እታ ዞባ ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምሕዋይ ትገብሮ ዘላ ስራሕቲ ዘትያ።

  8. ኣብ ቺለ ብምኽንያት ዕጽዋ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ ሳንቲያጎ ብምኽንያት ኣዋጅ ዕጽዋ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ፖሊስን ዓመጽትን ድማ ተጓኒጾም።

    ማዕኸን ዜና እታ ሃገር፡ ፖሊስ መንብዒ ጋዝን ናይ ማይ ቆርቆሮን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ክጥቀምን እቶም ተቓወምቲ’ውን ኣእማን ይድርብዩን የቃጽሉን ምንባሮም ዘርእዩ ምስልታት ዘርጊሑ።

    ከንቲባ ኤል ቦስኩ ሳዲ ሜሎ ንናይቲ ከበባቢ ራድዮ ከም ዝበሎ ድማ፡ እቶም ዓመጽቲ ብምኽንያት “ጥምየትን ሸቕሊ ኣልቦነትን፤ ኣብ ከቢድን ሕልኽልኽ ዝበለን ኩነታት እዮም ዝርከቡ”።

    ፕሬዝደንት እታ ሃገር ብወገኑ ኣብዚ ሰሙን 2.5 ሚሊዮን ዕሹግ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ከቕርብ እየ ኢሉ።

  9. ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም ‘ኵርኵር ቻይና’ ክብል ድሂሉዎ

    ውድብ ጥዕና ዓለም ንኽልተ መዓልታት ዘካይዶ ዓመታዊ ኣኼብኡ ትማሊ እዩ ጀሚሩ።

    መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ድማ ብስልኪ ተራኺቦም።

    እቲ ትካል ኣብ ጉዳይ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይዝቲ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኵርኵር ቻይና” ክብል ዲሂሉዎ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም “ንዓና ብዙሕ ሕማቕ፣ ሓደገኛ ምኽሪ እዩ ሂቡና” ዝበለ ትራምፕ “ንሕና ድማ ብዙሕ ጌና ፈጺምና፤ ኣብ ጎኒ ቻይና እዩ ነይሩ” ኢሉ።

    ትራምፕ ባዕሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን፤ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ግን ብቪድዮ ኣትዩ ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ለበዳ ብኣግባቡ ስለ ዘይተቖጻጸሮ “ህይወት ብዙሓት” ኣጥፊኡ እዩ ኢሉ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ንዘብጽሖ ሓደጋ ዝንቀፍ ትራምፕ፡ ብተደጋጋሚ ንትካል ጥዕና ዓለም ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

    ብምኽንያት እዚ ለበዳ፡ እቲ ትካል ንቻይና ኣትሪሩ ክነቅፍ ነይሩዎ ክብል’ውን ተቓውምኡ ይገልጽ።

    ትራምፕ፡ ቻይና መጀመርታ እዚ ለበዳ ከጋጥም ከሎ ኣብ እዋኑ ኣየፍለጠትን ሓቢኣ እያ ክብል ይኸሳ።

    ኣብ ምኽፈቲ እቲ ትማሊ ዝጀመረ ኣኼባ፡ ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ቻይና “ግልጽን እሙኑን” ሓበሬታ እያ ሂባ ብማለት፡ ዝኾነ ዓይነት ምጽራይ እቲ ለበዳ መሊኡ ኣብ ቁጽጽር ምስ ወዓለ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።

    ኣሜሪካ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ለበዳ ኣብ ምቁጽጻር ዘርኣዮ ምዝሕታል ክጻረ ኣለዎ ብምባል፡ ነቲ ትካል ክትህቦ ዝጸንሐት ምወላ ደው ኣቢላቶ እያ።

  10. ከመይ ሓዲርኩም!

    ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኮሮናቫይርስ ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

    ቢቢሲ ትግርኛ ሰናይ መዓልቲ ክኾነልኩም ይምነ።