ፍርያት ዕምበባ ፍዮሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሮጳ ዘለዎ ጠለብ ምምሕያሽ የርእይ ኣሎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣውሮጳ ምምሕያሽ እናተረኣዩ ብምምጽኦም ጠለብ ዕምበባ ፍዮሪ ክውስኽ ከምዝኸኣለ ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይትን ለኣኽትን ኣትኽልትን ፍረታትን ኢትዮጵያ ኣይተ ቴድሮስ ዘውዴ ተዛሪቡ።
ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎኩስ ብምጅማሩ ኣብ ዕዳጋን ዋጋን ዕምበባ ፍዮሪ ኢትዮጵያ ወሰኽ ከምዝተረኣየ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣዝዩ ዝለዓለ ምንካይ ዋጋን ዕዳጋን ኣጋጢሙ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምምሕያሽ ተራእዩ'ሎ ኢሉ።
ብፍላይ ንፍርያት ዕምባባ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዕድል ዕዳጋ ዝነበራ ጀርመንን ስዊትዘርላንድን ዶባተን ምኽፋተንን ገደባት ምንቅስቓስ ብምፍኳሰንን ነቲ ምምሕያሽ ዕዳጋ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾና'ውን ኣረዲኡ።
ካብ ቻይና ቀጺሉ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብዙሓት ሰባት ኮሮናቫይረስ ስለዝተትሓዙ ኣብ ንግድን ካልእ ምንቅስቓሳትን ምዝሕሓል ኣጋጢሙ'ዩ።


















