እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፓርቲ ብልጽግና ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ብፖሊስ ዝተፈጸመ ቕትለት ኮኒኑ
እቲ ውድብ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ብጥይት ብዝተፈጸመ ቕትለት ሓደ ትግራዋይ መንእሰይን መቑሰልቲ ክልተ ወገናትን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ንህዝባ ኣተሓባቢራ ኣንጻር ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቃልሲ ተካይድ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ጎንጽታት ይውልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ መግለጺ ፓርቲ ብልጽግና ትግራይ፡ በቶም ጎንጽታት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።
"ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጠረ ቅትለት ሓደ መንእሰይን ክልተ ኣካላዊ መቑሰልትን ብሓፈሻ ድማ ሰላም ህዝቢ ዝዘርግን ኢ-ሕጋውን ዘይፍትሓውን ጥቕዓት ነቲ ኣብ ክልልና ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ስእነት ዴሞክራስን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘረጋግጽ እዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ውድብ።
ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝተደንገገሉ እዋን ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ከይጥሓሱ ፍሉይ ቆላሕታ ሂብካ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ "ብፍላይ ሰላማውያን መናእሰይ መተካእታ ዘይብሉ ክቡር ህይወቶም ክሳብ ዝስእኑ ዘይመጣጠን ሓይሊ ተጠቒምካ መጥቃዕቲ ምፍናው ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ተቐባልነት ዘይብሉ እኩይ ተግባር'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጸመ ቅትለትን ኣካላዊ መቑሰልትን ድማ ብቕልጡፍ ተጻርዩ እቲ ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ ናብ ንህዝቢ ክግለጽ ሓቲቱ።