እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ገሊጹ

    ሰራዊት እስራኤል፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ማዕበል ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ከም ዘምከነ ገሊጹ።

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ሳይረን ከምዝተሰምዐ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብወገኑ "እዚ ስርሒት ንምሉእ ሰሙን ክቕጽል'' ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

    "ጸላኢ ክሳብ ዝዕገትን ገበናቱ ክሳብ ዘቋርጽን ንዝቕጽሉ 7 መዓልታት ን24 ሰዓት ማዕበል ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክውጨፉ እዮም" ይብል።

    "ንመሬት ኢራን ዒላማ ዝገበረ ድማ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኣዕናውን ልዕሊ ዓቕምን ምላሽ ክወሃቦ’ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።

  2. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

  3. ፊፋ ናብ ስታድዮማት ዋንጫ ዓለም ከይኣትዉ ዝኸልከሎም ነገራት እንታይ'ዮም?

  4. ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ዲ-ደይ፡ 'ኣውሮጳ ብስደተኛታት ተወሪራ' ክብል ነቚፉ

  5. ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቢዘን፡ ክርስትያናዊ ውርሻ ኤርትራ

  6. ኢትዮጵያ፡ ንዳኛን በዓልቲ ቤቱ ነበርን ኣብ መጋባእያ ዝቐተለ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

  7. ኢራን፡ ኣገደስቲ ስታፋት ሃገራዊት ጋንታ ብኣመሪካ ቪዛ ከምዝተኸልኡ ከሲሳ

  8. ፈደራላዊ ዳኛ ንፖሊሲ ኢምግረይሽን ምምሕዳር ትራምፕ ውዱቕ ገይሩዎ

  9. ሓደገኛ ጕዕዞ ሰሃራ፡ ብጽምኢ ዝሞቱ 49 ሰባት ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም

  10. ሶማልያ ኣብ ቀራና፡ ኣብ ሞቓድሾ ንምንታይ ብርቱዕ ተዅሲ ተሰሚዑ?

  11. ፊፋ ተጻወትተን ናብ ዋንጫ ዓለም ንዘሳትፋ ክለባት ንምንታይ 335 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል እዩ?

  12. ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ

  13. ኤርትራዊ መበቈል ዘለዋ መንእሰይ ብዛዕባ መንሽሮ ደም ትጕስጕሶ ዘላ እንታይ እዩ?

  14. ዘለንስኪ ምስ ፑቱን ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ብደብዳበ ጠሊቡ

  15. ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ 4 ሃገራት

  16. ሕዝቦላህ ኣብ መንጐ ሊባኖስን እስራኤልን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉ

    ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንዋሕ ምቊራጽ ተዂሲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ እቲ በመንጐኝነት ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ንሊባኖስ "ዘሕስር'ዩ" ክብል ነጺግዎ።

    ሰለስቲአን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ሕዝቦላህ "ምሉእ ብምሉእ ተጻብኦታት ደው እንተኣቢሉ" ዝፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

  17. ሶማልያ፡ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከቢድ ግጭት ተፈጢሩ

    ኣብ ሶማልያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስቲን ዕጡቓት ተቓወምቲን ጽዑቕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተሰሚዑ።

    እቲ ግጭት ብሰንኪ ምንዋሕ ምርጫ ዝተበገሰ እዩ።

    እብረ-ስልጣን ፕረዚደንት ሼኽ ሓሳን ማሕሙድ ብ15 ግንቦት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

    ምንዋሕ ዕድመ-ስልጣን ናይቲ ፕረዚደንት ዘይቅዋማዊ'ዩ ክብሉ ዝነቐፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሎሚ ሓሙስ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየድ ጸዊዖም ነይሮም።

    "መጠነ-ሰፊሕ ጸጥታዊ ስርሒታት" የካይዱ ምህላዎም ዝገለጹ ፖሊስ፡ ኣንጻር "ልዑል ዕጥቂ ዘለዎምን ብሞርታራት መጥቃዕቲ ዘካይዱን ሚሊሻ" ገጢሞም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ካብ ተቓወምቲ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሓሳን ዓሊ ካይረ፡ "ሰላማዊ" ተቓውሞ ንምግባር እናተዳለወ እንከሎ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተጠረቕዐ ከሲሱ።

    ሓላፍነት ናይቲ ዝስዕብ ጉድኣት እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ለ።

    ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

  18. ትግራይ፡ ንመረጻ ኢትዮጵያ ዝነቐፈ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌደራል ክዘራረብ ይሓትት

  19. ብዛዕባ ንትራምፕን ናታንያሁን ዘባኣሰ ርክብ ተሌፎን እንታይ ንፈልጥ?

  20. ኢትዮጵያዉያን 'ከስግር' ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ