ኣብ ኲናት ኢራን 18 ወተሃደራት ኣሜሪካ ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 600 ቆሲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ክካየድ ካብ ዝእዝዝ ንደሓር፡ 18 ወተሃደራት ኣመሪካ ከምዝሞቱን ብውሕዱ 624 ከምዝቖሰሉን ፔንታጎን ጸብጺቡ።
ካብቶም ጉድኣት ዝበፅሖም እቶም 417 ምስ ስርሒት ‘ኤፒክ ፉሪ’ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ከለዉ፡ 207 ድማ ኣብ “ስርሒታት ወጻኢ ሃገራት” ዝተሳተፉ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፔንታጎን ኣብ ኲናት ኢራን ካብ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ኣባላቱ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ብዝሒ ዝርዝር ኣመሓይሹ ኣሎ።
መረዳእታ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣብ ወፍሪ ኢራን 18 ተቐቲሎም 482 ድማ ቆሲሎም ዝብል ነይሩ።
ድሕሪኡ ዝተገብረ ምምሕየዓሽ ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ብኣርባዕተ ብምንካይ ጠቕላላ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 14 ኣውሪዱዎ።
እቲ ለውጢ ቁጽሪ ጉድኣትን ሞትን፡ ብዘይ ዝኾነ መብርሂ ዝተገብረ ብምዃኑ፡ ሌተናል ኮሎኔል ሰራዊት ነበር ቤን ሆጅስ “ስእነት ግሉፅነት” ክብል ተነቒፉ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ሾን ፓርነል ነቲ ኣብ ብዝሒ ሞት፡ ዝተገብረ ለውጢ “ግዝያዊ ጸገም መረዳእታ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ “ስርሒታት ሃገራት ወፃኢ” ዝብል ክፋል፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ምክልኻል ከምዝተዘርግሐ ዘ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
እቲ ክፍሊ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባትን ዝቘሰሉ 207ን ይዝርዝር።
እቶም ጉዱኣት ኣብ እዋን ኲናት ኢራን ድዮም ኣይኮኑን ንጹር ኣይኮነን።




