ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ወተሳኺ ሰብ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዩ
ኣብ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ምሉእ ብምሉእ ሓዊያ ናብ ቤታ ከምዝተፋነውት ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ምስቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተፋነው 37 ሰባት፡ ቁጽሪ ካብ ኮሮናቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት 38 በጺሑ’ሎ።
ኣብ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 39 እዩ።

ምንጪ ስእሊ, yemane G/meskel















