ቻይና ንፈለማ ግዘ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 32 ሰባት ከምዝረኸበትን፡ ኩሎም ድማ ካብ ሃገራት ወፃኢ ዝመፅኡ ከምዝኾኑን ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ’ውን ገሊጻ።።
ወኪል ዜና ፈረንሳ [AFP] ከም ዝጸብጸቦ፡ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ቻይና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንዝርገሐ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ ዕላዊ ምግባር ካብ ትጅምር፡ ሞት ከምዘየጋጠመ ክግለጽ ከሎ፡ እዚ ንፈለማ ግዘ እዩ።
ኣብ ቻይና 81,740 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ፡ ልዕሊ 3,300 ሰባት ድማ፡ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑ ይግለጽ።


