ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ኣሎ ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ እናገደደ ብምምጽኡ" ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ'ሎ። እዚን ካልኦትን ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ንምርካብ፡ ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ሕጽረት ኮንደም ከየጋጥም ተሰጊኡ

    ኮንደም

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ብደረጃ ዓለም ሕጽረት ኮንደም ከጋጥም ከምዝኽእል፡ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ትካል ኣፍራዪ ኮንዶም ገሊጹ።

    ኣብ ዓለም እታ ቀንዲ ኮንደም እተፍርን ጠለባት እትመልእን ሃገር ማሌዥያ እያ። ኣብዛ ሃገር ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሳት ተኣጊዱ፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ስለዘለዉ፡ ኮንደም ከምቲ ቀደም ይፈርይ የለን።

    ኣብ ዓለምና ካብ ዝሽየጡ ሓሙሽተ ኮንደማት እቲ ሓደ፡ ካሬክስ ዝበሃል ትካል ዘፍርዮ ምዃኑ ጸብጻብ ኤኤፍፒ የረድእ።

    ናይዚ ኩባንያ ሓላፊ ጎህ ሚያህ ድማ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ብርግጽ ሕጽረት ኮንደም ከጋጥም ምዃኑ ኣሚቱ'ሎ።

    ሕቡራት ሃገራት'ውን ነዚ ስግኣት ኣንጸባሪቕዎ ኣሎ። ኣብ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝነጥፍ ኤጀንሲ ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብቲ ንንጥፈታቱ ዘድልዮ ብዝሒ ኮንደም ፍርቂ ጥራይ ከምዝረኸበ ይገልጽ።

    ሕቡራት ሃገራት ብውሃቢ-ቃል ኣቢሉ "ናይ ኮንደም ኮነ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ሕጽረት እንተጋጢሙ፡ ብዝሒ ዘይተደለየ ጥንሲ ይውስኽ። እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ደቂኣንስትዮ፣ መጻምደንን ስድራታትን ዘይተደለየ ጥዕናውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምጽእ ይኽእል" ምባሉ ኤኤፍፒ ጠቒሱ'ሎ።

    ብተወሳኺ ድማ፡ ውሑስ ብዘይኮነ መገዲ ጥንሲ ንምስዳድ፣ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማትን ንኤችኣይቪን ዘቃልዕ ምዃኑ ብምጥቃስ ስግኣቱ ገሊጹ።

  2. ከተማ ውሃን ንፈለማ እዋን ምሉእ ንምሉእ ተኸፊታ

    ውሃን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ማዕጾታት ካልእ ዓለም እንትዕጾ፡ ነበርቲ ናይታ ፈለማ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ግን፡ ማዕጾታቶም ኣርሒዎም ምንቅስቓሳት ጀሚሮም ኣለዉ።

    ጥዕነኦም ውሑስ ምዃኑ መረጋገጺ ዝሓዙ ነበርቲ፡ ናብ ድላዮም ክጓዓዙ ተፈቒድዎም ኣሎ።

    እታ ከተማ፡ ድሕሪ እቲ ለበዳ ንፈለማ እዋን እያ ምንቅስቓሳት ምሉእ ንምሉእ ከፊታ ዘላ።

    መገድታት ባቡርን፡ ናይ መኪና ጽርግያታትን'ውን ምሉእ ንምሉእ ተኸፊቱ'ሎ።

    ኣብ ከተማ ውሃን 11 ሚልዮን ሰባት እዮም ዝነብሩ። ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ድማ ን 11 ሰሙናት ኣብታ ከተማ ምንቅስቓሳት ምሉእ ንምሉእ ተኣጊዱ ነይሩ።

    ኣብ ቻይና ብሰንኪ እዚ ሕማም ካብ ዝሞቱ ሰባት መብዛሕተኦም ናይዛ ከተማ ነበርቲ ምዃኖም ይግለጽ።

  3. ኣመሪካ፡ ብኮሮናቫይረስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል መጠን ሞት ኣጋጢሙዋ

    ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    ኣብ ኣመሪካ፡ ትማሊ ሰሉስ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 1,736 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዘጋጠመ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ’ሎ።

    እዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ናብ 12,722 ክብ ክብል ከምዝገበሮ መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።

    ልዕሊ 398,000 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘለውዋ ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ኮይኑ ይርከብ።

    ቁጽሪ ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ፡ ካብ 1.4 ሚልዮን ሓሊፉ’ሎ።

  4. ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ሎሚ'ውን ንኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ሓበሬታታትን ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉ።

    ናይ ትማሊ ሓበሬታታት ክትረኽቡ እንተደሊኹም፡ ኣብዚ ገጽ ንታሕቲ ወሪድኩም ክተንብቡ ትኽእሉ።

  5. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት እተን 3 ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እየን

    ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ እቶም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ እተን ሰለስተ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝኾና ተገሊጹ።

    ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኣየር መንገዲ፡ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነዚ ኣረጋጊጹ።

    ንሱ፡ እተን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፋ ሰራሕተኛታት እቲ ኣየር መንገዲ፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ይርከባ'ውን ኢሉ።

    እንተኾነ፡ ብኸመይ በቲ ቫይረስ ክተሓዝ ከምዝኸኣለ እቲ ሓላፊ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ የለን።

    ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ ድማ፡ እቲ መንገዲ ኣየር በቲ ለበዳ ምኽንያት 10 ሚኢታዊ ጥራሕ እናሰርሐ እንትኸውን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 550 ሚልዮን ዶላር ከሲሩ እዩ።

    እቲ ለበዳ፡ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፤ መብዛሕተአን ኣየር መንገድታት ዓለም፡ በረራ ጠጠው እንተበላ'ኳ፡ ብኣንጻሩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር በረረኡ የሳልጥ ነይሩ።

    ካብዚ ዝተበገሰ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ነቐፌታ ድማ ኣተኣናጊዱ።

    ዛጊድ ኣብታ ሃገር፡ 52 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኾይኖም፡ ክልተ ህይወቶም እንትስእኑ፡ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

  6. ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ይርከብ ተባሂሉ

    ቦሪስ ጆንሰን

    ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

    ሎሚ ለይቲ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕሙማት ኣትዩ ዝሓደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ሎሚ ቀትሪ ኣብ ዝሐሸ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዝረከብ ተገሊጹ።

    ወሃቢ ቃል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝበሎ፡ ወዲ 55 ሚስተር ቦሪስ ጆንሰን ኦክስጂን እንተተውሃቦ'ኳ መተንፈሲ መሳርሒ ግን ከየድለዮ፤ መንፈሱ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዝርከብ።

    ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንስድራ ቦሪስ ጆንሰንን ንነፍሰ-ጹር በዓልቲ ገዝኡን "ኣብ ጎንኹም እየ" ዝብል መልእኽቲ ልኢኻትሎም። ገለ መራሕቲ ሃገራት'ውን ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ጽቡቕ ትምኒት ይልእኹ ኣለዉ።

    እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ካሊእ ኣባል ካቢነ እታ ዓዲ ሚኒስተር ሚካኤል ጎቭ ንበይኑ ተዓጽየዑ [ተወሺቡ] ይርከብ።

    እዚ ኣብ ገዛ ኾይኑ ስርሑ ዘሳልጥ ከምዝሎ ዝዝረበሉ ሚኒስተር፡ ዝኾነ ምልክት'ኳ እንተዘይኣርአየ፡ ኣባል ስድርኡ ግን እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ።

  7. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 5 ጋዜጠኛታትን ኣባላት ኦነግን ክፈትሕ ተሓቲቱ

    ጋዜጠኛ

    ምንጪ ስእሊ, Amnesty International

    ዓለም ለኸ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ተቓውሚ ውድብ ኦነግን ክፈትሕ ንመንግሰቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

    እዞም ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ፖሊስ ጣብያ ስኢልኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ 2 ጋዜጠኛታትን 3 ኣባላት ውድብ ኦነግን ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ተኣሲሮም ይርከቡ።

    ክልተ ጋዜጠኛታት ጣብያ ቴሌቪዥን ኦሮምያ ኒውስ ኔትወርክ እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ፡ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ምዃኖም እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

    ንግዚኡ ኣብያተ ፍርዲ ብኸፊል ዝተዓጸዉ ኾይኖም፡ እዞም እሱራት ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ውሳነ ከምዝሃበ እንተኾነ ግን፡ ፖሊስ ዛጊድ ከምዘይፈትሖም እቲ ጉለጅለ ገሊጹ።

    መንግስቲ እታ ሃገር ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ካብ ዝወሰዶም ስጉምትታት ሓደ እሱራት ምፍታሕ ይርከቦም።

    እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ መንግስቲ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ምስ ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ ብዝጸብጸቦ ኣብ ቀይዲ ዘውዓለ ኾይኑ፡ ክሲ ንምምስራት እናተንቀሳቐሰ ይርከብ።

    ሲፒጄ፡ መንግስቲ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይን ኣብ ናይ ውልቅኡ ማሕበራዊ ገጻትን ንፌዴራል መንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፈትሖ ምሕታቱ ዝዘከር እዩ።

  8. መድሓኒት ዓሶ ንምንታይ እዩ ኣብ ዓለም ተደላዪ ኮይኑ ዘሎ?, ሃገራት፡ ንኮሮናቫይረስ ዝኸውን መድሓኒትን ክታበትን ገና የናድያ እየን ዘለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንሕማም ዓሶ ዘገልግሉ ኣፋውስ ኣብ ዓለምና ጠለቦም ዓሪጉ ኣሎ።

    ከኒናታት ሃይድሮክሲክሎሮኪን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ክኒናት ክሎሮኪን፡ ረስኒ ከምኡ ድማ ነድሪ (inflammation) ንምንካይ ኣብ ሕክምና ሕማም ዓሶ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ'ሎ።

    ሕዚ ድማ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ንዘምጽእ ቫይረስ ይዓግት እዩ ዝብል ተስፋ እዩ ዘሎ። "ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብ ዝተገበሩ መጽናዕትታት፡ ክሎሮኪን ንኮሮናቫይረስ ዝዓግቶ ይመስል።

    እቲ መድሓኒት ሓጋዚ ኮይኑ ረኺብናዮ ዝበሉ ሓካይም እውን ኣለዉ" ይብል ኣብ ቢቢሲ ናይ ጥዕና ጋዜጠኛ ጄሚስ ጋላሀር።

    ኮይኑ ግን፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሕካም ውጽኢታውነት ናይዞም መድሓኒታት ክሳብ ክንደይ እዩ ንዝብል፡ ዛጊት ኣብ ዝተኻየዱ ፈተነታት ውጽኢታነውቶም ዘረጋግጽ እኹል መረዳእታ ኣይተረኸበን።

    ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተገበረ ሓደ መጽናዕቲ ድማ፡ እዞም መድሓኒታት፡ ውጽኢት የብሎምን እዩ ዝብል። እዚ መድሓኒተት ከቢድ ጎናዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዎ።

    ኣብ ኩሊትን ጸላም ከብድን ሃስያ ከብጽሕ ይኽእል። "ውጽኢታውነቱ ንምግምጋም፡ ዝዓበየ ንደረጅኡ ዝሓለወን ፈተነታት ክነካይድ ይግባእ" ይብል ምሁር ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኮሜ ግበነጊ።

    ኣብ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ስፔንን ቻይናን ሓዊሱ ልዕሊ 20 መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ።

    ናይዚ ምሉእ ትሕዝቶና ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ፈለግ ትረኽብዎ

  9. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዯጵያ ወዲ 9 ወርሒ ህጻን ወሲኹ 8 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዯጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 52 በጺሑ።

    ኣብ ኢትዯጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 264 ሰባት እቶም 8 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ንሚንስቴር ጥዕና ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ኢትዯጵያ ጸብጺቡ።

    በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ ወዲ 9 ወርሒ ህጻንን ኣዲኡን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ።

    እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሸውዓቲኦም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ ሓንቲ ኤርትራዊት ትርከቦም።

    ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

  10. ፓኪስታን ተቓውሞ ዘስምዑ ብዙሓት ዶካትር ኣሲራ

    ኣብ ፓኪስታን ከተማ ኬታ፡ ዶካትርን ተሓጋገዝቲ ሓኻይምን፡ 'ናይ ድሕነት ናውቲ ሕክምና የለን' ብዝብል ሰልፊ ተቓውሞ ብምክያዶም ተኣሲሮም።

    ፖሊስ ንሰልፈኛታት ንምብታን በትሪ ከምዝተጠቐመ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

    እቶም ዶካትር፡ ንሚኒስትር ጥዕና እቲ ኣውራጃ፡ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ቃል ዝተኣተዎ ቀረብ ድሕነት ናውቲ ኣይፈፀመን ብዝብል ክነቕፍዎ ፀኒሖም እዮም።

    መንግስቲ እታ ሃገር ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንዝሕክሙ ሰብሞያ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒን (ማስክ) ናይ ሕክምና መሳርሕን ኣቕሪበ እየ ይብል።

    ሰብሞያ ጥዕና ግና ፡ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ንዘይፈለጡ ተሓከምቲ ክሳብ ዘገልገሉ፡ ኩሎም ሰብሞያ ኣብ ሓደጋ ከምዝኾኑ እዮም ዝገልፁ።

    ኣብ ክልል በሎቺስታን፡ ልዕሊ ደርዘን ዶካትር ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም፡ ቀንዲ መንቀሊ እዚ ናዕቢ እዩ።

  11. ኣብ ጋና ለበዳ ኮሮናቫይረዝ ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ

    ጋና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 73 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጣ።

    እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ናብ 278 ኣብጺሕዎ'ሎ።

    ኣብ ሓደ መዓልቲብዙሓት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክርከቡ ዝኸኣሉ ምስቶም ቅድሚ ሕዚ እቲ ቫይረስ ከምዝለዎም ዝተረጋገጸ ሰባት ርክብ ዝነበሮም ምጽራይ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ከምዝኾነ ሚንስቴር ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    መንግስቲ ጋና ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝኣትዉ ሰባት ን21 መዓልቲ ክውሸቡ ኣሕሊፍዎ ዝነበረ ውሳነ ተወዲኡ እዩ።

    ኣብቲ ዝተቐመጠገ ገደብ ግዜ 1030 ሰባት ዝተወሸቡ ኮይኖም ካብዚኦም እቶም 105 ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ክልተ ግዜ ብዝተገበረሎም ምርመራ ተረጋጊጹ።

    መድሓኒት ዝነጽግ በዓል ሞያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  12. ጽኑዕ ክትትል ሕክምና (ኣይሲዩ) እንታይ እዩ? ንመንከ የድልዮ?

    ጽኑዕ ክትትል ሕክምና እንታይ እዩ?

    ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና፡ ከቢድ ሕማም ዘጋጠሞም ሕሙማት ዝሕከምሉ ክፍሊ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ፡ ተሓከምቲ ጥቡቕ ክትትልን ሕክምናን ይግበረሎም።

    ኣብዚ ክፍሊ ውሑዳት ተሓከምትን ዝያዳ ሰብሞያ ጥዕናን ይምደቡ። እዚ ድማ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ነብሲ ወከፍ ተሓካሚ፡ ናቱ ዘናብዩዎን ዝሕክምዎን ሰብሞያ መታን ክረክብ እዩ።

    ኣብዚ ክፍሊ፡ ፍሉይ ናይ ክትትል መሳርሕታት'ውን ኣለዉ።

    ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ንመን የድልዮ?

    ሓደ ተሓካሚ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝኣትወሉ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ።

    ገለ ተሓከምቲ፡ ከቢድ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዶም ክሳብ ዝሓውዩ ኣብዚ ክፍሊ ይጸንሑ።

    ካልእ ድማ፡ ብዝወረዶም ሓደጋ መጉዳእቲ ዝበጸሖም ሰባት፡ ንኣብነት ሓደጋ መኪና ዘጋጠሞም፡ ጽኑዕ ክትትል ክግበረሎ ምናብዚ ክፍሊ ይኣትዉ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ድማ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ ምስሓዞ ዝረኣይዎ ካብ ዝነበሩ ምልክታት ናይ ምምሕያሽ ለውጢ ሰለዘየርኣየ እዩ ናብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ኣትዩ።

    ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዘላ ነርስ

    ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIBRARY

  13. ህንዲ ኣጊዳቶ ዝነበረት መድሓኒት ዓሶ ክተቕርብ'ያ

    ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ ህንዲ 'ዘድሊ መጠን' መድሓኒት (ኣፋውስ) ሃይድሮክሲክሎሮኪን ንፓራሴታሞልን ክተቕርብ'ያ።

    እዚ ቀረብ ኣፋውስ ንጎረባብቲ ሃገራትን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ዝተጠቕዓ ሃገራትን ከምዝውዕል እቲ ሚንስትር ሓቢሩ።

    ህንዲ መድሓኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳቶ'ያ ጸኒሓ።

    ዶናልድ ትራምፕ እንተደኣ ህንዲ ኣብ መኽዝና ዘሎ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ዘይለቒቓቶ ሃገሩ ሕነ ከምእትፈድይ ትማሊ ሰኑይ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    ነቲ መድሓኒት ድማ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ "ጸዋታ ቐያሪ" ክብል ገሊጽዎ።

    ሃይድሮክሲክሎሮኪን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  14. ትራምፕ 'ተበላሓትቲ' ኩባንያታት ሃገሩ ንቀዳማይ ሚንስትር ዓባይ ብሪጣንያ ክሕግዛ ጸዊዑ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን (የማን)

    ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ

    ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክልተ ብሉጻት ኩባንያታት ሃገሩ ጥዕና ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ክሕግዛ ሓቲቱ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ዘርእዮም ምልክታት ኮሮናቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ስለዝበጽሑ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ናብ ዝግበረሉ ክፍሊ [ICU] ክኣትው ተገዲዱ'ዩ።

    ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ክልተ ብሉጻትን በላሕትን ኩባንያታት ሃገሩ ምስ ለንደን ርክብ ክገብራ" ከምዝሓተተን ሓቢሩ።

    ንሱ ኣስማት ናይተን ትካላትን ብዛዕባ ክህብኦ ዝኽእላ ዓይነት ሓገዝን ኣይገለጸን።

    ንኹሎም ናይ ቦሪስ ዶካትር ከምዝረኸቦም'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

  15. ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝለዓለ ሞት ኣመዝጊባ

    ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞተ ሰብ ኣስከሬን ዝወስዱ ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ 1,150 ሰባት በቲ ቫይረስ ሂወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

    ፈረንሳይ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ፡ 830 ሰባት፡ ብኮሮናቫይረስ ስኢና።

    ኣብ ስፔን 'ውን፡ ትማሊ 630 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

    ዛጊድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ፡10,783 ዝበፅሐ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም።

    እዚ ድማ ቁፅሪ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ናብ 367,000 ክብ ኣቢልዎ ይርከብ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊድ ኣስታት 19,600 ሰባት፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ከምዝድሓኑ ተገሊፁ።

  16. ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከቢድ ሃስያ የውርድ ኣሎ

    ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቺካጎ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከቢድ ሃስያ የውርድ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ናይታ ከተማ ዘውጽእዎ መረዳእታ ይሕብር።

    ብሰንበት ኣብ ቺካጎ ካብ ዘጋጠመ ሞት ናይ 98 ሰባት፡ እቶም 72 ሚኢታዊት ጸለምቲ ነበርቲ ናይታ ከተማ እዮም። እዚ ከኣ ኣብታ ከተማ ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ግዝኣት ኤለኖይ እውን ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ።

    ኣብታ ግዝኣት ካብ ዘሎ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ፡ እቶም 14 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ጸለምቲ። እንተኾነ፡ ኣብታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋጠመ መጠን ሞት፡ እቶም 41 ሚኢታዊት ጸለምቲ ኣመሪካውያን እዮም።

    እንታይ እዩ ምኽንያቱኸ?

    ከንቲባ ናይታ ከተማ፡ ቀደሙ'ውን እንተኾነ፡ ሕማም ሽኮርያ፣ ሕማም ልቢን ናይ ምስትንፋስ ሕማማትን ኣብ ማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ይረኣይ እዩ ይብል።

    ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ኩሎም ሰባት፡ ዋላኳ ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና እንተሃለዎም፡ እኹል ቀረብ መግቢን ሰባት ብእግሮም ክንቀሳቐሱሎም ዝኽእሉ መገድታት ዘይምህላውን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ናይቲ ማሕበረሰብ ጽልዋታት ከምዝህልዎ ይግለጽ።

    ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ፈለግ ጠውቑ

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝወደየት ኣሜሪካዊት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  17. ድኻታት ሃገራት፡ ካብ ክፍሊት ዕዳ እፎይታ ክረኽባ ጻውዒት ቀሪቡ

    ብጻዕቒ ዝተሰርሑ መንበሪ ገዛውቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ካብ ክፍሊት ልቓሕ(ዕዳ) እፎይታ ክረኽባ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ፀዊዐን።

    እዚ ፃውዒት ዝቐረበ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምክልኻል ይቃለሳ ብምህላወን እዩ።

    ኦክስፋምን ኣክሽንአይድን፡ ነዚ ሓሳብ ካብ ሞንጎ ዘቕረባ ዓለምለኻውያን ትካላት ገበርቲ ሰናይ እየን።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት ይቃለሳ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 25 ቢልየን ዶላር ናይ ዕዳ እፎይታ (ዕረፍቲ) ክረኽባ ፀዊዐን ኣለዋ።

    ዳይሬክተር ናይቲ ልቓሕ ንክስረዝ ዝሰርሕ ኢንግሊዛዊ ትካል ጁቢሊ ሳራ-ጃይነ፡ "ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዝተወቕዓሉ እዋን፡ ህፁፅ ሓደጋ ጥዕና ገጢምወን ኣሎ" ኢላ።

    መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ፡ 69 ሚኢታዊት ድኻታት ሃገራት ዓለም፡ ካብ ካልኦት መንግስታትን ትካላትን ንዝተለቅሕኦ ዕዳ፡ በብዓመቱ 19.5 ቢልየን ዶላር እንትኸፍላ፡ ንውልቀ ኣለቃሕቲ ( ትካላት ዘይኮና) ድማ 6.5 ቢልየን ይኸፍላ።

  18. ሞሮኮ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዝንቀሳቐሱ ናብ ፍርዲ ክተቕርብ'ያ

    ብኣካላት ጸጥታ ዝተትሓዘ መንእሰይ - ኣብ ሞሮኮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ ገዝኦም ወጻኢ ዝተረኸቡ ዜጋታት ሞሮኮ ክሳብ 3 ወርሒ ማእሰርትን 126 ዶላር መቕጻዕትን ከምዝጽበዮም መንግስቲ'ታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

    እቲ ሕጊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰሉስ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ጥቡቕ ክትትል ክግበር'ዩ።

    ነቲ ለበዳ ብኸመይ ምቁጽጻር ከምዝከኣል ኣመልኪቱ ብድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ'ዩ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ወግዓዊ ዝገበረ።

    ሞሮኮ ካብ 19 መጋቢት ኣብ ዝጀመረን ንሓደ ወርሒ ኣብ ዝጸንዕን እገዳ ምንቅስቓስ ትርከብ።

    ዛጊድ 1,120 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ፤ 80 ድማ ዝሞቱ ኣለውዋ።

    እታ ሃገር መጠን መዓልታዊ እተፍርዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናብ 6 ሚልዮን ክተብጽሕ ተሊማ ትሰርሓ ምህላዋ ወሃቢ ቓል ሚንስትር ኢንዳስትሪ ቶፊቕ ሙቻራፍ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

  19. ሚንስትር ምክልኻል ኣይቮሪኮስት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

    ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ኣይቮሪኮስት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ተገሊጹ።

    እቲ ሚንስትር ዝኾነ ዓይነት ምልክት እቲ ቫይረስ ከይተረኣዮ ኣብ ዝገበሮ ምርመራ ከምዝተረኸቦ ተሓቢሩ።

    ዜጋታት ዝለዓለ ጥንቃቐ ክገብሩ ድማ ኣብ ትዊተሩ ብዘሕለፎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ።

    እቲ ሚንስትር ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞ ካብ ዝተፈለጠላ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ መወሸቢ ክጸንሕ ተገይሩ'ሎ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  20. ናብ ዘሕዝን ኩነታት ዝተቐየረ እገዳ ምንቅስቓስ ህንዲ

    ነናብ ቁሸቶም ዝኸዱ ህንዳውያን ሰራሕተኛታት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብስልኪ ከዘራርቦ ከለኹ ካብታ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ክሰርሕ ዝጸንሐላ ጉጅራት፡ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ኣብ ዞባ ራጃስታን እትርከብ ቁሸት ይምለስ ነይሩ።

    ጉታም ላል ሚና፡ ኣብቲ ጸሓይን ሃሩርን ዝበዝሖ ሸበጥ ተኸዲኑ በቲ ናይ ሓመድ መገዲ ይጓዓዝ ነይሩ። ብህይወት ክጸንሕ ዝሓገዞ ድማ ብሽኮትን ማይን'ዩ።

    ኣብ ዞባ ጉጅራት ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መዓልታዊ ክሳብ 400 ሩፒ ገንዘብ [5.34 ዶላር] ኣታዊ ይረክብ'ኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ዝረኸቦ ነቲ ዝበዝሕ ናብ ስድርኡ'ዩ ዝልእኾ።

    ህንዲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትገትእ መታን ካብ ፍርቂ ለይቲ 24 መጋቢት ዝጀመረ፡ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ እገዳ እንቅስቓስ ኣዊጃ። ብሰንኪ እዚ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ስራሕን እቶትን ክሰኣኑ ጀሚሮም።

    እቲ እገዳ ንምንቅስቓስ መጓዓዝ'ያ ዝኽልክል ብምንባሩ'ውን ሚና ብእግሩ ክጓዓዝ ተገዲዱ።

    "ሙሉእ ለይትን ቀትርን ተጓዒዘ። እንታይ ኣማራጺ ኣለኒ ኮይኑ? ቁሩብ ገንዘብ ነይሩኒ፡ መግቢ ግን ኣይሓዝኩን" ክብል ነጊሩኒ። ድምጹ ድርቕ ዝበለን ከይፈተወ ዝዛረብ ዘሎን የምስል።

    ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ፈለግ ትረኽብዎ