ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ብኢራን ዝድገፉ መደበራት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ቀፂላ

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

Published

ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓለዋ ሰውራ ኢራን [‘ኢራንያን ረቮሊሽናሪ ጋርድ’] ዝጥቀመሎም ወተሃደራዊ መሳለጥያታት "ዕውት" መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ከምዝበሎ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ብኢራን ዝድገፉ ተዋጋእቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከባ መደበራት ኣመሪካ ዘካይድዎ "ቀጻሊ መጥቃዕቲ" ግብረ-መልሲ እዩ።

ብውሕዱ ሸሞንተ ደገፍቲ ኢራን ዝኾኑ ተዋጋእቲ ከምዝተቐትሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ኲናት ገሊጹ’ሎ።

ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣየር ክትፍጽም ድሕሪ 26 ጥቅምቲ ንሳልሳይ ግዜኣ'ያ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ብሰንኪ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብቲ ዞባ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተፈጸመ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣብ ጥቓ ከተማታት ኣልቡ ከማልን ማያዲንን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መሰልጠኒን ውሑስ ገዛን ከምዝተኻየደ ጠቒሱ።

ንሱ ወሲኹ እቲ መጥቃዕቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምዝተኣዘዘ ገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጉድኣት ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን፤ እንተኾነ ግን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሶርያ (Syrian Observatory for Human Rights - SOHR) ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ኣባላት ብኢራን ዝድገፉ ምልሻታት ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልኦት 7 ሰባት ከምዝቖሰሉን መብዛሕትኦም ግዳያት ዜጋታት ሶርያ ከምዘይኮኑን እውን ገሊጹ’ሎ።

እቲ ጉጅለ ወሲኹ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከብ መኽዘን ኣጽዋርን ኣብ ጥቓ ማያዲን ዝርከብ መወንጨፊ ሮኬትን ከምዘዕነወ ኣረዲኡ።

ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት እውን ብለይቲ ናብ መደበራት ኣሜሪካ ሮኬት ከምዝተኮሱ፤ እንተኾነ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘይተቐተለ ሓቢሩ።

ካብ ትማሊ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከባ መደበራት ኣህጉራዊ ጥምረት ብድምር ሽዱሽተ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ፀብፃብ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ የመልክት።

ሰበስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝገለጽዎ፡ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጀመረሉ 7 ጥቅምቲ ንደሓር፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መደበራትን መሳለጥያታትን ኣመሪካ ብውሑዱ 41 ግዜ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኣለዉ።

ኣብ መንጎ ካብ 17 ጥቅምቲ ክሳብ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ድማ 56 ኣባላት ኣመሪካ በቶም መጥቃዕትታት ከምዝቖሰሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኢራን ኣብቲ ኣብ ሶርያ ን12 ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት ሓድሕድ ንፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ንምድጋፍ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ናብታ ሃገር ከምዘዋፈረት ይእመን።

ብተወሳኺ ድማ መብዛሕትኦም ካብ ምንቅስቓስ ሂዝቦላህ ሊባኖስ ዝኾኑ ካብ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታንን የመንን እውን ዝርከብዎም፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሶርያ ኮይኖም ዝተዋግኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሺዓ ኣስላም ምልሻታት ኣዕጢቓ፣ ኣሰልጢናን ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብርን።

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ናብ ዞባዊ ግጭት ከይዓቢ ዝተፈጠረ ስግኣትን ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኢራንን ደገፍታን እውን ኣብ ቀረባ ናብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳተፋ ከምዝኽእላ በዚ ድማ ሰፊሕን ከቢድን ኲናት ክስዕብ ከምዝኽእል ስክፍታታት ኣሎ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ምስ ኢራንን ወከልታን ርክብ ብምግባር ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከይጋደድ ከጠንቅቑ ከምዝጸንሑ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ብቐጥታ መልእኽቲ ብምልኣኽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዒላማ ከይገብር ኣጠንቂቑ ነይሩ።