ቓዛ፡ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዳግም ጀሚሩ

ኣብ ቓዛ ትኪ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

እቲ ንሸውዓተ መዓልታት ደው ኢሉ ዝነበረ ኲናት እስራኤል-ሓማስ ከም ዝቐጸለ እስራኤል ኣፍሊጣ። ክልቲኦም ወገናት ንጥሕሰት እቲ ስምምዕ ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ደብዳብ ነፈርቲ ትፍጽም ከም ዘላ ጸብጻባት የመልክቱ። ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ፡ “ዒላማታት ሓማስ የጥቅዕ” ከም ዘሎ ገሊጹ።

እስራኤል፡ ኣካል እቲ ስምምዕ ናብ ዝዀነ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ነዳዲ ንክኣቱ ከተፍቅድ እናተገብአ ብምኽልካላ ነቲ ስምምዕ ጥሒሳ ክብል ሓማስ ከምዝኸሰሰ ንድርድር ክልቲኦም ወገናት ቀረባ ዝዀኑ ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም።

እስራኤል ክኣ ሓማስ ተወሳኺ ጅሆ ዝትተሓዙ ሰባት ክፈትሕ ፍቓደኛ ኣይኰነን ብምባል እቲ ስምምዕ ከም ዝተጣሕሰ ትገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሓማሳ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይፈትሐንን ናብ እስራኤል ሮኬት ከም ዘወንጨፈን ገሊጹ።

“እስራኤል፡ ጅሆ ዝተወስዱ ንምፍታሕ፣ ሓማስ ንምጥፋእን ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እስራኤል ስግኣት ከይትፈጥር ዝጀመረቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ክትቕጽል እያ” ኢሉ።

እቲ ብሸምጋልነት ቀጠር ተዂሲ ደው ንምባል ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ስዒቡ፡ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ካብ ሞንጐ ዝነበሩ 110 ሰባት ክፍትሑ እንከለው እስራኤል ብወገና 240 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ፍልስጤማውያን እሱራት ፈቲሓ።

እስራኤል እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ምስ ተወድአ ስዒቡ ኣብ ዘለው ሰለስተ ሰዓታት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ጥራይ፡ 32 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

‘ኣብ ገጾም ፍርሒ’ዩ ዝንበብ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቓዛ ዳግማይ ውግእ ምጅማር፡ ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣዝየን ክሰግእኦ ዝጸንሓ ጉዳይ እዩ።

ሎሚ ንግሆ ኣብታ ወሽመጥ ዝርከብ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሆስፒታላት ቓዛ ንዝርኣዩዎ ኩነታት ልክዕ “ዘፍርሕ ፊልም’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ተዂሲ ደው ምባል ኣብ ዝነበረሉ ሰሙን ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ክበጽሕ እንከሎ፡ “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መጉዳእቲ” ዘለዎም ሕሙማት “ደም እናፈሰሶም” ኣብ መሬት ደቂሶም ክርኣዩ እንከለው፡ ኣስክሬን ናይቶም ዝተቐትሉ ድማ ከምኡ ኣብ ደገ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ተሰሪዖም ከም ዝተዓዘበ ጠቒሱ።

ሎሚ ውድብ ጥዕና ዓለም ነተን ሕጂ’ውን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ውሑዳት ሆስፒታላት ቓዛ ንምድጋፍ ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ጉጅለታት ከወሃህድ ተስፋ ገይሩ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ጐንጺ ዳግም ብምጅማሩ እዚ ዝክኣል ኣይመስልን ይብል።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ዳግማይ ውግእ ምጅማሩ “ኣዝዩ ከም ዝጎሃየ” ገሊጹ።

ንሱ፡ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ሕጂ'ውን ነቲ (ተበጺሑ ዝነበረ) ስምምዕ ምቊራጽ ተዂሲ ምሕዳስ ከም ዝከኣል ተስፋ እገብር” ኢሉ።

“ናብ ተጻብኦታት ምምላስ፡ ሓቀኛ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዂሲ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ'ዩ ዘርኢ”።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ብወገኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘሎ ኩነታት “ዘፍርሕ እዩ” ብምባል “እቲ ነበርቲ ዘለውሉ ኩነታት ዘስካሕክሕ’ዩ።

“ኣብ ገጾም ፍርሒ’ዩ ዝንበብ” ክብል ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ዝዀነ ጄምስ ኤልደር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዩኒሴፍ፡ ዳግም ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጻውዒት ዘቕረበ ኰይኑ፡ እዚ ተግባራዊ ዘይምግባር ግን “ቕትለት ህጻናት ምድጋፍ'ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንራብዓይ ግዝኡ ኣብ እስራኤል ዝበጽሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ኣብ እተካይዶ ኲናት ንሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ዘድሊ ጥንቃቐታት ክትገብር ጸዊዑ'ዩ።

መንግስቲ እስራኤል፡ ተወሳኺ ንፍልስጤማውያን ብጃምላ ካብ ምፍንቓልን ከም ሆስፒታላት፡ መደበራት ጸዓትን መሳለጥያታት ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ካብ ምዕናውን ክቑጠብ ከም ዝግባእ ድማ ተዛሪቡ።

ብሊንከን እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታ ንምቕጻል ተዳልያ ምህላዋ'ኳ እንተረጋገጸ፡ “ኣሜሪካ እቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝተርኣየ ብዝሒ ቅትለት ሲቪላውያንን ገዚፍ ምፍንቓልን ኣብ ደቡብ ክድገም የብሉን” ኢሉ።

ኣብ ቓዛ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ወፍሪ ካብ እትጅምር ንድሓር ኣስታት 6 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 14,800 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣስታት 240 ድማ ጅሆ ሒዙ ወሲዱ ጸኒሑ።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብኣየርን ምድርን መጥቃዕታት ከተካይድ ጀሚራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ልዕሊ 100 ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምፍታሕ ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ክትፈትሕ ተገዲዳ ነይራ።

‘ኣጠንቂቕናኩም ኢና’

ሎሚ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ምብራቕን ሰሜንን ከተማ ካሃን ዩኒስ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት መጠንቀቕታ ዝሓዙ ወረቓቕቲ ደርብየን።

እዚ ምስ ካርታ ወሽመጥ ቓዛ ዘራኽብ “QR Code” ዘካተተ ወረቐት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ቁጽርታት ዝተዋህቦም ኣማኢት ዝተፈላለዩ መሕለፊ ነቚጣታት (ብሎኮታት) ዘመላኽት ምዃኑ ተገሊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ካርታ “ነበርቲ ቓዛ ንነብሶም ከዳልውን ነቲ መምርሒታት ንክርድኡን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ዝተነጸሩ ቦታታት ንክወጽኡ” ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ መምርሒ ሕቶታት የልዕል እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ብቋንቋ ዓረብ ዝተላእኸ መልእኽቲ፡ ነበርቲ ኣርባዕተ (ግን ቁጽሪ ዘይተዋህቦም) ከባቢታት ብምሕባር “ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ክወጽኡን ናብ መዕቆቢታት ራፋሕ ክኸዱን” ጥራይ እዩ ዝሕብር።

እቲ ወረቐት፡ “መጠንቀቕታ ተዋሂብኩም’ዩ” ብዝብል ይዛዝም።