ብሊንከን፡ እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ከይትጎድእ ብትሪ ጸዊዑ

ብሊንከን (ጸጋም) ምስ እስራኤላዊ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያኢር ላፒድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሊንከን (ጸጋም) ምስ እስራኤላዊ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያኢር ላፒድ
Published

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ ኣብ እተካይዶ ኲናት ንሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ዘድሊ ጥንቓቀታት ክትገብር ጸዊዑ።

ንሱ ዛጊት ትርር ዝበለ ምዃኑ ዝግለጽ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጻውዒቱ፡ መንግስቲ እስራኤል፡ ተወሳኺ ንፍልስጤማውያን ብጃምላ ካብ ምፍንቓልን ከም ሆስፒታላት፡ መደበራት ጸዓትን መሳለጥያታት ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ካብ ምዕናውን ክቑጠብ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ስጉምቲ ክትወስድ ከገድዳ ዝኽእል ቀይሕ መስመር ኣየነጸረን።

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንራብዓይ ግዜ እዩ ናብ እስራኤል ገይሹ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም እሱራትን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባትን ኣብ ምልውዋጥ ይርከቡ።

ብሊንከን እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታ ንምቕጻል ተዳልያ ምህላዋ እኳ እንተረጋገጸ፡ “ኣሜሪካ እቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝተርኣየ ብዝሒ ቅትለት ሲቪላውያንን ገዚፍ ምፍንቓልን ኣብ ደቡብ ክድገም የብሉን፡” ኢሉ።

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለው ኣስታት 240 ካልኦት ጅሆ ከምዝሓዞም ይዝከር። ብድሕሪ እዚ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣስታት 6000 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 14800 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ከይተረፈ ብዝፈጸሞ ደብዳብ እቲ ከባቢ ዓንዩ እዩ።

እቲ ዝተርኣየ ዕንወት፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ፡ ለውጢ ክገብር ዘገደደ ይመስል።

ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ዘየወላውል ደገፍ ንእስራኤል እኳ እንተነበራ ኣብዚ እዋን ሲቪላውያን ግዳይ ኮይኮኑን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይፍጠርን ጸቕጢ ትገብር ኣላ።

እዚ ለውጢ፡ ሃገራት ዓረብ ብዘርኣይኦ ቍጥዐን ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ባይደን’ውን ኣብቲ ፖሊሲ ብዝተርኣየ ዓቢይ ተቓውሞን ዝመጸ እዩ።