እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዋጋ በረራታት ኣዝዩ ክኸብር’ዩ'
ዳይሬክተር ዓለምለኸ ማሕበር መጓዓዝያ ነፈርቲ ዊሊ ዎልሽ፡ ዋጋ ትኬት ነፈርቲ “ብዘይጥርጥር” ክውስኽ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮም ጽልዋታትን ኲናት ዩክረይንን ዋጋታት ነዳዲ ከም ዝነሃረ ይግለጽ።
ሳዕቤን ናይዚ ድማ፡ ኣብ ዋጋታት ትኬት ገያሾ ከም ዝንጸባረቕ ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ብሪትሽ ዝነበረ ዊሊ ዎልሽ ሓቢሩ።
ነዚ ኸኣ ገያሾ ኣብ ግምት ኣእትዮም ተዳልዮምሉ ክጸንሑ ከም ዝግባእ ኣገንዚቡ።
“ገያሾ ዋጋ ትኬት ከም ዝኸብሮም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ገዚፍ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ወሰኽ ዋጋ ቲኬት ክርአ’ዩ” ኢሉ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ጽልዋ ቍጠባአን ምሕዋይ ኣብ ዝጀመራ ሃገራት፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ደጊሙ ይርአ ኣሎ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር’ውን ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ኰይኑ’ዩ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳታት ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ።
ኣሜሪካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሩስያ እትዕድጐ ነዳዲ ደው ከም እተብል ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ኣብ መወዳእታ 2022፡ ካብ ሩስያ ዝኣቱ መጠን ነዳዲ ናብ ባዶ ከም ዘውርዶ ኣፍሊጡ።
ነዳዲ ሩስያ ካብ ዕዳጋ ክወጽእ ምግባር ማለት ድማ፡ ብኻልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ነዳዲ ሓፍ ክብል ምኽንያት ክኸውን እዩ።