ወተሃደራት ሩስያ ካብ ምብራቓዊት ከተማ ሊይማን ከንሳሕቡ ተገዲዶም

Published

ሩስያ ካብታ ስትራተጅያዊት ዝዀነት ከተማ ሊይማን ናይ ዩክረይን ወተሃደራታ ከምዝሰሓበት ተፈሊጡ። እዚ ኸኣ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ዩክረይን ንእተካይዶ ወፍሪ ዓቢይ ማሕንቘ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ናይ ምዝላቕ ስጕምቲ ዝተወሰደ ኣብታ ከተማ ዓስኪሮም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ክባ ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ሻቕሎት ከምዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ከተማ ቀንዲ ማእከል ሎጅስቲክስ [ዕጥቅን ስንቅን] ሩስያ ኰይና ተገልግል ዝነበረት ኰይና ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ግዝኣታት ዶነስክን ሉሃንስክን ተወሰኽቲ ከባቢታት ንኽቈጻጸሩ ሓጋዚት ከተማ ምዃና ተሓቢሩ።

ወተሃደራት ዩክረይን ባንዴራ ሃገሮም እናንበልበሉ ኣብ ወሰናስን ከተማ ሊይማን ከምዝተርኣዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጠቅዐ ቪድዮ የርኢ።

እንተዀነ ዋላ’ኳ ሰማያውን ቢጫን ዝሕብሩ ባንዴራ ዩክረይን ኣብታ ከተማ እንተተረኣየ፡ ኣብኡ ውግኣት ይቕጽል ከምዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት መደረኡ ገሊጹ።

ምሉእ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ግን ተቘጢቡ’ዩ።

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት፡ ነቲ የማናይ ኢድ ሩስያ ዝዀነ መራሒ ቸቺንያ ራምዛን ካዲሮቭ ሩስያ ከምዚ ዝዓይነቱ ስዕረት ክገጥማ እንከሎ ናይ ሓጺር ርሕቐት ኒኩሌየር ንምጥቃም ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ንኽህብ ደፋፊእዎ’ዩ።  

ሊይማን ኣብ ዶነስክ እትርከብ ከተማ እያ። ዶነስክ ድማ ካብተን ኣርባዕተ ብሓይልታት ሩስያ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተዋ ግዝኣታት ዩክረይን ሓንቲ ኰይና ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ግዝኣታ ከምዝጠቕለለታ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ዩክረይን ኮነ ደገፍታ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ተራ ወራር መሬት'ዩ ኢለናኦ።

ኣማኻሪ ሚኒስተር ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ኣቐድም ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድሕሪ ብዙሕ ውግኣት ኣብ ከባቢ ሊይማን ዝተረኸበ ዓወት “ዝንኣድ ውጽኢት” እዩ ኢልዎ።

ወተሃደራት ሩስያ ኢዶም ንኽህቡ ዕድል ተዋሂብዎም’ዩ ዝበለ ዩሪክ ሳክ ከም ምሩኻት ካብ ኣተሓሕዛ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝሓሸ ህይወት ከምዝህልዎም ተዛሪቡ።

ብዙሕ ከይጸንሐት ክረምሊን ኣብቲ ዝተግበረ ውግኣት ወተሃደራት ዩክረይን ላዕለዋይ ኢድ ከምዝነበሮም ብምጥቃስ፡ ወተሃደራታ ካብ ሊይማን ተውጽእ ከምዘላ ኣፍሊጣ።