ኣዲስ ኣበባ፡ መግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ ንምንታይ ተኣልዩን ተመሓይሹን?

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy Addis Ababa
መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕሉ ህዝቢ'ዝፍፅሞም መጥቃዕትታት ድሮን' ብቝልጡፍ ደው ከብል ዝጽውዕ ኣዘራራቢ መግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣልዩ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ፈይስቡክን ኤክስን ገፁ ዘርጊሕዎ ዝነበረ መልእኽቲ ኣመሓይሹ ኣውጺእዎ'ሎ።
ኣብቲ ሓድሽ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ እቲ ኣምባሳደር ኢርቪን ማሲንጋ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ዘቕረቦ ፃውዒት፡ "መንግስቲ ካብ ሓይሊ ወፃኢ ዘለዉ ሰላማዊ ኣማራፅታት ምድላይ ክቕፅል፡" ተማሕጺኑ።
ፈላማይ መልእኽቲ ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ሎሚ ዓርቢ 15 ግንቦት 2017፡ ከባቢ ሰዓት 4፡30 ናይ ንግሆ (ከባብያዊ ኣቆፃፅራ) ኣብ ናይ ፈይስቡክን ኤክስን ገፃቱ እቲ ኤምባሲ እዩ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጐንፅታት ደው ንኽብሉ ዝሓትት መልእኽቲ እቲ ኣምባሳደር፡ ንመንግስቲ ፈደራል፡ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተፈላለዩ ፃውዒት ዝቐረበሉ'ዩ ነይሩ።
በቲ ኣምባሳደር ናብ መንግስቲ ፈደራል ቀሪቡ ዝነበረ መልእኽቲ ክልተ ሓሳባት ዝሓዘ'ዩ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ብመንግስቲ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ድሮን ደው ንኽብሉ ዝሓትት እዩ። እቲ ኣምባሳደር ዝተጠቐመሉ ኣገላልፃ ድማ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ "ናይ ባዕሉ ህዝቢ" መጥቃዕትታት ድሮን ከም ዝፍፅም ዘመላኽት'ዩ ነይሩ።
እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ፈላማይ መልእኽቱ፡ "መንግስቲ ፈደራል ኣንፃር ናይ ባዕሉ ህዝቢ ድሮን ምጥቃም ብቕልጡፍ ደው ከብልን [ንሰላማዊ] ስምምዓት መንገዲ ከጣጥሕ ንሓትት፡" ኢሉ።
መልእኽቲ እቲ ኣምባሳደር፡ ብነጠፍትን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ብዙሓን ክባፃሕን ርእይቶ ይወሃበሉን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy/Facebook Screenshot
እንተዀነ፡ ንሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ገፃት ፈይስቡክን ኤክስን እቲ ኤምባሲ ተኣልዩ።
ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ዳግማይ ዝተለጠፈ መልእኽቲ እቲ ኣምባሳደር፡ ነቲ ንመጥቃዕቲ ድሮን ዝገልፅ ትሕዝቶ ዝኣለየን ንመንግስቲ ፈደራል ዝገበሮ ፃውዒት ዘመሓየሸን እዩ።
እቲ ሓድሽ መልእኽቲ፡ "መንግስቲ ፈደራል ካብ ሓይሊ ወፃኢ ዝዀኑ ሰላማዊ ኣማራጺታት ምድላይ ክቕፅል፡" ዝሓትት ክኸውን ከሎ፡ ብተወሳኺ መንግስቲ፡ "ደሕንነትን ናይ ምንባር ውሕስናን ዜጋታቱ ከቐድም፡" ፀዊዑ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ኣምባሳደር፡ ንዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ፃውዒት ነቕርብ" ዝብል "ነተሓሳስብ" ብዝብል ተተኪኡ።
እቲ ፈላማይ ዝተዘርግሐን ድሒሩ ዝተኣለየን መልእኽቲ፡ "ሕቡራት መንግስታት፡ ፋኖ ምስ ጭቡጥን ሰላማዊ ዕላማታትን ናብ ቅድሚት ክመፅእ ፃውዒት ተቕርብ፡" ይብል ነይሩ።
ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ "ኣብ ኦሮምያ ይካየድ ዘሎ ጐንፂ ንምግታእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ድርድራት ክቐፅል ንፅውዕ፡" ዝብል ፈለማ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ግን ኣይተቐየረን።
እቲ ኣምባሳደር ሎሚ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብሓፈሻ ጐንፂታት ደው ምባል ዝምልከቱ'ዮም። ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ውሽጢ ዝቐፀሉ ጐንፅታት ኰይና ናብ ካልእ ዓመት፡" ትሳገር ከም ዘላ ይገልፅ።
እዞም ጐንፅታት፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎም ፅልዋ ምልስ ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ፡" ምዃኑ ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ'ሎ።
"ነቲ ህዝቢ ንምቕዳም ግዜኡ ሕዚ'ዩ፡" ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር፡ እዚ ንምግባር ድማ፡ "ንውሽጣዊ ጐንፅታት ኢትዮጵያ ዘላቒ መፍትሒ ምትግባር፡" ከም ዘድሊ ገሊፁ።
"ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፡ ህፃናት ትምህሮም ክከታተሉን ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡን፡" ምግባር'ውን ኣገደስቲ ስጕምትታት ከም ዝዀኑ ጠቒሱ።
"ኣካል ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝዀነ ብምምሳል (ዝተስፋሕፈሐ) ሕጊ ኣልቦነት ከብቅዕ ምግባር'ውን፡" እቲ ኣምባሳደር፡ "ህዝቢ ንምቕዳም፡" ክትግበሩ ኣለዎም ካብ መንጎ ዝበሎም ስጕምትታት እዩ።
"ሰላምን ምርግጋዕን ንምምራፅ ግዜኡ (ሕዚ) እዩ፡" ብምባል እዩ መልእኽቱ ዛዚሙ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ንምንታይ ነቲ ፈለማ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ እቲ ኣምባሳደር ከም ዝኣለዮን፡ ንምንታይ ንመንግስቲ ፈደራል ዘቐረቦ ፃውዒት ከም ዝኣለየን ክሳብ ሕዚ ኣይገለፀን።
ሓይለ-ቓል ዝጥቀም ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን ብዝሃቦ ርእይቶ ምኽንያት፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቐፌታ ኣተኣናጊዱ ነይሩ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት፡ ኣብ ቀፅሪ ናይ ቀደም ቆንስል ኣመርካ ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ ንመሰረተ ልምዓታት ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ደው ክብሉ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
