ጂሚ ካርተር ብዛዕባ ኤርትራ ናብ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝጸሓፎ ደብዳበ እንታይ ዝብል'ዩ ነይሩ?
![ጂሚ ካርተር ኣብ ናይ 1997 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ነይሩ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/cd18/live/b1a46060-c8cf-11ef-94cb-5f844ceb9e30.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጂሚ ካርተር ቅድሚ 46 ዓመታት ናብ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ደብዳበ ልኢኹ ነይሩ።
እዚ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪተ ብዝሃብክዎ መደረ ዘይምቅዳው ምፍጣሩ ኣዝዩ ገሪሙኒ'ሎ" ይብል።
19 ጥሪ 1978 [ግእዝ] ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ናብቲ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ሓርፊፉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ።
እቲ ደብዳበ ታሪኽ ኣመሪካ ኣብ ዝጸሓፈሉ መርበብ ሓበሬታ "ኦፊስ ኦፍ ዘ ሂስቶርያን" ዝሰፈረ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዝዓረፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ምስ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድኹም ዝበሃል ዝምድና'ዩ ነይርዎ።
"ኣመሪካ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ግዝኣታዊ ሓድነተን ክሕልዋ ትድግፍ። ግጭታት ንምፍታሕ ሰላማዊ ዘይኰነ ኣማራጺታት ኣብ ልዕሊ ዝኽተላ ሃገራት ድማ ንኹንን" ክብል ካርተር ገሊጹ።
ቅድሚ ጂሚ ካርተር ዝነበሩ ክልተ መራሕቲ ኣመሪካ ማለት'ውን ኒክሰንን ፎርድን፡ "ትዊን ፒላር" ዝብል ፖሊሲ ወጻኢ እዮም ዝኽተሉ ነይሮም።
ጂሚ ካርተር ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምስፋን ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተቐይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ኣመተታት ነይሩ።
ፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ኣብ 1977 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም መራሒ ኢትዮጵያ ኰይኑ።
ኣብ ሚያዝያ 1977 ኣመሪካ፡ 'ቃኘው' ተባሂሉ ዝፍለጥ መዓስከር ኣመሪካ ከም ዝዓጸወትን ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተገበረ ስምምዕ ከም ዘብቅዐን ኣፍሊጣ።
ብድሕሪ እዚ እዩ መንግስቱ ሃይለማርያም ገጹ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሶቭየት ዝቐየረ።
ኣመሪካ እውን ገጻ ናብ ሶማልያ ኣዚራ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ጀሚራ።
ካርተር ናብ ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማርያም ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መራሒ ሶማልያ ነበር ሜጀር ጀነራል ሲያድ ባረ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ እዋን እዩ።
ጂሚ ካርተር ኣብ ደብዳበኡ "ሶማልያ ንኦጋዴን ወሪራ ምሓዛ ኣይንድግፍን ኢና። ንሶማላውያን ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክሳብ ዘይወጽኡ ካባና ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይረኽቡ ነጊርናዮም ኣለና" ይብል።
ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዘይምስምማዕ ካብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተሳገረ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተንታኒ ፖለቲካዊ ሳይንስ ኢዮዋኒስ ማንዚኮስ፡ ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ኒክሰንን ምምሕዳር ፎርድን ዝተኸተለቶ "ትዊን ፒላር" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ "ቅኑዕ ኣይነበረን" ክብል ይምጕት።
እቲ ምሁር፡ "ዲፕሎማሲ ኣመሪካ" ኣብ ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ሶማልያን ኢትዮጵያን ብዛዕባ እትኽተሎ ዝነበረት ፖሊሲ ወጻኢ ዝምልከት ጽሑፍ ጽሒፉ'ሎ።
ኣመሪካ ኣብ 1953 ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ናይ 25 ዓመት ወተሃደራዊ ውዕል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ግደ ዘለዋ ሃገር እያ ካብ ዝብል መበገሲ'ዩ ነይሩ።
ሃጸይ ሃይለስላሴ ዘመነ ስልጣኑ ከብቅዕ ቅሩብ ተሪፉዎ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ ምስ ፕረዚደንት ኒክሰን ዝነበሮ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ዝተቛረጸ'ኳ እንተዘይነበረ ግን ሓርፊፉ'ዩ ነይሩ።
ኣመሪካ ብዛዕባ ደርግ ዝነበራ ኣመለኻኽታ ጌጋ እዩ ነይሩ ዝበለ እቲ ምሁር፡ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ገጹ ናብ ሕብረት ሶቭየት ምስኣዘንበለ እቲ ጉዳይ ጋህዲ ኰይኑ።
እቲ ደብዳበ ይቕጽል።
"ኣብ ኤርትራ ሰላም ዓሲሉ ክንርኢ ንደሊ ኢና። ኣብ ሃገርካ ሰላም ክዓስል ንብህግ። ኣብ መንጐ መንግስትኻን መንግስተይን ዘሎ ዘይምስምማዕ የሻቕለኒ ኣሎ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ልኢኸ ምሳኻ ወይ ከኣ ምስ ወኪላትካ ክዘራረብ እደሊ ኣለኹ። ፍቓድካ እንተዀይኑ ኣነ መዓስ ወኪላተይ ከም ዝሰደልካ ወይ ድማ ንስኻ መዓስ ልኡኻትካ ከምእትሰድድ ሓብረኒ ኢኻ" ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ።
ኢዮዋኒስ ማንቲዝኮስ ኣብ 2010 ምስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ምትእስሳር ዘለዎ መጽሓፍ ዘሕተመ ኰይኑ፡ ምምሕዳር ካርተር ኣብ እዋን ኲናት ኦጋደን ብዘርኣዮ መትከል ኣልቦ መርገጺ ብሪፓብሊካን ከም ዝተነቐፈ ይጠቅስ።
ብፍላይ ምምሕዳር ካርተር ምስ ሶማልያ ዝገበሮ ስምምዕ ብዙሕ ነቐፌታ ከም ዘስዓበ እቲ ደራሲ ኣዘኻኺሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጂሚ ካርተር ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትፍጽም እያ ብምባል ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ዝምድና ኣሐርፊፉዎ'ዩ።
ስም ካርተር ምስ ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ግዜ ስርዓት ኢህወደግ'ውን ይለዓል'ዩ።
ብፍላይ ኣብ ናይ 1997 [ግ] መረጻ ኢትዮጵያ " ኣብቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝዀነ ጸገም ኣይረኣኹን" ዝብል ርእይቶ ምሃቡ ብዙሕ ነቐፌታ ወሪድዎ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዝዓረፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፡ ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት፡ ጥዕናን መረጻን ዝነጥፍ ካርተር ሰንተር ዝበሃል ትካል መስሪቱ ይንቀሳቐስ ነይሩ።
ካርተር ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ላዕልን ታሕትን ዝመልኦ እኳ እንተነበረ፡ ትካሉ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ምምካት ሕማማት ብዙሕ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ይእመን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
