ኣብ መበል 100 ዓመቱ ትማሊ ሰንበት ዝዓረፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ካርተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ትማሊ ኣብ መበል 100 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ እቲ ዝመስረቶ ማእከል ኣፍሊጡ።
ሓረስታይ ፉል ዝነበረ ካርተር፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 100 ዓመቱ ኣኽቢሩ ነይሩ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ ካልኦት መራሕቲ እታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዝጸንሐ ካርተር፡ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕሌይንስ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ዓሪፉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ነበርን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላምን ጂሚ ካርተር ክብሪ ሂቦም።
ባይደን፡ "ናይ መትከል፡ እምነትን ትሕትናን ሰብ" ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ትራምፕ ድማ ኵሎም ኣመሪካውያን ንካርተር "ናይ ምስጋና ዕዳ" ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ሓረስታይ ዝነበረ ካርተር፡ ኣብ 1977 ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ዝበቕዐ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም እዩ።
ንሱ ኣብ ዋይት ሃውስ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራይ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኰይኑ ብድሕረኡ ሮናልድ ሬጋን ብዓብላሊ ድምጺ ስልጣኑ ተረኪብዎ።
ካብ ዋይት ሃውስ ብናይ ሓደ እብረ ስልጣን ዝወጽአ ካርተር ብሰብኣዊ ስርሓት ዝናኡ ኣምሊሱ ሽልማት ኖቤል ሰላም ረኺቡ።
ካርተር ካብ በዓልቲ ቤቱ ኣርባዕተ ደቂ፡ 11 ደቂ ደቁን 14 ደቂ ደቂ ደቁን ዝርኣየ ኣመሪካዊ መራሒ ነበር እዩ።
ን77 ዓመታት ምስኡ ብሓዳር ዝጸንሐት በዓልቲ ቤቱ ሮዛሊን ኣብ ሕዳር 2023 ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ወዲ ካርተር ቺፕ ሕልፈት ወላዲኡ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ኣቦኡ "ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ኣብ ሰላም፡ ሰብኣዊ መሰላትን ፍቕርን ዝኣምን ሰብ ጅግና እዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ባይደንን ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደንን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ሎሚ ኣመሪካን ዓለምን ሓደ ኣብነታዊ መራሕን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰብን ስኢኖም" ኢሎም።
"ዕላማን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ከምኡ'ውን እቲ ጽቡቕ ህይወት ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ ነቲ ናይ መትከል፡ እምነትን ትሕትናን ዘለዎ ሰብ ጂሚ ካርተር የጽንዕ" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "ጂሚ ፕረዚደንት ኰይኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት ንሃገርና ኣብ ኣገዳሲ እዋን እዩ መጺኡ፤ ህይወት ኵሎም ኣመሪካውያን ንምምሕያሽ ድማ ዓቕሙ ዝከኣሎ ኵሉ ገይሩ" ክብል ጽሒፉ።
"በዚ ድማ ኵላትና ናይ ምስጋና ዕዳ ኣለና" ኢሉ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅድሚ ምዕዋቱ ኣብ ግዜ ጎስጓስ ምረጹኒ፡ ካርተር ንሓደ ግዜ ዝጸንሐሉ እብረ ስልጣን ጠቒሱ ኣላጊጹሉ ነይሩ።
ትራምፕ ብተመሳሳሊ ኣብ 2019 ንካርተር "ንፉዕ ሰብ'ዩ ግን ድማ ዘስካሕክሕ ፕረዚደንት'ዩ" ኢሉዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ካርተር ንትራምፕ "ዘይቅቡል ፕረዚደንት" ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ኣብ መረጻ 2016 ትራምፕ ብኢድ ኣእታውነት ሩስያ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣተወ መራሒ ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ትራምፕን ሩስያን ንሓሳብ ጂሚ ካርተር ነጺጐሞ እዮም።
መራሕቲ ዓለም እውን ንካርተር ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ "ተወፋይነቱን ትሕትናኡን ንብዙሓት መነቓቕሒ ኰይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።
ኣብ 1977 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበሮ ምብጻሕ ድማ ብዓቢ ፍቕሪ እዝክሮ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታመር ብወገኑ፡ ካርተር "ብሓያል እምነቱን ክብርታቱን ዝልለ" ምዃኑን፡ "ናይ ስልጣን ዘመኑ ድሕሪ ምብቃዑ ድማ ዳግማይ ንማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ብዘደንቕ ተወፋይነት ዳግማይ ገሊጽዎ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ካርተር "ዩክረይን ገና ናጻ ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን ዘገልገለ መራሒ'ዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ልቡ ኣብቲ ንናጽነት እንገብሮ ዝነበርና ቃልሲ ብጽኑዕ ምሳና ደው ኢሉ ነይሩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን "ንመሰላት ኣዝዮም ተቓላዕቲ ሰባት ጽኑዕ ተጣባቒ ምንባሩን ንሰላም ከይተሓለለ ዝተቓለሰ ሰብን" ክብል ገሊጽዎ።
ኣባል ዲሞክራት ዝዀነ ካርተር ኣብ 1977 ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣመሓዳሪ ጆርጅያ፡ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ሓረስታይን እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንትነት ካርተር፡ ብሞት ሸሞንተ ኣመሪካውያን ዝተዛዘመ ቅልውላው ጅሆታት ኢራን ሓዊሱ፡ ንሕዱር ቍጠባዊ ጸገማትን ሓያሎ ብድሆታት ፖሊሲ ወጻኢን ኣብ ምግጣም ብዝገበሮ ቃልሲ ክዝከር እዩ።
ኣብ 1980 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብገፊሕ ፍልልይ ዝተስዓረ ጂሚ ካርተር ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲን ካልኦት ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣመሪካ ጥራይ ተዓዊቱ ነይሩ።
ካብ ዋይት ሃውስ ምስ ወጽአ፡ ናብቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ ዝነብረሉ ዝነበረ በዓል ክልተ መደቀሲ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ዝተመልሰ ናይ መጀመርታን እንኮን ፕረዚደንት ኰይኑ።
ኣብ 2018 ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሓቂ ሃብታም ክኸውን ፈጺሙ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
የግዳስ ዝተረፈ ህይወቱ ዓለማዊ ጸገማት ዘይምዕሩይነትን ሕማማትን ንምፍታሕ እዩ ኣሕሊፍዎ።
ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ዝበሃጐ ራእይ ንምዕዋት ኣብ 1982 ማእከል ካርተር ዝመስረተ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕ ብዝገበሮ ጻዕሪ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2002 ተቐቢሉ።
ብተወሳኺ ምስ ኔልሰን ማንዴላ ብምትሕብባር ኣብ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ክሰርሑ ቃል ዝኣተዉ ጕጅለ ዓለማዊ መራሕቲ 'ዘ ኤልደርስ' መስሪቱ።
ካብ 2018ን ሞት ጆርጅ ደብሊው ቡሽን ጀሚሩ ካርተር እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ብህይወት ዝተረፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ ነይሩ።
ካርተር ዝሓለፈ ዓመት ብዘይተገልጸ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ደው ኣቢሉ ኣብ ክንድኡ ኣብ ገዛኡ ክንክን ክረክብ ጀሚሩ።
ንሱ ናብ ጸላም ከብዱን ሓንጎሉን ዝዝርጋሕ ሜላኖማ ሓዊሱ ብናይ ጥዕና ጸገማት ክሳቐ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ካልእ ንጂሚ ካርተር ክብሩ ዝገለጸ ድማ ባራክ ኦባማ ኰይኑ፡ ምስ ካርተር ዘሕለፎም ግዝያት ድሕሪ ምስትንታን "ንዅላትና ጸጋ፡ ክብሪ፡ ፍትሕን ኣገልግሎትን ዘለዎ ህይወት ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ምሂሩና" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን በዓልቲ ቤቱ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን እውን ብዛዕባ እምነት ካርተር ተዛሪቦም።
"ፕረዚደንት ካርተር ክሳዕ እታ ዝሓለፈላ ህሞት ንኻልኦት ንምግልጋል እዩ ዝነብር ነይሩ" ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
