እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ መድረኻት ዘሻቕል ድዩ?
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፡ ውድባዊ መድረኻት ይካየዱ ኣለዉ።
ብዛዕባ እቶም ብህወሓት ዝተፀውዑ ኣኼባታት ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዝስማዕ ዘሎ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ከየምርሑ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦ ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ኣቶ እያሱ ተስፋይ ብዛዕባ እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ዋዕላታት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ 'ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ልኡላውነትናን ድሕነትናን ነውሕስ' ዝብል ዓላማ ዝሓዘ ከም ዝዀነ ገሊፁ።
እቶም መድረኻት ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዝዕድሙ እዮም ዝብሉ ድምፅታት ከም ዘለዉ ኣመልኪትና ንዘልዓልናሉ ሕቶ እንክምልስ፡ "ውዕል ፕሪቶርያ ኣይትግበርን ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ነጋሪታት ኲናት ይስማዕ ኣሎ፡" ብምባል እዩ ዝጅምር።
ብፍላይ ድማ ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘይምርግጋፅን ተመዛበልቲ እቶም ከባብታት ዝርከብሉ ኵነታትን ድማ ምላሽ ክረኽቡ ህዝቢ ይሓትት ከም ዘሎ ይዛረብ።
ኣካል መንግስቲ ፈደራል ዝዀነ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ጀሚሩ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዝሰረዘ ኰይኑ፡ ብፍላይ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘሎ ርክብ ወጥሪ ዝመልኦ ኰይኑ ፀኒሑ ኣሎ።
እዚ ድማ ብፍላይ መሪሕነት ህወሓት ንኽልተ ድሕሪ ምምቃሉ፡ እቲ ብምክትል ኣቦ-መንበር ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ብዕጡቓት ተደፊኡ' ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ ብምግላፅ፡ 'ውድብ ስምረት ትግራይ' ብዝብል'ውን ክነቀሳቐሱ ፀኒሑ ኣሎ።
እቲ ጐንፂ ድማ ብዝተፈላለዩ ምንገድታት ቀፂሉ ይርከብ።
ብሓደ ገፅ፡ ህወሓት፡ እቶም ኣብ ዶባት ዓፋር ዝርከቡ ዕጡቓት፡ ምስ እቲ ብብዓል ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ - ውድብ ስምረት፡ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ዝኸስስ ኰይኑ፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ግጭት ምምርሖም ዝዝከር እዩ።
ከምኡ ድማ እቲ ብዕጡቓት ዝተደገፈ ዞባታት ናይ ምፍራስ ስጕምቲ መሪሕነት ዞባ ደቡብ እቲ ክልል ብምቅዋም፡ ንልዕሊ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየዱ ፀኒሖም።
ኣቶ እያሱ፡ "ኣብቲ ፈላጥ እየ ዝብል፡ ንህዝቢ ክመርሕ እየ ዝብል [ትግራዋይ ልሂቅ] ናይ ሓድነት ምሽርሻራት ኣሎ፤ ዘይሩ ዘይሩ ግን ናብቲ ህዝቢ ዝፀልወሉ ምኽንያታት ኣሎ፡" ብምባል ኣድላይነት እቲ ዋዕላታት ኣመልኪቱ ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ ካልእ ዙር ኲናት ከይካየድ ከቢድ ህዝባዊ ሻቕሎት ከምዘሎ ምልክታት ኣሎ፤ ብላዕለዎት መራሕትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ህወሓት ዝምርሑ፡ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ኣባላት ህወሓት ኣኼባታት የካይዱ ኣለዉ።
ኣቶ እያሱ ግን፡ "ሃለዋት ህዝብናን ልኡላውነት ትግራይን ዝረጋገፅ ኣብ ስጡም ሓድነቱ ምዃኑ ብምርድዳእ ብሄራዊ ዓቕምታቱን ውዳበታቱን ኣብ ዘጠናኽሩ ቀፀልቲ መደባት መሰረት ገይሩ እዩ ዝዝቲ ዘሎ፡" ኢሉ።
"ተወዲብና ኢና ድምፅና ነስምዕ ዘለና፤ ማሕበረሰብ ዓለም'ውን ድምፅና ክሰምዐና ኢና ንፅውዕ ዘለና፤ ህዝቢ ስምዑና እዩ ዝብል ዘሎ፤ ንዅሉ ኲናት ኣያዋፀአናን - እዩ ዝብል ዘሎ፡" ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ግፋ ይካየድ ከም ዘሎን ኣብቲ ኣኼባታት'ውን ደቅኹም ሃቡና ዝብሉ ፃውዒታት ከም ዘለዉን፡ ብዝምልከት ንዘልዐልናሉ ሕቶ እንክምልስ፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ዘንቀሎ እዩ። ከምኡ ዓይነት ድሌት ዘለዎም ኣቐዲሞም እዮም፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ከምኡ ዓይነት ራዕዲ ክኣቱ ዝገብሩ ዘለዉ። እዚ ድማ ሓድሽ ኣይኰነን፤ ኣብ ዝሓለፈ'ውን ከምኡ እዮም ዝገብሩ ነይሮም፡" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
መንግስቲ ፈደራል፡ እቶም ንሓምሻይ ክራማት ፈቐዶ ዳስ ከሕልፉ ዝተገደዱ ተመዛበልቲ [ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ] ናብ መረበቶም ከይምለሱ፡ ህወሓት መትሐጃ ይገብሮም ኣሎ ክብል እዩ ዝኸስስ።
ቅድሚ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም [ግ] ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት፡ ዝወፅኡ ዝነበሩ መግለፂታትን ወተሃደራዊ ምርኢታትን ዝዝክሩ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ፡ እቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ 'ወፍሪ ብሄራዊ ሓድነት' ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ዋዕላታት፡ ናብ ተመሳሳሊ ግጭት ከየምርሕ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ከም ዝርከብ ይገልፁ።