እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ይብል?
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፖለቲካዊ ውዳበ ሓፈሻዊ መስራታይ ጉባኤኡ ሎሚ ኣብ መቐለ ከም ዘካይድ ግዝያዊ መተሓባበሪ ናይቲ ውድብ ኣቶ ጉዕሽ ግደይ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ 23 ሓምለ 2018 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዋዕላኡ ማኒፈስቶን ሕገ ደንብታቱን ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።
ነቲ ፓርቲ ዝመስረቱ ኣካላት ንነዊሕ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኰይኖም ዝመርሑ ኰይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ህወሓት ዘጋጠመ ምክፍፋል ስዒቡ ኣብቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ተሓቝፎም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
ውድብ ወለዶ ትግራይ ብግዝያዊነት ዘተሓባብር ዘሎ ኣቶ ጉዕሽ ግደይ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኰይኑ ተመዲቡ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ህወሓት ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ቤትጽሕፈት ከይኣቱ 'ተኸልኪሉ' ካብቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሓደ እዩ።
ኣቶ ጉዕሽ፡ "ኣብ ትግራይ ናይ ለውጢ ባህግን ድልየትን ኣሎ። ንሕና ወለዶ ብዝብል ሓድሽ ውዳበ መጺእና ዘለና ድማ ናይቲ መንእሰይ ወለዶ ናይ ለውጢ ድልየት ጋህዲ ክንገብር ኢና ተወዲብና ዘለና፡" ኢሉ።
ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኖም 'ንለውጢ ይተግሁ' ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ኣቶ ጉዕሽ፡ ይዅን'ምበር ንገዛእ ርእሱ ኮርን ልዕሊ ኮርን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኢሉ ዝሰየመ መሪሕነት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ስለ ዝደገፈ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ክንፊ ህወሓት ምስ ኣባላቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመዛበል ተገዲዱ እዩ።
ገሊኦም ኣባላት መሪሕነት እቲ ክንፊ ስምረት ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ከጣይሹ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ወለዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዳበ ሒዞም መጺኦም ኣለዉ።
"ካብ ፖለቲካ ትግራይ ስለ ዝተደፋእና ኢና ፖለቲካዊ ውድብ ከነጣይሽ ተገዲድና ዘለና፡" ዝበለ ግዝያዊ መተሓባበሪ ኣቶ ጉዕሽ፡ እቲ ውድብ ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕላኡ መራሕቲ እቲ ውድብ መሪጹ ሎምዘበን ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ መረጻ ክሳተፍ'ዩ ኢሉ።
ኣብ ግዜ መሪሕነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ከመሓድሩ ተመዲቦም ዝነበሩ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱን ኣቶ ሰሎሞን ትኩእን መስረትቲ እቲ ውድብ ከም ዝዀኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ህወሓት ድሕረ ኵናት ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ብዙሓት መራሕቲ እቲ ውድብ ነቲ ውዳበ ሓዲጎም ነናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ውዳበታት ከጣይሹ ይረኣዩ ኣለዉ።