ፍሉጥ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ብሎገር ኣብ ካፈ ብዝተፈንጀረ ቦምባ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, VLADLEN TATARSKY/TELEGRAM
ኣብ ሩስያ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ካፈ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ ፍሉጥ ወተሃደራዊ ብሎገር ሩስያ ቭላድለን ታታርስኪ ከም ዝተቐትለ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።
እዚ ፍጻመ፡ "ልዑል ቅትለት" ተባሂሉ ይምርመር ከም ዘሎ ሰብመዚ ገሊጾም።
በዚ ሓደጋ ካልኦት 24 ሰባት ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ እቲ ኣብ ጽርግያ ዝነበረ ፍንጀራን ዝተጐድኡ ሰባትን የርእዩ። እንተዀነ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል መን ምዃኑ ንጹር ኣይኰነን።
ቭላድለን ታታርስኪ (ሓቀኛ ስሙ ማክሲም ፎሚን) ንኲናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝድግፍ ዝነበረ እዩ።
እቲ ቦምባ ኣብ ዝተፈንጀረሉ እዋን፡ እቲ ካፈ ኣብ ዘአንገዶ መደብ፡ ዘረባ ከስምዕ ተዓዲሙ ነይሩ።
ማዕከናት ዜና ሩስያ ብዛዕባ እቲ ነታጒ ዘቕርባኦም ዘለዋ ጸብጻባት ንሓድሕዶም ዝጋጨው’ዮም።
ብመሰረት እተን ንምንጪታት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሩስያ ዝጠቐሳ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ታታርስኪ ከም ህያብ ኣብ ሳንዱቕ ዝነበረ ሓወልቲ ተዋሂብዎ፤ ኣብ ውሽጡ ድማ ቦምባ ተሓቢኡ ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣብ ቴሌግራም ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓወልቲ ተዋሂብዎ ብዛዕባኡ ዋዛታት ከቕርብ ዘርኢ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ግን ነታጒ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ታታርስኪ ዘይከም ብዙሓት ካልኦት ሩስያውያን ወተሃደራዊ ብሎገራትን ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ጋዜጠኛታት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃንን ብረት ሒዙ ኣብ ስርሒታት ውግእ ተሳቲፉ’ዩ።
ካብ ቅድመ ግንባር ዩክረይን ጸብጻባት ከቕርብ ተራእዩ ነይሩ።
ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ውሽጢ ክረምሊን ዝተቐድሐ ቪድዮ ድሕሪ ምልጣፉ ሽሙ ገኒኑ።
ኣብኡ ድማ "ንዅሉ ክንስዕሮ ኢና፡ ንዅሉ ክንቀትሎ ኢና፤ ከም ኣድላይነቱ ንዅሉ ክንዘምቶ ኢና፤ ከምቲ ዝደለናዮ፡" ኢሉ።
እቲ መድረኽ ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተኣንገደ ስነ-ስርዓት ክረምሊን ኰይኑ፡ ሩስያ ንኣርባዕተ ብኸፊል ዝተጎበጠ ዞባታት ዩክረይን ክትሕውስ ዝኣወጀሉ ግዜ እዩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ሃገራት ዓለም ንስጕምቲ ሩስያ ኰኒነን።
እቲ ትማሊ ሰንበት ዒላማ ዝዀነ ካፈ፡ ቅድሚ ሕጂ ብሓላፊ ናይቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ዕሉል ጕጅለ ቫግነር ዝዀነ የቭገኒ ፕሪጎዚን ከም ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ ሴንት ፒተርስበርግ ፎንታንካ ጸብጺቡ።
ሴንት ፒተርስበርግ ፕረዚደንት ፑቲን ዝዓበየላ ከተማ ኰይና፡ ህቡብነት ዘጥረየላ እውን እያ።
ታታርስኪ ኣብ ቴሌግራም ልዕሊ 500 ሽሕ ተኸታተልቲ ኣለዉዎ፤ ኣብዚ ንሱን ካልኦት ወተሃደራዊ ብሎገራትን ንመዳያት ወፍሪ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ይጕስጉሱ።
ሳይበር ፍሮንት ዜድ ዝተባህለ ኣብ ቴሌግራም ንነብሱ "ሓበሬታ ወተሃደራት ሩስያ" ኢሉ ዝጽውዕ ጕጅለ፡ ነቲ ካፈ ነቲ ዕለት ተኻሪይዎ ምንባሩ ገሊጹ።
"ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ዝተወሰኑ ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ወሲድና ኢና፤ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እኹላት ኣይነበሩን፡" ይብል ኣብ ቴሌግራም ዝዘርግሖ ጽሑፍ።
"ኵልኹም ፈለጥቲ 'ቲ ብሉጽ ጸብጻቢ ኲናትን ዓርክናን ቭላድለን ታታርስኪ ጽንዓት ይሃብኩም።"
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ከባቢ ሞስኮ ኣብ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ጋዜጠኛን ፍሉጥቲ ደጋፊት ሰራዊት ሩስያን ዳርያ ዱጊና ተቐቲላ’ያ።
ንሳ፡ ጓል ናይቲ ናይ ቀረባ መሓዛ ሚስተር ፑቲን ዝዀነ ሃገራዊ ፈላስፋ ኣሌክሳንደር ዱጊን እያ ነይራ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኦልጋ ኢቭሺና፡ ታታርስኪ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንዝርከብ ዞባታት ዶነስክን ሉሃንስክን ኣብ ዝሓዙሉ እዋን ኣብ 2014 ምስ ተገንጸልቲ ሓይልታት ሩስያ ከም ዝተጸንበረ ገሊጻ።
ንሱ፡ ኣብ ዞባ ዶነስክ ኣብ ዝርከብ ማኪቭካ እዩ ተወሊዱ።
ባዕሉ ታታርስኪ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዶነስክ ዕጥቂ ሒዝካ ብዝፍጸም ስርቂ ተኣሲሩ ምስ ተፈትሐ ናብ ዕጡቓት ዶነስክ ተጸንቢሩ።
ዶነስክ ሓንቲ ካብተን ሩስያ ናብ ግዝኣታ ሓዊሰየን ትብለን ዞባታት እያ።
ሩስያ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ታታርስኪ ናብ ውግእ ተመሊሱ ብዛዕባ እቲ ኲናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያን ርእይቶ ሂቡ።
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ንምብራርን ዕርድታት ንምህናጽን ከም ዝሓገዘ ይዛረብ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ኣብ ሩስያ፡ "ሓሸራታት ንሓድሕዶም ይባልዑ ኣለው” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ብተወሳኺ ፖለቲካዊ ውሽጣዊ ውግእ ሩስያ ናብ ተግባራት "ውሽጣዊ ግብረሽበራ" ይወርድ ኣሎ ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ ንታታርስኪን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብሎገራትን "ተጣበቕቲ ሓቂ" ክትብል ንኢዳ።
"ጋዜጠኛታት ሩስያ ብቐጻሊ ካብ ስርዓት ኪቭ ስግኣት ሕነ ምፍዳይ ይስምዖም" ክትብል ኣብ ቴሌግራም ጽሒፋ።
ታታርስኪ ንዩክረይን "ሓደገኛ" እዩ ነይሩ፤ ግን ብትብዓት ክሳብ መወዳእታ ቀጺሉ ግቡኡ ፈጺሙ፡ ትብል።
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ዳርያ ዱጂና ኢድ ኣእታውነት ዩክረይን ኣሎ ንዝብል ክሲ፡ ዩክረይን ነጺጋቶ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
