ኣብ ደቡብ ጎንደር ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 18 ኣባይቲ ድማ ተቓጺሎም ተባሂሉ

ዝነድድ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, SM

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ እስቴ ፍሉይ ከባቢ ኣጎና ዝሓለፈ ሰኑይ 7 ሚያዝያ 2016 [ኣ.ግ] ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ንዝተፈጥረ ግጭት ስዒቡ ነበርቲ ከም ዝሞቱን ብዙሓት ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉን ስድራ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ኣብታ ኣጎና ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ "ብኣጋጣሚ ኣብ መንገዲ ተራኺቦም" ተኹሲ ብምልውዋጦም ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣባይትን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኣርባዕተ ነበርቲ ገሊፆም።

እቲ ቅትለት ንግሆ ከባቢ ሰዓት 03፡00 (09፡00) ከም ዝተፈጸመ ዝሓበረ ሓደ ነባሪ “ሓይልታት መንግስቲ ኣብቲ ምልውዋጥ ተኹሲ ጉድኣት ስለ ዝበጽሖም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም” ኢሉ።

ካልእ ነባሪ "ብኣጋጣሚ ኣብ ጽርግያን መንደርን ንዝረኸብዎም ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ብጥይት ሃሪሞሞም" ክብል ኣረዲኡ።

"ኣብ እንዳ ከረምቡላን ፑልን ተኹሲ ከፊቶም ነቶም ኣብኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ እዮም ጨፍጪፎምዎም ከይዶም። እዚ ክፍጸም ከሎ ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ቦታ ኣይነበሩን" ዝበለ ድማ ካልእ ነባሪ እዩ።

ወዲ 22 ዓመት ሓዎም በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ዝሓበሩ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣቦ እቲ ንእሽቶ ሓዎም ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ እንዳ ፑል ምስ ሰለስተ ኣዕሩኽቱ ከም ዝተቐትለ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ትንፋስ ሓዎም ቅድሚ ምሕላፋ ናብቲ ቦታ በጺሖም ምንባሮም ዝዛረቡ እዞም ስሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ነባሪ፡ ናብ ትካል ጥዕና ክወስድዎ ብዘይምኽኣሎም ግን ናብ ገዝኦም ወሲዶም ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብሩ እንተፈተኑ እኳ ክተርፍ ከም ዘይከኣለ ኣረዲኦም።

“ምስ ፋኖ ዝኾነ ርክብ የብሉን። ዓይኒ ዓይኑ ዝሕልዎ ሓወይ ቀቲሎምዎ ከይዶም። . . . ተመሃራይ እዩ ነይሩ። ሕጂ ትምህርቲ ስለ ዘየለ ግን ብሕርሻ እዩ ዝነብር ነይሩ። ሓረስታይ እዩ" ኢሎም።

እቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ሓንቲ ማይ ትቐድሕ ነይራ ዝተባህለት ቆልዓን ከም ዝኾኑ እቶም መራሒ ሃይማኖት ገሊጾም።

ናይ ኩሎም ቀብሪ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ መዓልቲ ኣብ ቤተክርስትያን 'ኣጎና ማርያም' ከም ዝተፈፀመ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነቶም ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉዎም ዝተዛረቡ እቶም ነበርቲ ብወተሃደራዊ ክዳውንቶምን ብመኻይኖምን ከለልይዎም ከም ዝኸኣሉ ኣረዲኦም።

ምኽንያት ቅትለት ከኣ ‘ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም’ ዝብል ምዃኑ ዝገለጸ ሓደ ነባሪ፤ "ንስኻትኩም እንተዘይትህልዉ ፋኖ ኣይምሃለወን" ብዝብል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተዛሪቡ።

ሓይልታት መንግስቲ ካብታ ከተማ ወጺኦም [ብኣንፈት ጋይንት ዝተባህለ ከባቢ] ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 18 ገዛውቲ ከም ዝተቓጸሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዝነድድ ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, SM

ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ዝነደዱ እዮም ንዝተባህሉ ኣባይቲ ዘርእዩ ቪድዮታት ካብ ማሕበራዊ መራኸብታት እንተረኸበ እኳ ሓቅነቶም ግን ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ ቅትለት ነበርትን ምንዳድ ኣባይትን ካብ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደርን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ዕማምን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ’ውን ኣይተዓወተን።

15 መንበሪ ኣባይትን ክልተ ጎጆታትን ከም ዝነደዱ ዝገለጸ ሓደ ገዝኡ ዝተቓጸሎ ነባሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሞንጎ ዝዓነዉ ሰለስተ ገዛውቲ እቲ ሓደ ናቱ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ እንዳ ኣዝማማዶም “እናዘሩ” ይዕቆቡ ከም ዘለዉ ዝገለጸ እቲ ነባሪ ነብሰ ቅትለት ክሳብ ምፍጻም ይሓስብ ምንባሩ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ፌደራል ነቶም ዘይስሩዓት ዝብሎም ዕጡቓት ፋኖ ዕጥቆም ከፍትሕ ምውሳኑ ስዒቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ካብ ዝዝርጋሕ ዳርጋ ሓደ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ’ሎ።

ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ክልል ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ብዝፍጠሩ ግጭታት ከኣ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝወጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።