ቅልውላው ሱዳን፡ ፓስፖርት ኣብ ኤምባሲታት ዝተዓጸዎም ሰባት የማርሩ

Published

ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ሱዳን፡ ፓስፖርቶም ኣብ ውሽጢ ኤምባሲታት ኣውሮጳ ስለዝተዓጽወ፡ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ክሃድሙ ኣይክኣሉን።

ቢቢሲ፡ ኲናት ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን ናይ ኣውሮጳ ቪዛ ሓቲቶም ፓስፖርቶም ኣብ መስርሕ ዝነበረ ሓያሎ ሰባት ኣዘራሪቡ'ሎ።

ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ፓስፖርታት ናብ ወነንቱ ከይመለሱ ካብቲ ቦታ ወጺኦም፤ ሕጂ ድማ ኤምባሲታት ተዓጽዮም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስጳኛ፡ ሰባት ሰነዳት መገሻኦም ካብ ሰብመዚ ሱዳን ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ወዲ 29 ዓመት ራሚ ባዳዊ፡ ኤምባሲ ፈረንሳ ፓስፖርቱ ምምላስ ስለዝኣበየ ኣብ ካርቱም ተዓጽዩ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ባዳዊ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፈረንሳዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እዩ ዝሰርሕ። ብምኽንያት ስራሕ ናብ ፈረንሳ መገሻ ክገብር ስለዝነበሮ ፓስፖርቱ ኣብቲ ኤምባሲ እዩ ነይሩ።

"ክወጽእ ደልየ ግን ኣይክእልን እየ" ይብል።

ባዳዊ፡ እቲ ግጭት ምስ ተላዕለ፡ ምስ ኤምባሲ ፈረንሳ ርክብ ብምግባር፡ ፓስፖርቱ ክወስድ ዝኽእል እንተዀይኑ ሓቲቱ። እቲ ኤምባሲ ግን ንዝለኣኾም ኢመይላት መልሲ ከም ዘይሃበ ይዛረብ።

ኤምባሲ ፈረንሳ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

"ዝዀነ ሓበሬታ ከይሃቡ ክወጹ ጀሚሮም።"

ባዳዊ ሰንበት ምሸት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ከም ዝተቖጥዐን ከም ዝፈርሐን ገሊጹ።

"ካብ ንግሆ ክሳብ ለይቲ ድምጺ ጠበንጃ ይሰምዕ ኣለኹ።"

ኣዲኡ፡ ኣቡኡን ኣሕዋቱን ፓስፖርቶም ኣብ ኢዶም ስለዝነበረ ብኣውቶቡስ ናብ ግብጺ ክጓዓዙ መደብ ነይርዎም። ንእኡ ሓዲጎም ክኸዱ ስለዝተጸገሙ ግና እታ ስድራ ብምልእታ ኣብ ካርቱም ምስኡ ክትጸንሕ ወሲና።

ኣብዚ እዋን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ዘኽእሉ ቀንዲ መስመራት፡ ብኣውቶቡስ ናብ ሰሜናዊ ዶብ ብምስጋር ናብ ግብፂ ምእታው፣ ወይ ድማ ናብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ፖርት ሱዳን ብምኻድ ብጃልባ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊርካ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምኻድ እዮም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብታ ንሰባት መግቢ፡ ማይ ወይ መንበሪ ንምቕራብ ትቃለስ ዘላ ጎረቤት ሃገር ቻድ እውን ሃዲሞም ኣለዉ።

ወዲ 30 ዓመት መሓመድ ኣልፋድል፡ ናብ ስጳኛ ንበዓል ክኸይድ ከም ዝሓሰበን፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ ቪዛ ይጽበ ከም ዝነበረን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ፡ ፓስፖርቱ ክምለሰሉ ናብቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ስጳኛ ዝድውለሉ ህጹጽ መስመር ቴለፎን ምስ ደወለ፡ "እታ ዘልዓለት ሰበይቲ 'ሱዳናዊ ዲኻ ወይስ ስጳኛዊ?’ ኢላ ሓቲታትኒ። ሱዳናዊ ምዃነይ ምስ ነገርክዋ ብኡ ንብኡ እቲ ቴለፎን ተዓጽዩ" ብምባል ዘጋጠሞ ጸገም ገሊጹ።

ኣልፋድል ካብ ካርቱም ተበጊሱ ኣብ ሰሜን ሱዳን በጺሑ'ኳ እንተሎ፡ ካብቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ግብጺ ክኸዱ ዝወጠኑ ስድራኡ ክፍለ ምዃኑ ይገልጽ።

"ካብ ስድራይ ኣነ ጥራይ እየ ክጓዓዝ ዘይክእል" ይብል።

"ቤት ጽሕፈት ፓስፖርት ክኽፈት ንጽሊ ኣለና፡ እቲ ቀንዲ ማእከል ፓስፖርት ግን ኣብ ካርቱም'ዩ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ድማ ኣይሰርሕን ዘሎ።"

"ካብ ኤምባሲ ስጳኛ ምላሽ፡ ግብረ መልሲ ዋላ ዝኾነ ነገር ኣይረኸብኩን። ፓስፖርተይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ካብዚ ኲናት ንምህዳም የድልየኒ። እቲ ኣዝዩ ዝጐድኣኒ ድማ ዝዀነ መልሲ ዘይምርካበይ’ዩ።"

ካልእ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ሰብኣይ፡ እቶም ስጳኛውያን ዲፕሎማሰኛታት ፓስፖርቱ ንኽመልሱሉ ንዝቐረቦ ሕቶታት መልሲ ከይሃቡ ንነብሶምን ዜጋታቶምን ብምውጻኦም "ሰብኣውነት" ዘይብሎም ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ገሊጹ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ግዜኡ ዝሓለፎ ኣረጊት ፓስፖርት ተጠቒሙ ዶብ ሰጊሩ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ - እዚ ግን ብዕድል ጥራይ ዝተፈጸመ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስጳኛ፡ "ኤምባሲ ንህዝቢ ዝህቦ ዝነበረ ኣቓልቦኡ ኣቋሪጹ’ዩ፡ ምውጻእ ካብ ዝጅመር ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ዓቢ ሓደጋ ጸጥታ” እቲ ኤምባሲ ኣገልግሎት ዝህበሉ ተኽእሎ ከም ዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብዛዕባ እዚ መጠንቀቕታታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ "ፓስፖርቶም ኣብኡ ዝገደፉ ሰባት፡ ካብ ሰብመዚ ሱዳን ካልእ ናይ መገሻ ሰነድ ክወስዱ ተነጊርዎም ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን’ውን ሰራሕተኛታቱ ቅድሚ ምውጽኦም ፓስፖርት ከም ዘይመለሰ ይኽሰስ።

ኣሕመድ ማሕሙድ ወዲ 35 ዓመት ኣሰናዳኢ ፊልም እዩ፤ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ካርቱም ኣምሊጡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፖርት ሱዳን ይርከብ።

ንሱ፡ ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ሽወደን ንምስታፍ ቪዛ ከም ዘመልከተ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኲናት ምስ ተጀመረ እቶም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ በቃ ተላዒሎም ንፓስፖርተይ ዝዀነ ይዅን ተገዳስነት ከይሃቡ ተበጊሶም" ክብል ኣማሪሩ።

እቲ ግጭት ኣብ ዝጀመረላ መዓልቲ ምስቲ ኤምባሲ ርክብ ብምግባር ደጊም እቲ ቪዛ ከም ዘየድልዮ ብምግላጽ ፓስፖርቱ ክምለሰሉ ሓቲቱ።

ጉዳዩ "ክንርእዮ ኢና ኢሎምኒ። መዓልታዊ ደዊለሎም፡ ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኤምባሲ ሽወደን ወጺኡ። ፓስፖርተይ ክረኽበሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ከም ዘየለ ተነጊሩኒ።"

ማሕሙድ ንድሕነቱ ከም ዝሰግእ’ውን ገሊጹ።

"እዚ ኲናት እንተቐጺሉ ብቕልጡፍ ክወጽእ ኣለኒ። ንኸማይ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ንሲቪላዊ ማሕበራት፡ ስነ-ጥበባውያን ኣዝዩ ሕማቕ ክኸውን'ዩ - ከምቲ [ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ] ኣልሲሲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ክኸውን'ዩ" ይብል።

ወሲኹ ድማ በዓልቲ ቤቱ ፓስፖርታ ምስኣ ስለዘሎ "ክትከይድ እንተደሊያ ምስኣ ክኸይድ ኣይክእልን" ኢሉ።

ሓድሽ ፓስፖርት ምስ ረኸበ፡ ናብ ዶብ ወይ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐ ቪዛ ክረክብ ስለ ዝኽእል፡ ናብ ኬንያ፡ ዩጋንዳ ወይ ኢትዮጵያ ክገይሽ ከም ዝሓስብ ይገልጽ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ "ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ካብቲ ቦታ ወጺኦም እዮም፡ እቲ ኤምባሲ ድማ ካብ ስቶክሆልም ስርሑ ክቕጽል'ዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ'ቲ ኤምባሲ ቅድሚ እቲ ምግዓዝ ዝወሰዶ ስጕምትታት ጸጥታ ብዝርዝር ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ምስቶም ስጕምትታት ዝጻባእ’ዩ" ይብል።